ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምርካብ ተዘራሪቡ። ሚኒስተር ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ።
ኣንጻር እቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ደማዊ ኲናት ተጸሚዱ ዘሎ ጀነራል ኣልብርሃን ሎሚ ናይ ሓደ ዓልቲ ምብጻሕንምክያስ ኣስመራ ኣትዩ ነይሩ።
እቲ ሱዳናዊ ልኡኽ ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሞፋዳል፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ባህልን ዜና ኻልድ ዓሊ ኢልዓሲርን ዝሓቖፈ'ዩ።
ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ "ዘሕዝን ግጭት" ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
"ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሱዳን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዘሕዝን ግጭት ጹኑእን መትከላዊን መርገጺ ደጊሙ ኣረጋጊጹ" ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
እቲ ግጭት "ብጻዕርታት ሱዳናውያን ደገፍ መሓዙት ዝኾና ጎረባብቲ ጥራይ ክፍታሕ ከም ዝኽል'ውን" ኣስመራ ገሊጻ'ላ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ቤተመንግስቲ ዘካየድዎ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ብሓለዋታቶምን ሰበስልጣንን ተዓጂቦም ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ክዛወሩ ተራእዮም።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ዮሱፍ ኣሕመድ-ኣሸሪፍ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ'ሎ።
እቲ ሱዳናዊ ብዓልስልጣን፡ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ኲናት-ሓድሕድ ሱዳን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝፍትሓሉ ኩነታትን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ልዝብ ንምቕጻልን ተዘራሪቦም ኣለዉ።