ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግዳይ ዝዀኑሉ 'ባርዕ ግረንፈል' ሕጂ ኸ ንምንታይ የካትዕ ኣሎ?

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጠንቂ እቲ ባርዕ ብዙሕ ከዘራርብን ምጽራይ ክግበረሉን ጸኒሑ እዩ።

ዝሓለፈ መስከረም 2024 ድማ ብዛዕባ ባርዕ ግረንፈል ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝሓዘ ጸብጻብ ወጺኡ ነይሩ።

ብመሰረት'ቲ ጸብጻብ፡ "ሸፈጥቲ" ኩባንያታት፡ ፍሽለት ተኸታተልቲ መንግስታትን ከምኡ'ውን ጉድለት ቅኑዕ ስትራተጂ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊን ምኽንያት እቲ ሓደጋ እዩ።

ኵሉ ዘጋጠመ ሞት ድማ ክውገድ ይኽእል ከምዝነበረ'ቲ ጸብጻብ ይድምድም።

መጻኢ እቲ ህንጻ 'እንታይ ይኹን?' ዝብል ድማ ሓያሎ ዓመታት ከዘራርብ ፀኒሑ ኣሎ።

ግረንፈል ታወር

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

'ክፈርስ እዩ'

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ግረንፈል ታወር ክፈርስ ከምዝወሰነ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ኣንጀላ ራይነር ኣፍሊጣ ኣላ።

ንሳ ከምኡ ዝበለት፡ ምስ ኣዝማድ ግዳያትን ሓዘንተኛታትን ከምኡ ድማ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉን ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ እዩ።

እዚ ውሳነ ዝተወሃበ፡ ኣብ መጻኢ ናይቲ 24 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ፡ ንሓያሎ ዓመታት ከካትዕ ድሕሪ ምጽንሑ ዝተውሃበ ኰይኑ፡ ሕጂ'ውን እቲ ክትዕ ደው ኣይበለን።

ገሊኦም ከም ነባሪ መዘኻኸሪ ናይቲ ሓደጋ ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ክደልዩ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ እቲ ብሓዊ ዝዓነወ ህንጻ ፈሪሱ ብሓድሽ መዘከርታ [ሙዝየም] ክትካእ እዮም ዝደልዩ።

ወሃቢ ቃል ናይቲ ንስድራቤታት ግዳያትን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑን ዝውክል ጕጅለ ግረንፈል ዩናይትድ፡ ኣብቲ ኣኼባ ንውሳነ ራይነር "ነቲ ህንጻ ንምፍራስ ዝድግፍ ማንም ሰብ የለን፤ ሰባት ግን ዕሽሽ ተባሂሎም" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ብኻልእ ገጽ፡ ሓላፊ ማሕበር ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ንራድዮ 4 ዘ ዎርልድ ቱናይት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሱን "እቶም ልዕሊ ፍርቂ በዝሑ" እቲ ህንጻ ክፈርስ ዝተወሰነ ውሳነ ከምዝደገፉ ሓቢሩ።

ብመንግስቲ ወግዓዊ መግለጺ ጽባሕ ዓርቢ ክወሃብ ትጽቢት ይግበር።

ወሃቢ ቃል ግረንፈል ዩናይትድ፡ ራይነር ኣብቲ "ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ሓጺርን ናይ ኣርባዕተ ሰሙንን ዘተ" ክንደይ ሓዘንተኛታትን ካብ ሞት ዝደሓኑን ከምዝተሳተፉ ምርግጋጽ ከምዝኣበየት ገሊጹ።

"እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ፡ ሓዘንተኛታትን ካብ ሞት ዝደሓኑን ሰባት፡ ኣብዚ ውሳነ ርእይቶኦም ከይተሰምዐን ኣብ ግምት ከይኣቱን ከምኡ ምውሳን ክሳብ ክንደይ ከምዝተረበሹ ዘርኢ'ዩ" ክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

"ኣብ መጻኢ መቓብር ንፈትዎም ሰባት ድምጺ ሓዘንተኛታት ሸለል ምባል ዘሕፍርን ይቕረ ዘይበሃሎን'ዩ።"

ኪምያ ዛቢህያን ካብ ግረንፈል ኔክስት ኦፍ ኪን፡ ንገለ ካብቶም ሓዘንተኛታት ስድራቤታት እውን እትሰርሕ፡ ኣብቲ ምስ ራይነር ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዝተሳተፈትን እቲ ህንጻ ምሉእ ብምሉእ ክፈርስ ምዃኑን ንቢቢሲ ገሊጻ።

እቲ ኣኼባ 'ዝተራሰነ' ክትብለ'ኳ እንተገለጸቶ፡ ራይነር ግን "ቅኑዕ ዕላማ" ሒዛ ዝመጸት ትመስል ኢላ።

"እታ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ነዚ ውሳነ ኣዝያ ብዕቱብ ከምዝርኣየቶን፡ ከቢድ ሓላፍነትን ተኣፋፊ ውሳነ ምዃኑን ብንጹር ኣቐሚጣ፤ እንተዀነ ክትወስዶ ዘለዋ ኮይኑ ዝተሰምዓ ውሳነ ወሲና ኣላ" ትብል ወ/ሮ ዛቢህያን።

ወሲኻ፡ ራይነር ነቲ ውሳነ መሃንድሳት ካብ ዝሃብዎ ምኽሪ ተበጊሳ ከም ዝወሰደቶ ገሊጻ።

እቲ ህንጻ፡ ብሰንኪ ስፍሓት እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ውሑስ ክኸውን ከምዘይኽእል ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ነይሩ።

ኣብ ጥቓ እቲ ታወር ዝቖመ መዘከርታ

ምንጪ ስእሊ,PA Media

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ጥቓ እቲ ታወር ዝቖመ መዘከርታ

'ተኳሳሓይ ነገር'

ሚስ ዛቢህያን፡ መንግስቲ ነቲ ውሳነ ዝሃቦ ምኽንያት ከምዝተረድአት እኳ እንተገለጸት፡ ብዙሓት ሰባት ግን ኣዝዮም ከምዝቐሓሩ ገሊጻ።

ኣብቲ ኣኼባ ሓደ ሰብ ንራይነር "ካባይ ንላዕሊ ብዛዕባ እዚ ዝግደሰሉ ሰብ የለን፡ ምኽንያቱ እቲ ህንጻ ንዓይ ብዙሕ ትርጕም ኣለዎ፡ ክቐብሮ ዝግበኣኒ ስብርባር ዓጽሚ ኣደይ ኣብኡ ኣሎ። ነፍሳ ኣብኡ እዩ ዘሎ፡ ሓሙኽሽታ ኣብቲ ህንጻ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ "ቀዳምነት ምክትል ቀዳማ ምኒስተር፡ ምስቶም ሓዘንተኛታት፡ ብህይወት ዝተረፉን ናይ ቀረባ ሕብረተሰብን ተራኺብካ፡ ብዛዕባ መጻኢ ግረንፈል ዝወሰደቶ ውሳነ ንኽፈልጡ'ዩ" ኢሉ።

"እዚ ንዅሎም እቶም ብሓዘን ዝተጐድኡ ከቢድ ነገር'ዩ፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ድማ ድምጾም ኣካል እዚ ውሳነ ክኸውን እያ ትደሊ።"

ነባሪ እቲ ከባቢን ኣቦ መንበር ማሕበር ነበርቲ ላንካስተር ዌስት ኢስተት ሙሽታክ ላሻሪ ንራድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመትን ፈረቓን ንጽበ ነይርና፡ እዚ ውሳነ ድማ ናይ መወዳእታ ክኸውን ተስፋ እገብር" ኢሉ።

"ቅድሚ ገለ ዓመታት ዳህሳስ ክንገብር ከለና እቲ ዝበዝሐ ሰብ ክለዓል እዩ ዝደሊ፤ እቲ ምኽንያት ድማ፡ ቀዳማይ ነገር፡ ስለዝዀነ፤ ካልኣይ ድማ፡ መዓልታዊ ሓዘን እዩ ዘዘኻኽረና።"

ኣብቲ ባርዕ ግረንፈል ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ኬንሲንግተን ዝነበረትን ሕጂ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ኬንሲንግተንን ቸልሲን ናጻ ኣባል ባይቶ ዝኾዀነትን ኤማ ደንት ኮድ፡ ብዙሓት ካብቶም ስድራ ግዳያት "ፍጹም ከምዝተጨነቑ" ገሊጻ።

ንሳ፡ "እቲ ስራሕ ድሕሪ 8ይ ዓመት ዝኽሪ ክጅምር ምዃኑ ተነጊሩና ኣሎ፤ እዚ ድማ ኣብዚ ዝመጽእ ሰነ እዩ፡ ኣብ 10 ዝኽሪ ክዛዘም እዩ፤ ስለዚ ከምቲ ዝብልዎ ዘለዉ ንምፍራስ ክልተ ዓመት ክወስድ ይኽእል'ዩ" ኢላ።

ንሳ፡ ካብ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብዛዕባ ጉዳያት ህዝባዊ ጥዕና ስክፍታታት እኳ እንተሃለወ ገለ ካብቶም ስደራ ግዳያት እቲ ህንጻ ክጸንሕ ከምዝደልዩን፡ "ብዙሓት ሰባት ከም ቅዱስ ቦታ ይቘጽርዎ" ኢላ።

ግረንፈል ታወር እንታይ ይመስል?

ግረንፈል ታወር ኣካል ናይቲ ላንካስተር ዌስት ኢስቴት ዝበሃል ዳርጋ 1000 ኣባይቲ ዝሓቘፈ መንበሪ ኣባይቲ እዩ ነይሩ።

እቲ ህንጻ ኣብ 1970ታት ዝተሃንጸ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ተሓዲሱ ነይሩ።

እቲ 8.6 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ወጻኢ ምሕዳስ፡ ብራይደን ኮንስትራክሽን ኣብ ግንቦት 2016 ተዛዚሙ።

እዚ ድማ ክላዲን ዝተባህለ ደጋዊ ኣቕሓ፡ መተካእታ መስኮትን ሓባራዊ ስርዓተ ምውዓይን የጠቓልል።

እተን ታሕተዎት ኣርባዕተ ደርብታት ዳግመ ምህናጽ ተገይሩለን፣ ሸውዓተ ተወሳኺ ኣባይቲ ብምህናጽ ሓባራዊ ምምሕያሽ መሳለጥያታት ተገይሩለን።

ብሓፈሻ እቲ ህንጻ 23 መንበሪ ደርብታትን 129 ኣፓርታማን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኬንሲንግተንን ቸልሲን ትካል ምሕደራ ተኻረይቲ (KCTMO) ብስም ቤት ምኽሪ እታ ከተማ የመሓድሮ ነይሩ።

ባርዕ ግረንፈል

እቲ ሓደጋ ብኸመይ ተኸሲቱ?

ብ14 ሰነ 2017 ቅድሚ ሰዓት 01፡00 ኣብ ክሽነ ናይ ሓደ ኣብ ራብዓይ ደርቢ ዝርከብ ኣፓርታማ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።

ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እቲ ባርዕ ብቕልጡፍ ናብ ደጋዊ ሸነኽ ናይቲ ህንጻ ደይቡ፣ ድሕሪኡ ናብ ኣርባዕቲኡ ሸነኽ ተዘርጊሑ።

ክሳብ ሰዓት 03፡00 መብዛሕትኡ ክፋል ናይቶም ላዕለዎት ደርብታት ይቃጸል ነይሩ።

ኣብታ ለይቲ እቲኣ ህይወት 72 ሰባት ተቐዚፉ።