እዞም፡ ድሕሪ ሽዑ ህጣሞም ጠፊኡ ዝጸንሐ መንእሰያት፡ ኣብታ ከም መሰጋገሪ ንካልእ ስደት ክትኰኖም ዝመረጹዋ ብዂናት ሕድሕድ ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዘይሓሰብዎ ረኺቦም።
ሞትን ማህረምትን ከይኣክል ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ኣሰቃቒ ማእሰርቲን መግረፍትን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም።
ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት - ኣይኦኤም - ተዓቚቦም ኣለዉ።
እዚ ጽሑፍዚ ቢቢሲ ንግድያት ብምዝርራብ እቲ ዘጋጠሞምን ህሉው ኵነታቶምን ተወኪሱ ዘዳለዎ ጽሑፍ እዩ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንኣእምሮ ክርብሽ ዝኸእል ሓበሬታ ከም ዘለዎ ድማ ኣቐዲምና ንሕብር።
እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ፈለማ 57 ሰባት ንሊብያ ክኸዱ ሓሊኖም ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ ብሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ተታሒዞም።
ን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብግፋዓዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ትሕቲ እቲ ብጀነራል መማመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝነበርሉ፣ “ሮዛ እትበሃል ሓላፊት ቀይሕ መስቀል መጺኣ ክትወስደኩም እያ” ዝብል ሓበሬታ ተዋሂብዎም።
እንተዀነ ብዘይ ዝዀነ ሓበሬታ ጃልባ ኣሳፊሮም ሰዲዶሞም።
ብድሕሪዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ተቐቢሎም “ምስ ኣንጻር ወግን ክትተሓጋገዙ ጸኒሕኩም” ብምባል “ማሪኽናዮም” እናበሉ እናሃረሙን እናጋፍዑን ካብ በጣሕ ክወርዱ ዘርኢ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ዓለም ተዓዚባቶ።
እዞም ሰለስተ ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 57 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፡ ሞት ማህረምቲን እዚ ዘይብሃልን ስቓይን ከም ዝበጽሖም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
'ኣነ ውጻእ መዓት እየ'
ብ 2023 ካብ ኤርትራ ዝተሰደደ፡ ሓደ ካብቶም ፈለማ ክትሓዙ እንከለዉ ብጥይት ዝተሃርሙ እዩ።
ንሱ ነቲ ዘጋጠሞም ክጸዊ እንከሎ “እቲ ዘጋጠመና ኣዝዩ ነዊሕን ከቢድን እዩ።ኣነ ውጻእ መዓትየ፡ በቲ ዝተተኮሰና ጠያይት ሓደ ሞይቱና እዩ። ኣነ ኣብ ሰለፈይ ተሃሪመ መንቃዐቲ ዓጽሚ ኣጋጢምኒ'ሎ፡” ብምባል ንዝበጽሖ መከራ ይገልጽ።
ጽንዓት፡ ድሕሪ ማህረምቱ ንሕክምና'ኳ እንተወሰድዎ ግቡእ ሕክምና ከይረኸበ ናብ ማእሰርቲ ከምዘምርሐ እዩ ዝሕብር።
“ፈለማ ምስ ወሰዱኒ ዶክተር የለን ብምባል ድሕሪ ክልተ ሰሙን እዮም ሓኪሞምኒ። እቲ ጥይት ኣብ እግረይ እንከሎ፡ ኣብ ዓራት ተደኒሰ መግቢ ዝሰአንኩሉ እዋን ነይሩ፡” ብምባል በተን ሳሕቲ ሓበሻ ክመጹ እንከለዉ ዝህብዎ ቅሩብ ቍራቦ መግቢ ከምዝተዓንገለ ይዛረብ።
ኣብኡ “ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ኔርካ ኢኻ ብምባል ዳርጋ ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ ኣይረኸብኩን። ኣብዚ'ውን ካብ ንመጽእ ወርሕና ቀሪቡ ክነሱ ዝዀነ ሕክምና ኣይረኸብኩን። ሕጂ'ውን ንዘለኒ ቃንዛ ክገልጾ ኣይከእልን እየ” ብምባል ንዘለዎ ኵነታት የረድእ።
'ምስ ሃረሙኒ ናይ 3 ወርሒ ጥንሲ ከይዱኒ'
ዮርዳኖስ ኪዳነ ዝተባህለት ምስ በዓል ቤታ ክብሮም በረኸት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝነቐለት ኤርትራዊት መንእሰይ'ውን ምስ ቀጥቀጥዋ ጥንሲ ከምዝኸዳን ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዘድልያን እያ ትዛረብ።
“ብሰደፍ ብረትን ብጃስማ [ወተሃደራዊ] ጫማን ጌሮም ምስ ሃረሙኒ ናይ 3 ወርሒ ጥንሲ ከይድኒ። ብዙሕ ደም ፈሲሱኒ ግን ሕክምና ክረክብ ስለዘይከኣልኩ ግን እተን ክልተ ምሳይ ዝነበራ እየን ኣጽርየናለይ።ክሳብ ሕጂ ድማ ወርሓዊ ጽግያተይ ኣይረኣኹዎን።በቃ ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል ግፍዒ እዩ በጺሑና።
"ሰለስተ ኣዋልድ ጥራይ ብምንባርና ንበይንና ዓጽዮምና። ይሃርሙናን ክሳብ ንክዕምጹና ዝፈተኑሉ እዋን ነይሩ። ኣውያት ምስ ገበርና በዓል ቤተይ ሰበይተይ ከይትትንክፍዋ ስለ ዝበሎም ንዑኡ ብጭከና ኣብ ሕቝኡ ሃሪሞሞ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕቆኡ በሰላ ኣሎ፡” ትብል።
ዮርዳኖስ ዋላ'ኳ ነፍሰጾር ከም ዝነበረት ቅድሚ ምብጋሳ ትፈልጥ ነይራ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወረቐት ስደተኛ ዝነበሮምን ዘይነበሮምን ይግፈፉ ብምንባሮምን ንሳ ይዅን በዓል ቤታ ዝዀነ ሰሪሖም ሓዳሮም ክመርሕሉ ዝኽእሉ ዕድል ስኢኖም።
ዝሓሸ ሂወት ንምንዳይ ክኣ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ከም ዝወሰኑ ትዛረብ።
በዅሪ ጥንሳ ዝኸዳ ዮርዳኖስ ኣብ ትሕቲ ኣይኦኤም ድሕሪ ምምጽኦም፡ ንሕክምና ወሲዶማ'ኳ እንተነበሩ “መጥባሕቲ ከድልየኪ እዩ” ካብ ምባል ሓሊፎም ዝገብሩላ ከም ዘየለ ትገልጽ።
ንሳ ካብቲ ዝሓለፍዎ መከራ ዝተላዕለ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኡ ዘይተተንከፈ ከም ዘየለን ህጹጽ ፍታሕ ከም ዝደልዩን ትምሕጸን።
'ከም ምሩኻት ካብ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ንሓፍተይ ኣለልየያ'
ልዋም ገብሩ እውን ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ደቀንስትዮ ኰይና፡ ቢቢሲ ኣቐድም ኣቢሉ ንቤተሰባ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ካብቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓፍታ "ሓፍተይ ሻርፓኣ ኣለልየያ" ኢላ ምንባራ ይዝከር።
እዛ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ ንዝበጽሖም መከራ ክትገልጽ እንከላ፡ “ሽዑ ዝሰንበድና ክሳብ ሕጂ ቀልብና ኣይተመልሰን። ሰብ ዝበሃል ምእማን ስኢንና ኣለና። ኵሉ ዓይነት መከራ በጺሕና እዩ። ማዕረ ክዕምጹና እዮም ፈቲኖም ግና ኡይ ምስ በልና ደቂተባዕትዮ ኣሕዋትና ክረድኡና ይመጽኡ ነይሮም። ንዓኣቶም እውን ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ እዮም ዝሃርምዎም ነይሮም፡” ትብል።
ልዋም እቶም ወተሃደራት “ ክትሞቱ ኢኹም ኣብዛ ጐቦ እዚኣ ክንቀብረኩም ኢና” እናበሉ ናብ ቤትማእሰርቲ ወሲዶም መዓልቲ ምሉእ ቀጥቂጦም ከምዝዳጐንዎም ብምግላጽ ናቱ ሳዕቤን ኣብራኻ ከምዘቐንዝዋ ትዛረብ።
ሳሚኤል ደብረጽዮን እውን ኣብ ርእስቲ ዝበጽሖ ማህረምቲ ጥምየት፡ደም ዋሕድን ዘሰዓቦ ውሽጣዊ ሕማም መንፋሕቲ ከብዲን እግርን ጌርሉ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝርከብ ይገልጽ።
“ብ5 ተምሪ ብ ንሰብ ኢልካ ዘይተምጽኦ ዝፍቀዳ ፍረ ዓደስ ብጥሜት ተቐጺዕና፣ ግን እንዳዒ ሰብ ሲ ከመይ እዩ ጽኑዕ.. ክሳብ ሕጂ ብሂወት ምጽናሕና እውን ይገርመኒ እዩ፡” ይብል።
እዞም ተኸቲሮም ዝተቐርቀሩ ስደተኛታት ኣብ ኢድ ሰራዊት ሱዳን ምስ ኣተዉ እውን “ካብ ዳዓመ ሰሪዕ መጺኹም ንስኹም ጸላእትና ኢኹም” ብምባል ከምዝሃረምዎም እዮም ዝግልጹ።
'ዝድሕን ኣይመስለንን ንስድራ ንገሩለይ'
ስዒድ ሓደ ካብቶም ነቲ ግዳይ ሞት ዝዀነ ዝቐበሩ እዩ።
“ገና ኣብ መኪና እንከለና ዝተኮስዎ ጥይት፡ ብመዓንጣኡ ኣትያ ብምውጸኣ ብብዝሒ ደም ፈሲሲዎ ምስኪናይ... ንዕኡን ንኻልኦት ህሩማትን ሒዘ ድማ ካብ ካርቱም ንሰሜን 80 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጋሪ ሪፋይነሪ ዝበሃል መጻረዩ ነዳዲ፣ ጋሪ ሙስተሽፋ ኣብ ዝተባህለ ሕክምና ወሲዶምና። ይዅን እምበር ብዙሕ ደም ስለ ዝፈሰሶ ሆስፒታል ከይበጽሐ እዩ ሞይቱ።
"'ዝድሕን ኣይመስለንን ንስድራ ንገሩለይ ሓደራ ንስድራ ንገሩለይ' ኢልና ስለ ዝነበረ በቲ ዝሓበረና ኣድራሻ ንቤተሰቡ ተነጊርዎም። ምስ ገለ ኣብ ሱዳን ነዊሕ ዝገበሩ ሓበሻ ሓቢርና ድማ ኣብ ቀቢርናዮ፡” ብምባል ስዒድ ንኵነታትን ኣማውታን ብጻዮም የዘንቱ።
ስዒድ፡ ሕጂ'ውን ብሂወት'ኳ እንተተረፉ፡ ብሕማምን ብጥሜትን ማሲኖም ኣብ ኣፈፌት ሞት ከም ዝርከቡ እዩ ብምረት ዝገልጽ።
ኣይ ኦ ኤም ካብቲ ዝነበርዎ መጻብቦ ተዋሒሶም፡ ንነፍሲ ወከፎም 350 ሽሕ ጅኔ ብምሃብ ናብ ተዛማዲ ራህዋ ኣውጺኦምዎም ኣለዉ።
እንተዀነ ሕጂ'ውን ብዅሉ መዳያት መግቢ፡ መጽለሊን ሕክምናን ዝኣመሰሉ ነገራት ይሽገሩ ከም ዘለዉ እዩ ስዒድ ንህሉው ኵነታቶም ዘረድእ።
ኣቦ መንበር ማሕበረ ኮም ኢትዮጵያውያን ኣብ ፖርት ሱዳን፡ ሓገዝ መግቢን ክዳንን ብምብርካት ብዝከኣሎ ኵሉ ከም ስድራ ከም ዝተኸናኸኖም ብምምስጋን፡ “ቀይሕ መስቀል ይዅን ዩኤን ኤች ሲ ኣር ካብ ቤት ማሕቡስ ተዋሒሶም ኣውጺኦምና ከብቅዑ ሕጂ ግን ቈላሕታ ነፊጐምና፤ ንዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ መጽለሊ ክበሃል ዘይበቅዕ ቦታ ኣዕቍቦምና፤ ኣብ መንጐና ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ኣለዉ፣ ገለ ብዓሶ ብውጽኣትን ዝተሰነፉ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሕሙማት ኣለዉና፡” ብምባል፡ ዘለዎም ቅሬታ ይገልጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ብርክት ዝበሉ ግዳያት ብተመሳሳሊ፡ ንሓድሕዶም ምጽንናዕ ዘይከእሉሉ ከቢድ ግዜ ምንባሩን ሕጂ'ውን ዘለዉዎ ኵነታት ንኽፍታሕ ይላበዉ።
ብ15 ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ውግእ ድሕሪ ምውልዑ፡ ጸጥታዊ ኵነታት እታ ሃገር እናበኣሰ ክኸይድ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥዩ።
ኣብታ ብዂናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሱዳን፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዜጋታታን ኣብታ ሃገር ተዓቝቦም ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን መውጽኢ ስኢኖም ዝተቐርቀሩ ሰላማውያን ሰባት፡ ዜጋታት ዝተፈላልያ ሃገራትን ኣደዳ ሞትን ጥሜትን ኰይኖም ምህላዎም ይፍለጥ።