ዛንታ ኤርትራውያን ዓሳክር ጣልያን

እቶም ዓሳክር ኣብ ዝተፈላልዩ ወራራት ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ሓለዋ ዕርድታትን ውሽጣዊ ጸጥታን'ውን ኣገልጊሎም'ዮም።

ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም፡ ኣሃዱታት ዓሳክር ካብ መበቈል ዓዶም ተወሲዶም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን እስያን ተሳቲፎም እዮም።

ኤርትራ ርእሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ዕስክርና ኣለዋ።

ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ፡ ዓሳክር-ጣልያን-ነበር ኣብ ውግኣት ኢትዮጵያን ሊብያን ተሳቲፎም ጥራሕ ዘይኰነስ ህላወኦም ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ውጽኢት ነይሩዎ'ዩ።

ኣብ ዘመን ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዕስክርና በቲ ግናይ ሸነኹ ምስ ዝርአ፡ ናይ ገዛእትን ተገዛእትን ወይ ከኣ ናይ ወረርትን ተወረርትን ኣሳእሉ ስለ ዝደምቕ፡ ነቲ ዘተኣታተዎ ሕብረተሰባዊ ለውጥታት ዳርጋ ይዕብልሎ'ዩ።

ዕስክርና ኣብ ማሕበረሰባዊ መዋቕር ኤርትራ ናይ ባዕሉ ክስተት ከም ዝነበሮ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ እንረኽቦ ኰይኑ፡ ምስቲ ጣልያን ዘተኣታተዎ ከተማዊ ምዕባለ (urban development) ዘተኣሳስር ሸነኻት ኣለዎ።

ንኤርትራ ካብ ዓለም ሓረስታይ ናብ ዓለም ደሞዝተኛ ብምቕያር፡ ኣብ ቍጠባ ኤርትራ ግደኡ ኣበርኪቱ እዩ።

ዕስክርና፡ ኤርትራ ንዘመን ጣልያን ሰጊራ ኣብ ዘመን እንግሊዝ ምስ ኣተወት እውን - ኣብ ዘመነ 'ዓደይ ዓደይ' ማለት'ዩ - ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ኤርትራ ከይተረፈ እጃም ነይሩዎ'ዩ።

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዓሳክር-ነበር ማሕበር ኣቚሞሞ ('ማሕበር ዓሳክር ኢጣልያ ነበር' - ብዓሊ ኢብራሂም ዝምራሕ) ምስ ማሕበር ኢጣለ-ኤርትራውያን (ብግዊዶ ደ-ሮሲ ከምኡ'ውን ፍሊፖ ካሽያኒ ዝምራሕ) ተሻሪኾም ሓደ ዓቢይ 'ሰልፊ ሓዳስ ኤርትራ - ሻራ ኢጣልያ' ዝስሙ ሰልፊ ኣቚሞም፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት ኢጣልያ ክትከውን ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ሰልፊ ናጽነት ሓቢሮም'ውን ከም ዝተቓለሱ ምጥቃስ የድሊ።

እቲ ግዙፍ ሰልፊ ብዑመር መሓመድ ባዱሪ ይምራሕ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እስራኤላዊ ተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፌሰር ሃጋይ አልሪሽ ይገልጽ።

ኣብ ዞባና ዕስክርና ዝዘርኦ ጽልኢ ነይሩ እዩ። ጣልያን ንረብሓኦም ክብሉ ዓሳክሮም ኣምሪሖም ኣብ ገለ ሃገራት ዘካየዱዎ ሕማቕ ታሪኽ፡ ኣብ ርክባት ናይዚ ዞባ ሃገራት ሰለሎ ከም ዘእተወ ግሁድ እዩ።

ንድሕሪት'ስከ ንመለስ ...

ኣብ ኤርትራ ካብ 1885 ክሳዕ 1941 ኣብ ዝነበራ ዓመታት፡ 130,000 ዓሳክር ተኸቲቦም ኣብ ብርክት ዝበሉ ውግኣትን ካልእ ዕዮታትን ተሳቲፎም።

ኣብ ኤርትራ ዕስክርና ክጅምር ከሎ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ዝበዝሕ ኣይነበረን። ስለዚ፡ እቲ ዝዓስከረ ዓቕሚ-ሰብ ክሳዕ ክንደይ ግዙፍ ምዃኑ ርእሰ-ግሉሕ እዩ።

እቲ ንኽልተ ወለዶ ዝቐጸለ ዕስክርና፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓቢይ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ድማ ዘይሰሓት እዩ።

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እቲ ደሚቑ ዝርአ ስእሊ ዕስክርና፡ እቲ ምስ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተኣሳሰር ሸነኻቱ እዩ። እቲ ፋሽሽታዊ ባህርያት ዝነበሮ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ዕስክርና ኣብ ሕብረተሰብ ሳዕቤን ክህሉዎ ከም ዝገበረ ምሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ይገልጹ።

ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ከም ዘመልክቱዎ፡ ጣልያን ነቶም ሓያላት ተዋጋእቲ ምንባሮም ዝኣምነሎም ዝነበረ ኤርትራውያን መዝሓሊ ጥይት ከም ዝገበሮም ብተደጋጋሚ ዝጠቕሱዎ እዩ።

እዚ፡ ብሓደ ሸነኹ ኰይኑ፡ እቲ ጉዳይ ካብዚ ዝሰፍሐን ዝዓሞቘን እዩ።

እቶም ዝተዓስከሩ ሓይልታት መብዝሕትኦም ኣብ ኣጋር ሰራዊት ተሰሊፎም የገልግሉ ነበሩ። ብተወሳኺ፡ ፈረሰኛታት፡ ኣብ ገመል ዝተወጥሑን ፈኰስቲ መዳፍዕ ዝስከሙን ኣሃዱታት ነይሮሞ'ዮም።

ዓሳክር ጣልያን ኣብ ውግኣት ማህዲያ (1881–1899)፡ ውግእ ኳዓቲት (1895)፡ ቀዳማይ ኲናት ኢጣልያ–ኢትዮጵያ (1895-1896)፡ ኲናት ጣልያን-ቱርኪ (1911-1912)፡ ካልኣይ ኲናት ኢጣልያ-ሓበሻ (1935-1937)፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም (1939-1945)፡ ወፍሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ (1940-1941) ኣብ ጐድኒ ጣልያን ኰይኖም ተዋጊኦም እዮም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነበረ ሰራዊት ጣልያን፡ ምስ መኰንናት ጣልያን ተሰሪዖም ንኸገልግሉ ኣብ ሶማል ዝተመልመሉ ዓሳክር'ውን ነይሮም'ዮም። እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ድሒሮም ምስ'ተን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ተወዲቦም'ውን ይሰርሑ ነይሮሞም።

እዚ ማለት፡ ዓሳክር ጣልያን ኣብ ስፍሕ ዝበለ ስርሓት ከም ዝተዋስኡ ንምርዳእ ይሕግዝ።

ተራ ዓሳክር ጣልያን ብኣብነት ኣሰኒና ንምግላጹ ኣብ ዓድዋ ብዝተኻየደ ውግእ ክንጠቅስ ንኽእል። ብ1890 እቶም ጣልያን ነቶም ብ'ባንዳ' ዝፍለጡ ዝነበሩ ሚልሽያ (ኣብ ጸግዒ ጣልያን ኰኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ተዋጋእቲ) ከም መደበኛ ሰራዊት ኣሰልጢኖም ንኢትዮጵያ ከዋፍሩ መደብ ኣውጽኡ።

ሓይልታት ጣልያን ንዓድዋ ኣብ ጥሪ 1890፡ ዳግማይ ድማ ብ1 ሚያዝያ 1895 ኣብ እዋን ወራር ትግራይ ሒዞማ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ እዩ። ጣልያን ንዓድዋ ንሓደ ዓመት ምስ ተቘጻጸራ ብሃጸይ ዳግማዊ ምንሊክ ዝምራሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ን17,000 ዝቝጽሮም ብጀነራል ኦረስተ ባራቴሪ ዝምራሕ

ዝነበረ ሰራዊት ጣልያን፡ ምስኡ ከኣ ልዕሊ 5,000 ኤርትራውያን ዓሳክር ዝነበሩዎ ሰራዊት፡ ብ1 መጋቢት 1896 ኣብ ከባቢ ከተማ ዓድዋ ሰዓሩዎም። እቲ ወሳኒ ዓወት'ቲ፡ ጣልያን መግዛእታዊ ግዝኣታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስፋሕ ንዘካየደቶ ወፍሪ ኣፍሺሉዎ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ውግእ፡ እተጌ ጣይቱ (ሰበይቶም ንንጉስ ዳግማይ ምንሊክ) ንመብዝሕትኦም ምሩኻት ዓሳክር ጣልያን የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ከም ዝቝረጽ ገበራ ይበሃል። ብዙሓት ካባታቶም ቍስሎም መሽሚሹ ኣብ ፈቐዶኡ ብረኽስን ሕማምን ከም ዝሞቱ ይዝንቶ።

ኤርትራውያን ዓሳክር

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኣሃዛዊ ጸብጻባት ናይቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ፡ ዝሞቱን ዝተማረኹን ዓሳክር ካብ መጽሓፍ ንመጽሓፍ ይፋላለ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ታሪኽ ዕስክርና ግን ተመሳሳሊ'ዩ።

ብዛዕባ ታሪኽ ዕስክርና ንምርዳእ ብኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ብ1927 ተጻሒፋ፡ ብ1949/50 ናብ ሕትመት ዝበቕዐት መጽሓፍ ኣላ።

እዛ መጽሓፋ 'The Conscript' ብዝብል ብፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ናብ እንግሊዝኛ ተተርጒማ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐት ኣገዳሲት መጽሓፍ'ያ።

እዛ መጽሓፍ፡ ዛጊት ኣብ ታሪኽ ስነጽሑፍ ኤርትራ ኰነ ቋንቋ ትግርኛ ቀዳመይቲ ልብወለድ ምዃና እያ ትፍለጥ።

ኤርትራውያን ብፍታዎም ድዮም ወይስ ተገዲዶም እዮም ተዓስኪሮም ንዝብል ሕቶ ብመጠኑ መልሲ ዝቐረበት መጽሓፍ እያ። ኣብ ግዜ ስእነት ብዕስክርና ኣቢልካ ደሞዝ ምርካብ፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ክርአ ከሎ ድማ ኵነታቶም'ዩ ደፊኡ ኣብ ዕስክርና ዘእተዎም ክበሃል ይከኣል። እዚ ኰይኑ እቲ ግን ዕስክርና ኣብ ዞባና ደም ተኺሉ'ዩ።

ቶማስ ኦፍካንስኪ ዝበሃል ፍሉጥ ተማራማሪ ታሪኽ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ብዘስፈሮ ሓተታ መሰረት፡ ኤርትራውያን ዓሳክር ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ሶማልያን ሊብያን ከም ዝተሳተፉ የዘንቱ።

ኦፍካንስኪ ኣብ ሊብያ ካብ 1911 ክሳዕ 1932 ማዕረ 60,000 ኤርትራውያን ዓሳክር ከም ዘገልገሉ ክጠቅስ ከሎ፡ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡ "ኤርትራውያን ንዕስክርና ተገዲዶም ዝኣተዉዎ ኣገልግሎት ዘይኰነስ ንደሞዝን ዕድል ትምሀርትን ኢሎም፡ ምስኡ ከኣ ምስ ወሃብቲ ስራሕ ፈረንጂ ስራሕ ንምርካብ ዕድል ይኸፍተሎም ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ፡" ይብል።

"ብዓቢዩ ከኣ ካብ ዕስክርና ምስ ተገላገሉ ናይ ጥሮታ ግቡኦም ክረኽቡ ከም ዘኽእሎም ይኣምኑ ነበሩ፡" ኢሉ ወሰኸሉ።

ብኣባ ገብረእየሱስ ሃይሉ ተደሪሳ፡ ብፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ናብ እንግሊዝኛ ዝተሓትመት "ሓደ ዛንታ"፣ ዛንታ ዕስክርና ጥልያን

ምንጪ ስእሊ,Meadi Isayas

መግለጺ ስእሊ,ብኣባ ገብረእየሱስ ሃይሉ ተደሪሳ፡ ብፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ናብ እንግሊዝኛ ዝተሓትመት "ሓደ ዛንታ"፣ ዛንታ ዕስክርና ጥልያን

ዕስክርና ዘተኣታተዎ ለውጥታት

ብኣገላልጻ ዳን ኮነል፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎ ተመራማሪ፡ "ዓሳክር ክሳዕ 1935 ብፍቓዶም ይምልመሉ ነበሩ፡" ይብል።

እኹል ደሞዝን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ምግልጋል ዕድልን ንብዙሓት መንእሰያት ይስሕብ ከም ዝነበረ ይገልጽ።

"ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራ ካብ ነፍሲ ወከፍ ብሄርን ዞባን ኤርትራ ሓቢሮም ብምዕስካሮም ንሓድሕዶም ክፋለጡን ክቃረቡን ገይሩ'ዩ፡" ክብል'ውን ይውስኽ።

ምስ ምትእትታው ዕስክርና፡ ነቶም ዝተዓስከሩ ዘሰልጥና ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ነይረን'የን። ቋንቋ ጣልያንን ቍጽርን ብምምሃር ዓቕሚ ዓሳክራት ክብ የብላ ነበራ።

"ኤርትራውያን ካብ መዓርግ ሰርጌንተ (ሙምታዝ) ንላዕሊ ክድይቡ እኳ እንተ ዘይተፈቕደሎም፡ ብዙሓት ዓሳክር ነበር ኣብ በብዓይነቱ ስርሓት ክስልጥኑ ክኢሎም'ዮም። ክሳብ ኣማሓደርቲ ከባቢታትን ጭቃ ዓድታትን ክዀኑ'ውን በቂዖም'ዮም፡" ይብል።

ብ1935 ወራር ሙሶሊኒ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንኽድንፍዕ ተባሂሉ ዕስክርና ብደረጃ ኣውራጃ ብብጽሒት (quota) ንክኸውን ተወሰነ። እቲ ክብጻሕ ዝነበሮ ዕላማ ድማ 60,000 ዓሳክር ምኽታብ ነበረ።

ኰይኑ ድማ ሙሶሊኒ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ፋሺሽታዊ ባህርያቱ እናተጋህደ ከደ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መርገጽቲ እናዛየደ ምስ ከደ ብዙሓት ኤርትራውያን ተሃንዲዶም ኣብ ዕስክርና ካብ ምእታዉ ክቝጠቡ ጀመሩ።

ብሓፈሻኡ ዕስክርና እናዛሕተለ፡ እቶም ዓሳክር ከኣ ክሰግኡ ጀመሩ። እቲ ስግኣት'ውን ክብል-ክብል ምስ ኢትዮጵያ ምድንጋጽ ፈጢሩ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ብዙሓት ከኣ ምስ ምትእስሳር ኢትዮጵያን ኤርትራን (ብሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኣቢሉ ማለት'ዩ) ከተሓሕዙዎ ጀመሩ።

ንኣብነት ሹምባሽ ዓንዶም ተስፋጽየን ዝተባህሉ ብዓል ደብሪ ዓዲ ሃንስ፡ ድሒሮም ብጃንሆይ ናይ ደጃዝማች ሽመት ዝተዋህቦም፡ ምስ ዓሳክሮም ብምስዳዕ ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተጸንበሩ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ተሰኒዱ ንረኽቦ።

ጣልያን ጌጋ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ይፍጽሙ ስለ ዝነበሩ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብሃይማኖት ኣቢሎም ነቶም ጌጋታት ብምምዝማዝ ንዓሳክር ጣልያን ክልተ ከሕስቡዎም ጀመሩ ክበሃል ይከኣል።

እንግሊዝ ዝኣተወሉ ዘመን

ሰራዊት እንግሊዝ ኣብ ኣስመራ 1941

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ሰራዊት እንግሊዝ ኣብ ኣስመራ 1941

ኣብ 1940 ዓባይ ብሪጣንያ ኲናት ኣብ ልዕሊ ጣልያን ምስ ወልዐት፡ ጣልያን ወተሃደራዊ ሓይላ ንምሕያል ንገደይምን ሓደስትን ዓሳክር ህጹጽ ጻውዒት ኣቕረበት፣ ብዝሖም ከኣ ቀልጢፉ ን60,000 ክድይብ ከኣለ።

ኣብ መጋቢት 1941 ኣብ ከረን ሓይልታት ጣልያን ምስ ተሳዕሩ ብዙሓት ዓሳክር ሞቱ፣ ብዙሓት ከኣ ተማረኹ። ብዙሓት ድማ ተስፋ ቈሪጾም መስርዖም ራሕሪሖም ኢዶም ሃቡ፣ ገሊኦም ከኣ ነንዓዶም ወሓዙ።

መግዛእታዊ ሰራዊት ዕስክርና ከኣ ኣብቅዐ።

ዓንድታት ዕስክርና ሃደሽዶሽ ምስ በለ፡ እቶም ዓሳክር ከኣ ብግቡእ ካብ ወተህድርናዊ ኣገልግሎት ስለ ዘይተፋነዉ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዓሳክር ሓዲግ ተረፉ። ስራሕ ስኢኖም ከኣ ዘወንወን ክብሉ ጀመሩ። ሽዑ ስእነትን ድኽነትን ኣርከቦም።

መንግስቲ እንግሊዝ ከኣ ኣይሓገዞምን። ብዙሓት ካባታቶም ከኣ መሳርያኦም ከየረከቡ ኣብ ፈቐዶኡ ተዘርኡ። ኣይጸንሑን፡ እቶም ዓሳክር-ነበር ንኽነብሩ ናይ ባዕሎም ጕጅለታት እናኣቘሙ ኣብ ሽፍትነት ኣተዉ።

ኤርትራ ኣብ ዘመን ሽፍትነት ኣተወት። ከም ብዓል ኣስረስሀይ እምባየ፡ ሓጐስ ተምነዎ፡ ተኸስተ ሃይለ፡ ወልደገብርኤል ሞሳዝጊ ምስ ሓዉ በርሀ ሞሳዝጊ፡ ዕቝባንኪኤል እጅጉ፡ ገብረ ተስፋጽዮን ወዘተ. ዝተባህሉ ዓሳክር-ነበር ሸፋቱ ገርገሩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ብሕልፊ ዜጋታት ጣልያን ብሕሱም ተጠቕዑ።

ሽፍትነት ብንጉስ ሃይለስላሰን ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተመዝሚዙ ናብ ፖለቲካዊ ሽበራ ተለወጠ።

ደለይቲ ናጽነት ኤርትራ ዕሱባት ጣልያንን ተደናገጽቲ ኣስላምን ተባሂሎም ክህደኑ ጀመሩ። ሽዑ ማሕበር ኣንድነት ብደገፍ ኣሸበርቲ ጸብለል በለ። ኤርትራ ከኣ ኣብ ሓጹር ፈደረሽን ኣተወት፣ ኣይጸንሐትን ከኣ ኤርትራ ከም መበል 14 ኣውራጃ ኢትዮጵያ ኰይና ተለቀበት።