ስዊዘርላንድ: ኤርትራውያን ኣንጻር ‘ዓሌታዊ’ ውሳነ ባይቶ እታ ሃገር ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ሃገራዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ ሕተኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክልእኽ ንዘሕለፎ ውሳኔ ዝቓውም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ባይቶ፣ ናይ ዑቕባ ሕተኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክልእኽ፣ ብ9 ሰነ 2024′ዩ ውሳኔ ኣሕሊፉ::

እቲ ውሳኔ 200 ዝኣባላቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ ዘካየድዎ ክትዕ ዝተበጽሐ ኮይኑ፦ 120 ኣባላት ባይቶ ደጊፎሞ፡ 75 ተቓዊመሞ፡ እቶም ሓሙሽተ ድማ ድምጺ ምዕቃብ ጌሮም::

ኣብ ስዊዘርላንድ ወረቐት ዘይብሎም ኤርትራውያን ናብ 3ይ ሃገር ክስጎጉ ዝብል ሓሳብ ኣቐዲሙ ቀሪቡ ብሃገራዊ ባይቶ ክንጸግ እንከሎ ብቆንስል ካንቶናት (ኣውራጃታት) ተቐባልነት ረኺቡ ኔሩ::

እቲ ሓሳብ ዳግማይ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ቀሪቡ ደገፍ ዝረኸበ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕዶም ዝተሃራረሙ ጎነጻውያን እዮም: ተገምጢሎም ነቲ ኣሳዲዱና ዝብልዎ መንግስቲ ዝድግፉ እዮም: ምስ ሕብረተሰብ ስዊዝ ኣይተወሃሃዱን ካልእን ዝብል ምጉት ብምቕራብ እዩ::

ንውሳነ ሃገራዊ ባይቶ ንምቅዋን፡ ብቀዳም 22 ሰነ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን: ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ተሓለቕቲን ኣብ ከተማ በርን ኣብ ኣፍደገ ቤተ መንግስቲ ተኣኻኺቦም::

እቶም ብኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ዝተዓብለሉ ኤርትራውያን ኣብ ዘስምዕዎ መደረታት፣ እቲ ባይቶ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንደገፍቲ ውልቀመላኽን ተቓወምቱን ዝሓዋውስ ብምኳኑ፣ ናይ ሓቂ ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዑቕባ መን ምዃኑ ምጽራይ ከካይድ ጸዊዖም::

እቲ ውሳኔ ካብዚ ኩሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ስደተኛ ንኤርትራውያን ጥራይ ነጺሉ ዝረኣየ ምኳኑ ድማ ‘ዓሌተኛ‘ ክብሉ ብዙሓት ኮኒነሞ::

ብመሰረት ጽብጻብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ስዊዘርላንድ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን 336 ኤርትራውያን ካብ ስዊዘርላንድ ክወጹ ተኣዚዞም ክንሶም ዛጊት ኣብታ ሃገር ይነብሩ ዘለዉ::

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ናይ ናይ ስደተኛ ወረቐት ዘይብሎም ኤርትራውያን ናብ 3ይ ሃገር ምልኣኽ ግብራዊ ክኸውን እንተኺኢሉ፣ እትቕበል ሃገር ሩዋንዳ ክትከውን ከምእትኽእል ተንተንቲ ይገልጹ::

ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክትልእኽ ትደናደን ዘላ መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ዘይቅበል ከምዝኾነ ዝገልጽ ብምኳኑ እዩ::