ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክትልእኽ እያ

እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ በዓልስልጣን ብዛዕባ ጉዳይ ሕቶ ዕቝባኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክዘራረብ ምዃኑ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ስደተኛታት ክርስቲን ሽራነር በርገነር ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢራ።

እታ ጸሓፊት፡ ኤርትራ ንዜጋታት ንምቕባል ድልውነት እንተኣርእያ ጥራይ’ዩ እቲ ዝርርብ ክጅመር ዝኽእል ክትብል ተዛሪባ።

ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ሕቶ ዕቝባኦም ዝተነጽገ ዜጋታታ ካብ ዝዀነት ሃገር ኣይትቕበልን እያ።

ይዅን እምበር ኤርትራ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብግዴታ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ክትቅበል ጸኒሓ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ብግዴታ ክምለሱ ከምዝተገብረ ተሰኒዱ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 260 ኤርትራውያን ሕቶ ዕቝባኦም ተነጺጉ ኣሎ። ብመሰረት ሕጊ ስዊዘርላንድ ድማ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም።

እቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝዘራረብ ወኪል ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ከምዝኽፈትን ብቐጻሊ ንኤርትራ ምብጻሕ ከምዝገብርን መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስዊዘርላንድ፡ ሕቶኦም ንዝተነጽገ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቝባ ብሳልሰይቲ ሃገር ኣቢልካ ናብ ኣፍሪቃ ንምምላስ ዝዓለመ ውጥን ኣጽዲቑ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ስዊዘርላንድ ኤልሳቤጥ ባውመ-ሽናይደር፡ ስዊዘርላንድ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መደብ ከተተግብር ሕጋዊ መሰረት የብላን ዝብል መከራኸሪ ነጥቢ ኣቐሚጣ ተቓዊማቶ’ያ።

ስዊዘርላንድ፡ ምስታ ብገማግም ማእከላይ ባሕሪ እትዋሰን ኢጣልያ ብዘለዋ ቅርበት፡ እቶም በብዓመቱ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሕቶ ዕቝባ ንምቕራብ ዝመርጽዋ ሃብታም ንእሽቶ ኣውሮጳዊት ሃገር እያ።

ብመሰረት ጸብጻብ እታ ሃገር፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 31,722 ኤርትራውያን ዜጋታት ይነብሩ ከምዘለው ይፍለጥ።