ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምርካብ ናይ ህልውና ስግኣት'ዩ ምባል 'ሓደገኛ ሃቐነ' ዘለዎ'ዩ - ኤርትራ

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ናይ ህላወ ሓደጋ ኣለወን ዘስምዕ ትንተና "ቦታኡ ዝሰሓተ ጨለነትን ትሕዝቶ ዘይብሉ ጓንጓ ምግናን" ምዃኑ ይምጉት።

ብኹለን ሃገራት ዝተወሃሃደን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ተጻባኢ ምርጋጥ ሓይሊ ባሕሪ እንተ ተፈጺሙ ጥራይ ናይ ህላወ ስግኣት ክፈጥር ከምዝኽእል'ዩ እቲ ስም ኣቢይ ኣሕመድ ዘይጠቐሰ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ከረድእ ዝፍትን።

"ብትሕዝትኡ ሓደገኛን፡ ንጥዑይ ክልተኣዊ ርክብ ይኹን ነቲ ኣብ ሕዱራት ክብርታትን ዓለምለኻዊ ሕጊን ዝተመስረተ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ዝጻረር'ዩ" ክብል እቲ ኣብ ኤክስ ዝወጸ ሓጺር መልሲ ናይቲ ሚኒስተር ይነቅፍ።

ኤርትራ፡ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ከምዘሰክፋ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ብሰሉስ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ኣምባሳደራትን ወከልቲን ሃገራት ወጻኢ ኣብ ዘካየዶ ዘይልሙድ ኣኼባ፡ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ "ብዲፕሎማሲ ይኹን ብወተሃደራዊ ሓይሊ" ኣፍደገ ባሕሪን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ናይ ምርካብ "ግጉይ" ሸውሃት ንሃገሩ ከምዘቖጥዓ ኣብሪሁ ነይሩ።

"ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ ኤርትራ ትምሕጸን" ክብል'ውን መጽዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ፡ ሃገሩ ብዘይ ኲናት ኣፍደገ ባሕሪ ክኽፈተላ ከምዝደሊ ብምግላጽ፡ "ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምሕታት ግን ከም ነውሪ ዝቝጸረሉ ግዜ ኣብቂዑ እዩ" ምባሉ ንኣስመራ ዘቕሰነ ኣይመስልን።

"ቁጠባኡ ዝዓቢ ዘሎ ህዝቢ፡ ምልዋጥን ካብ ድኽነት ክወጽእን ዝደሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ፡ ጫፍ ጫፉ ተሓንጺጽሉ ተዓጽዩ ኣብ ማእሰርቲ ክነብር ኣይክልን'ዩ፡ ኣይክልን'ዩ" ክብል'ዩ ኣቢይ ዘጠንቅቕ።

"ንግጠሞ፡ ንዘረራረበሉ ኢና ንብል ዘለና'ምበር፡ ንዋጋእ ኣይኮነን፡ ውግእ'ውን ኣየድልን'ዩ። ብዙሕ ክስታት ይስማዕ'ዩ፡ ዝበዝሕ ክስታት ግን ማይ ዘይዓቍር'ዩ።

"ህዝቢ ኤርትራ ሓው ህዝቢ'ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስኪን ህዝቢ'ዩ፡ ከም ኢትዮጵያ ክዓቢ ዝደሊ ህዝቢ'ዩ፡ ዘድሊ ልምዓት'ዩ ውግእ ኣይኮነን፡ ተሓባቢርካ ምልማዕን ተሓባቢርካ ምስራሕ'ምበር፡ ሓደ ነቲ ሓደ ምውጋእ ናትና ዕላማ ኣይኮነን"።

"ብኻልእ መገዲ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሃገር ወራር ክፍጽምን፡ ካብ ዝጀመርናዮ ሕልሚ ደው ከብለና ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ድማ የብልናን፡ ፈጺሙ የብልናን. . .እዚ ክስመረሉ ኣለዎ። ዝኾነ ደፊሩ ዝፍትነና የለን፡ እኹል ምድላው ስለዝገበርና" ይብል እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓመት እናንቆልቆለ ዝመጸ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ወጥርን ምትፍናንን ይዓርግ ከምዘሎ ይግለጽ።

መግለጺ መራሒ ኢትዮጵያ ዘይቀደዎ ዝመስል ሚኒስተር የማነ፡ ኣብ 2019 ኤርትራ ኣፍደገ ባሕራ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትከፍት'ያ ብዝብል ንዝቐርብ ዝነበረ ነቐፌታ ንምርግጋእ ዝሃቦ ምላሽ'ውን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ብምትእስሳር ተጠቒምሉ'ሎ።

"ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ሃገራት ናይ'ዚ ዞባ እትገብሮ ዝምድናታት ይኹን ስምምዓት፡ ንልኡላውነታን መሬታዊ ሓድነታን፡ ከምኡ'ውን ባሕራውን ኣየራውን ግዝኣታ፡ ዘኽብርን ኣብ ንጹር ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ኣገባባትን እተመርኮሰ እዩ" ይብል" ክብል'ዩ እቲ ሚኒስተር ኣብቲ ሰላም ዝዝመረሉ ዝነበረ እዋን ጽሒፉ ነይሩ።