ቢንያም ግርማይ፡ ዓመተ 2024 ኣፍሪቃን ኤርትራን ዝወረቓሉ ዓመት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2024 ዘመዝገቦ ሓደሽቲ ክብረ ወሰናት ምጽብጻብ ንባዕሉ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ስራሕ'ዩ።

ቢንያም፡ ነዚ ሓደሽቲ ክብረወሰናት ንምምዝጋብ፡ እቲ ንልምምድ ዝዘወሮ ከይጸብጻብካ፡ ኣብ ውድድር ጥራይ 11 ሽሕን 773 ኪሎሜተር'ዩ ዘዊሩ።

ነዚ ራሕቂ ንምርድኡ ምእንቲ ክቐልል: ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ግብጺ ብመንገዲ 6431 ኪሎሜተር ርሕቀት እዩ ዘለዎ። ቢንያም ከኣ ኣብዛ ዓመት ጥራይ (ኣብ ውድድር) ነዚ ርሐቐት'ዚ ክልተ ግዜ ተመላሊስዎ።

ኣብ ውድድር ልዕሊኡ ርሕቐት ዝሸፈኑ ተቐዳደምቲ'ኳ እንተለዉ፡ ናይ ቢንያም ግን ምስ ማእለያ ዘይብሉ ክብረ ወሰናት'ዩ።

በቲ ቀቀንዱ ምስ እንጅምር፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2024 ኣብ ዘካየዶ 21 መድረኻት ዝሸፈነ ውድድር፡ ብ1 ሓምለ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ቀዳማይ ወጺኡ

ኣብዛ መድረኽ ብዘመዝገቦ ዓወት፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዓወት ዘመዝገበ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተባሂሉ። ንእግረ መንገዱ፡ ንኤርትራ'ውን ቀዳማይ ናይ መድረኽ ዓወት ኣብ ዙር ፈረንሳ ኰይኑ ተመዝጊብላ።

እታ ንሱ ዝወዳደረላ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች'ውን፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይ መድረኽ ዓወት ከተመዝግብ እዚ ናይ ፈላማያ'ዩ፡ ስለዚ፡ ስም ቢንያም ግርማይ ኣብታ ጋንታ ብማንም ዘይውሰድ ክብረ ወሰን ኰይኑ ተወሪቕሉ።

ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ታሽዓይ ብምውጻእ፡ ነታ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ዝልዓለ ነጥቢ ንዘዋህለለ ተጻዋታይ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ ምስ ወነና ከኣ፡ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ኣብ ዙር ፈረንሳ ቀጠልያ ማልያ ክለብስ ዝኸኣለ ተባሂሉ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።

እዚ ክብሪ እዚ'ውን ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ሓዲሽ ታሪኽ'ዩ።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ሻድሻይ መድረኽ ካልኣይ ድሕሪ ምውጻእ፡ ኣብ ሻሙናይ መድረኽ ደጊሙ ቀዳማይ ብምውጻእ ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ካልኣይ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ፡ ንኽብረ ወሰኑ ባዕሉ ኣማሓይሽዎ።

ቢንያም፡ ኣብ መበል 12 መድረኽ ንሳልሳይ ግዚኡ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ሰለስተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ዝብል ሓዲሽ ክብረ ወሰን ተላቢሱ።

ቢንያም እዚ ጥራይ ኣይኰነን፤ ኣብ መወዳእታ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ እቲ ውድድር ብምዃኑ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ብሽሙ ኣጽሒፉ።

ነዛ ማልያ፡ ቅድሚ ቢንያም ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ'ውን ዝተኸድና ኣይነበረን።

ቢንያም ግን ካብ ሓሙሻይ መድረኽ ጀሚሩ፡ ን16 መዓልታት ንቐጠልያ ማልያ ብምውሓስ ብውህሉል ነጥቢ ክውንና ምኽኣሉ ሓድሽ ክብረ ወሰን'ዩ ኣመዝጊቡ።

ካብ ጸጋም ናብ የማን ተዓወትቲ ማልያታት፤ ሬምኮ፡ ካራፓዝ፡ ቢንምን ፖጋቻን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ካብ ጸጋም ናብ የማን ተዓወትቲ ማልያታት፤ ሬምኮ፡ ካራፓዝ፡ ቢንምን ፖጋቻን

ንሱ፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ 2022 ሓንቲ መድረኽ፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ብሓፈሻ ኣብ ግራንድ ቱር ኣርባዕተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ በጺሕዎ ዘይፈልጥ ብራኸ ደይቡ።

ቅድሚ ሽዑ፡ ሮበርት ሃንት ዝተበሃለ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ 1999 ከምኡ ከኣ ኣብ 2001 ኣብ ቮልታ ስጳኛ፡ ኣብ 2007 ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ ነይሩ'ዩ።

ቢንያም፡ ከኣ ነዚ ኣርኪቡ ክሓልፎ በቒዑ፡ ምናልባት'ውን ብቐሊል ኣብ ሓጺር ግዜ ዝብጻሕ ዘይመስል ሓድሽ ክብረ ወሰን ዘጽሓፈላ ዓመት ኰይና'ያ ሓሊፋ።

ናብ ካልእ ቢንያም ኣብዚ ዓመት ዘመዝገቦ ዓወታትን ክብረ ወሰናትን ምስ እንሰግር፡ ቢንያም፡ ብ25 ጥሪ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ሰርፍ ኮስት ክላሲክ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብቲ ውድድር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን በቒዑ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ቺክሊስተ ዲ ኵቤክ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቢንቸ ቺማይ ቢንቸ ኣብ ክልቲኡ ካልኣይ ብምውጻእ፡ ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።

ቅድሚኡ ኣብ ክልቲኡ ውድድር፡ ነቲ ቢንያም ግርማይ ዘመዝገቦ ዓወት ዝዳረግ ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ኣይነበረን።

ቢንያም ግርማይ፡ ከም መርኣያ እቲ ኣብ ዓመተ 2024 ዝተጎናጻፎ ዓበይቲ ዓወታት፡ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ዓስራይ ርእሱ ንሽልማት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2024 ተሓጽዩ።

ቢንያም ነዚ ሽልማት ክሕጸ ዝበቕዐ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ'ዩ።

እቲ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር ዝበሃል ኰይኑ፡ ዓመታዊ ብሉጽ ብቕዓት ንዘርኣዩ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት'ዩ።

ከምቲ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር፡ ማዕሪኡ ኣብ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት ከኣ እዚ ቢንያም ዝተሓጸየሉ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር'ዩ።

ነዚ ሽልማት ስሎቬንያዊ ታደይ ፖጋቻ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብዚ ሽልማት ሻዱሻይ ኰይኑ ተሓርዩ።

ኣብዚ ዓመት ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2024 ኮይኑ'ውን ተሓራዩ። ቢንያም ነዚ ሽልማት ንራብዓይ ግዜኡ'ዩ ዝሽለሞ ዘሎ።

ኤርትራ ግን ኣብ ዓመተ 2024 ብቢንያም ግርማይ ጥራይ ኣይኰነትን ደሚቓ።

ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ 2024

ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ መጋቢት ኣብ ጋና ዝተኻደ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ዝለመደቶ ዓወታት ኣይተጋደፋን።

ኣብ ውድድር ክራይተርዮም ደቂ ተባዕትዮ፡ ናሆም ዘርኣይን መርሃዊ ቅዱስን ብዘይተቃጻጺ ባንዴራ ሃገሮም ሒዞም ቀዳማይን ካልኣይን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ሚልክያስ ማእከለ ከኣ ንበይኑ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

በዚ መሰረት፡ ኤርትራ ብመንገዲ ኖሆም ዘርኣይ ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ክልተ ወርቂ መዳልያ፡ ካብ መርሃዊ ቅዱስ ብሩር፡ ካብ ሚልክያስ ማእከላ ከኣ ነሓስ መዳልያ ዓቲራ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኤርትራ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ኣድያም ዳዊት ወርቂ፡ ካብ ቅሳነት ወልደሚካኤል ከኣ ነሓስ መዳልያ ረኺባ።

ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ንውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024 እናቐለስዎ

ምንጪ ስእሊ,GOLAZO

መግለጺ ስእሊ,ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ንውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024 እናቐለስዎ

ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024፡ ኤርትራ፡ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩር 4 ነሓስ ብምርካብ ብድምር 16 መዳልያታት ብምውህላል፡ ብብዝሒ መዳልያታት ቀዳመይቲ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማቶ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ተኸቲላ፡ 3 ወርቂ፡ 4 ብሩርን 1 ነሓስን ብድምር 8 መዳልያ ኣዋህሊላ። ኡጋንዳ ከኣ 2 ወርቂ፡ 2 ብሩርን 1 ነሓስን ብድመር 5 መዳልያ ረኺባ። ኢትዮጵያ'ውን 3 ነሓስ ብምውህላል ንኤርትራ ተኸቲለን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ናይ ዓበይቲ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸወን እንከሎ፡ ሚልክያስ ማእከለ ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ኰይኑ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣድያም ዳዊት ወርቂ ወሲዳ።

ኣብ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ኬቨን ተኽለማርያም፡ ሴም እዮብን ናሆም ኤፍሬም ንጸወታ ምሉእ ብምሉእ ብምዕባላል፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ወጸኦም።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 18 ዓመት'ውን፡ ኤርትራ ብመንገዲ ናርዶስ ጸጋይን ኤልዳና በረኸትን ወርቅን ነሓስን ኣምጺኣ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር'ውን፡ ኤርትራውያን ሱዛን ፍስሃን ኣድያም ዳዊትን ወርቅን ብሩርን ረኺበን።

ኣብ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ኬቨን ተኽለማርያምን ናሆም ኤፍሬም ወርቅን ነሓስን መዳልያ ኣምጺኦም።

ኣብ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ቤትኤል ኤፍሬም ወርቂ ተሸሊማ።

ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ኣብ 2022 ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርም ኣል ሸኽ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኩሉ ውድድራት 15 መዳልያታት ዝሓዘትሉ ከም ክብረ ወሰን ተታሒዙ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ 2024 ከኣ ኣብ ኩሉ ውድድራት፡ ኤርትራ 16 መዳልያታት ብምውህላል ንኽብረ ወሰና ባዕላ ኣማሓይሻቶ።

ናትናኤልን ኣማንኤልን ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኰንሉ ዓመት

ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽኡ፡ ናትናኤል ተስፍጽዮን፡ ኣኽሊሉ ኣረፋኣይነን መትከል እዮብን (15 ሰነ 2024)

ምንጪ ስእሊ,Eritrea Ministry of Communication

መግለጺ ስእሊ,ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽኡ፡ ናትናኤል ተስፍጽዮን፡ ኣኽሊሉ ኣረፋኣይነን መትከል እዮብን (15 ሰነ 2024)

ቻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ 13 ሰነ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ 15 ሰነ ከኣ ናይ ጽርግያ ውድድር ተኻይዱ።

ኣብቲ ንመበል 14 ግዚኡ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ከኣ ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ቻምፕዮን ኤርትራ 2024 ኰይኖም።

ኣብቲ ብሃገራዊት ተሌቪዥን ኤርትራ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ሰሓቢ ውድድር፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ቻምፕዮን ኤርትራ ኰይኑ።

ኣብ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ ኤልዳና በረኸት፡ ዮርዳኖስ ርእሶም፡ ከምኡ ከኣ ናርዶስ ጸጋይ ብቕደም ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውጻእ ተዓወትቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያን ኰይነን።

ኣብ ትሕቲ 23 ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓሚ ቀዳመይቲ እዚ ውድድር ዝዀነት ቅሳነት ወልደሚካኤል፡፡ ኣድያም ዳዊትን ሮማን ጉዕሽን ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሳልሰይቲ ኰይነን ውድድረን ዛዚመን። ኣብ ናይ ትሕቲ 23'ውን ንሰን'የን ተዓዊተናሉ።

ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ኤፍሬም ዘርኣጋብር ካብ ጋንታ ናትና ቀዳማይ ብምውጻእ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ኰይኑ።

ኩሉ ስፖርት ኤርትራ ግን ጥሉል ኣይነበረን

ባንዴራታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣርማ ካፍ

ኣብ 2023፡ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ንምጽራይ ዋንጫ ዓለም 2026 ኣንጻር እታ ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም 2022 ታሪኽ ዝሰረሐት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ጸወታ ተሰሪዕላ ነይሩ።

ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ደረጃታት ፊፋ መበል 181 እያ ትስራዕ።

እታ ብኣናብስ ኣትላስ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ከኣ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም መበል 14 ዝተሰርዐት ሃገራዊት ጋንታ'ያ።

ምጽራይ ዋንጫ ዓለም 2026 ዘካይዳ ሃገራውያን ጋንታታት፡ ቀዳማይን ካልኣይን እግሪ ምጽራይ ንምክያድ፡ ብ13 ከምኡ ከኣ 20 ሕዳር 2023 ክጻወታ'ዩ ፊፋ መደብ ሰሪዑ ነይሩ፡ እንተኰነ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናይ ምድብ ጸወታ ከተካይድ ሽዱሽተ መዓልታት ጥራይ ምስ ተረፋ፡ ካብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ከም ዘንሰሓበት ኣፍሊጣ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፊፋ፡ ከምኡ'ውን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ብ10 ሕዳር 2023 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2026 ምንስሓቡ ኣረጋጊጾም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 2024'ውን ኤርትራ፡ ካብ መጻረዪ ውድድራት ንዋንጫ ቻምፒዮንሺፕ ኣፍሪቃ - ቻን ኣንጻር ኢትዮጵያ'ኳ ጸወታ ተሰሪዕላ እንተ ነበረ፡ ካብቲ ጸወታ ስለ ዘንሓበት መጻረዪ ግጥም ከም ዝተሰረዘ ካፍ ኣፍሊጡ።

ሃገራውያን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ክልተ እግሪ መጻረዪ ግጥመን ካብ ሜዳአን ወጻኢ ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ከካይዳኦ ተወሲኑ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

እቲ ጸወታ ኣብ ጁብ ክካየድ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካፍ ዝጠልቦ ዝተማልአ ስታድዮም ስለ ዘይብለን'ዩ።

እንተዀነ፡ ኤርትራ፡ ካብቲ ውድድር ከም ዘንሳሐበትን እቲ ጸወታ ድማ ከም ዝተሰረዘን፡ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ዝዀነ ኣህጉራዊ ውድድር ከየካየደት'ያ ሓሊፋቶ።