እቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ‘ውን ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝሰጎጎም ይዝከር።
ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ጽዑቕ ግፋ ከካይዱ ምውርሖም ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣብ ሸርፊን ሓዋላን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታት ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ተዛሪቡ‘ዩ።
ኣቐዲሙ‘ውን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ንምሓዝ፣ ተደጋጋሚ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ብወገን ሰብ ስልጣን ኢትዮጵያ ክጥቐስ ጸኒሑ‘ዩ።
እንተኾነ፣ እቲ ናይ ግፋን ማእሰርቲን መስርሕ ብዝያዳ ናብ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ኮይኑ፣ ፖለቲካዊ ዕላማን መልእኽትን ከምዘለዎ‘ዮም ሓያሎ ወገናት ዝኣምኑ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት