ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዝሃበት ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ኤርትራ ንዝገበረትሎም ደገፍ ከምስግኑ ተሰሚዖም ነይሮም።
እቲ ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ዝዀነ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኲናት-ሓድሕድ ሃገሩ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ እዋን'ዩ ነቲ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ "ንክልቲኦም ወገናት ዘገድሱ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጉዳያት" ከም ዝተዘራረቡ'ውን የመልክት።
ልኡኽ ሱዳን ንሓላፊ ስለያ ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሙፋዳል ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ'ሎ።
ግጭት ሱዳን ብሱዳናውያን ክፍታሕ ክትምሕጸን ዝጸንሐት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝጠበቐ ዝምድና ከም ዘለዋ ይግለጽ።
"ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ንምሕያልን ንቕድሚት ንምድፋእን ምስ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክዘራረብ" ምዃኑ እቲ ሱና ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel
ኣብዚ ቀረባ እዋን ንርእሰ ከተማ ካርቱም ዝተቘጻጸረ ሰራዊት ሱዳን ንሓይልታት ኣዳዕመ-ኣልሰሪዕ ንምድኻም ስርሒታቱ የሐይል ከም ዘሎ ይግለጽ።
እታ ኣብ ታሪኻ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘዕቆበት ዝንገረላ ሱዳን ኣብ ደማዊ ውግእ-ሓድሕድ ምእታዋ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝጸለወ'ዩ ነይሩ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን ብዙሓት ምዃኖም'ዩ ዝንገር።
ብዳዕመ-ኣልሰሪዕ ከም "ምሩኻት" ተታሒዞም ዝጸንሑ ልዕሊ 50 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት - ኣብ ፖርት-ሱዳን ከም ዝነበሩ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
"ኣብ ፖርት ሱዳን ኢና ዘለና። ብዛዕባ ጉዳይና ኣቓልቦ ገይሩ ዝከታተል የሎን፣ እንታይ ንበልዕን ንሰቲን ኣመትና ዝገብር የሎን፡" ይብል ሰይድ - ሓደ ካብቶም ኤርትራውያን ግዳያት።
ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ'ቶም ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን ይኹን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ካልኦት ክዘራረቡ ምዃኖም ግን ዛጊት ዝተፈልጠ የለን።