ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ብቐዋምነት ክዕጾ እማመ ቀሪቡ

እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ኵነታት ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ስክፍታታት ከም ዘለዓዓለ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ፖለቲኮ ዘቃልሖ ምስጢራዊ ሰነድ ዝምንጩ እማመ፡ እቲ ዕላማ ባጀት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብ50 ሚእታዊት ንምንካይ ዝዓለመ፡ ብኽፍሊ ምሕደራ እታ ሃገር ዝቐረበ እማመ ኣካል ናይቲ "ሰፊሕ ተበግሶ ምጕዳል ወጻኢታት፡" እዩ።

እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ንዝካየድ ስርሓት ንምምሕያሽን ወጻኢታት ንምንካይን ዝዓለመ ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገልጸ ስትራተጂ ኣመልኪቱ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ክፍሊ ብግልጺ ርእይቶ ኣይሃበን ዘሎ።

ብመሰረት እቲ ዜና፡ እቶም ክዕጸዉ ተሓሲቦም ዘለዉ ኤምባሲታት ኣመሪካ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጋምብያ፡ ሌሶቶ፡ ግሬናዳ፡ ሉክሰምበርግ፡ ማልታ፡ ማልዲቭስ ዝርከቡ ኤምባሲታት ይርከቡዎም። ብመሰረት እቲ እማመ፡ ኣብዘን ሃገራት ዝካየድ ዲፕሎማስያዊ ሓላፍነት ብኤምባሲታት ኣመሪካ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ክመሓደር እዩ።

እዚ ማለት ንኣብነት፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ድማ ንኤርትራ ክሽፍን እንከሎ፡ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ንማልታ ክከታተላ እዩ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ውሱን ዲፕሎማስያዊ ዕማማት ዝጸንሖ ኰይኑ፡ ንቪዛ ዝምልከት ኣገልግሎታት፡ ዜጋታት ኤርትራ ይዅኑ ኣብ ኤርትራ ብቐዋምነት ዝነብሩ ወጻእተኛታት ናብ ኬንያ ብምኻድ እዮም ጉዳያቶም ዘሳልጡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ንኤርትራውያንን ቀወምቲ ነበርቲ ኤርትራን ዝዀኑ ዜጋታት ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ቪዛ፡ ብ 13 መስከረም 2017 ደው ከም ዘበለ ይዝከር።

ዓመታዊ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብትምህርቲ፡ ብምብጻሕ ቤተሰብ፡ ብሕክምና፡ ብምትእኽኻብ ስድራቤት፡ ብስፖርት፡ ብስነጥበብ፡ ውልቃዊ ዋኒናትን ካልእን ንቪዛ ኣመሪካ ሕቶ ከም ዘቕርቡ እዩ ዝፍለጥ።

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ ካብ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ብሰንኪ ጅኦፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ወተሃደራዊ ምትሕብባራትን ስክፍታታት ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ሰብኣዊ መሰላትን ርኡይ ምቅይያር ኣጋጢሙዎ እዩ ጸኒሑ እዩ።

ኣመሪካ ኣብ 1942 እያ ኣብ ኣስመራ ቈንስል ከፊታ።

ኣብ 1953 ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገብረ ውዕል ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ፡ ነቲ ኣብ እዋኑ ኣብ ወተሃደራዊ መራኸቢታት ኣገዳሲ ዝነበረ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ መዓስከር ቃኘው ክትቈጻጸሮ ፍቓድ ረኺባ።

መዓስከረ ቃኘው ብ1960ታት፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ኣስታት 1700 ወተሃደራት ኣመሪካ ተቐቢሉ ነይሩ። ድሒሩ ግን ቴክኖሎጅያዊ ምዕባለ ንኣድላይነት እቲ መዓስከር ስለ ዘጕደሎ ብ1977 ተዓጽዩ።

ባንዴራ ኤርትራን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣመሪካ ብ27 ሚያዝያ 1993 ንናጽነት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ፡ ብ11 ሰነ 1993 ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት መስሪተን።

ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ጽቡቕ ዝምድና እኳ እንተ ነበረን፡ በብግዜኡ ግን እናላሕልሐ ክመጽእ ተራእዩ።

ኣመሪካ ንኤርትራ ፖለቲካዊ ተቓውሞታት ከም ዝዓፈነት፡ መራኸቢ ብዙሓን ብሕቲ ከም ዝዓጸወት፡ ሕገ-መንግስቲ ንምትግባር ከም ዝደንጐየት ትነቕፋ።

ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጓናጻፍ ክሳዕ ሕጂ ሃገራዊ ምርጫ ኣየካየደትን።

ብተወሳኺ፡ ርእሰ-ምርኰሳ ካብ ቀንዲ መሪሕ መትከላታ ምዃኑ እትገልጽ ኤርትራ፡ ኣብ 2005 ንዩኤስኤይድ ኣባሪራ ምስ ምዕራባውያን ለገስቲ ትካላት ዝነበራ ርክብ በቲኻ።

ኣብ 2018 ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ለውጢ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ምስ ተፈራረማ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን መጠናዊ ምምሕያሽ ገይሩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ኣብ 2021 ኤርትራ፡ ብዕድመ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ትግራይ ብምስታፋ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኤርትራን ውልቀሰባትን እገዳ ኣንቢራ።

ኤርትራ ብወገና፡ ብሰንኪ ምትእትታው ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ቍጠባዊ ገስጋሳ ከም ዝተዀልፈን ኣብ ልዕሊኣ ዘይሕጋዊ እገዳታት ከም ዝተነብረን እያ ትገልጽ።