ኤርትራ፡ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ክዛይድ ከምእትድግፍ፡ ኣምባሳደር ኢጎር ገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ጽልዋታት፣ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ክዛይድ ከምእትድግፍ፡ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኤርትራ፤ ኢጎር ሞዝጎ ገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ብ11 ሰነ፣ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ – ታስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኤርትራ፡ ንዕብለላ ምራባውያን ሚዛን ንምትሓዝ ክትብል’ያ ንጡፍ ህላዌ ሩስያ ትድግፍ ክብል ሞጒቱ።

ንሱ፤ ነዚ ምጉት ዘቕርብ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ‘ሓድሽ ግሎባዊ ስርዓት’ ክህሉ ኣለዎ ብምባል፣ ንዘቕረቦ መደረታት ምርኩስ ብምግባር ምዃኑ’ዩ ኣገልግሎት ዜና ታስ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ሰበ ስልጣን ሩስያ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን፡ ብምራባውያን ተዓብሊሉ ዘሎ ግሎባዊ ስርዓት ንምስትኽኻል፡ ሩስያ ዘለዋ ጽልዋ ክትጥቐመሉ ይጽወዕ’ዩ።

ብሰንኪ ኲናት ምስ ዩክሬይን፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ከቢድ ጸቕጢ ዝወርዳ ዘሎ ሩስያ፡ ግሎባዊ ጽላዋኣ ንምሕያል፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግሁድ ምትትታው ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፡ ሩስያ ምስተን ብወትሃደራዊ ጉጅለታት ዝምርሓ ዘለዋ ሃገራት ዝምድንኣ ኣብ ምሕያል ትርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እታ ሃገር ቅድሚ 35 ዓመታት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ጽልዋ ንምምላስ’ውን ምስ ሃገራት ‘ቲ ዞባ ዝምድናታታ ተደልድል ኣላ።

ብፍላይ ኣብ ሱዳን፡ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ውጥን ከምዘለዋ ይፍለጥ።