ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ዞባ ኣል ጀዚራ፣ ኣቡ ዓቕላ ካኪል፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣዛዚ ነቲ ንሃገርን ቅንዕናን ብምምራጽ፣ ብሰላም ኢዱ ከምዝሃበ ብምርግጋጽ፣ ምስ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሩ ኣንጻር ዓመጽ ክቓለስ ምውሳኑ ኣመልኪቱ።
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት፣ ብርክት ዝበለ ኣጽዋርን ኣባላት ፈጣን ሓይልትታትን ሒዙ ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ‘ዩ ተሓቢሩ።
ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ብወገኑ፣ እቲ ኣዛዚ፣ ስለስተ መካይን ሒዙ ጥራይ ከምዝሃደመ‘ዩ ጠቒሱ።
ድሕሪ ምህዳም እቲ ኣዛዚ፣ ዕጡቓት ፈጣን ሓይልታት ንመበቆል ዓዱ ከቢድ መጥቃዕቲ ከዘካየዱላ፣ መርበባት ዜና ሱዳን ሓቢረን።