እታ ካብ ጎማ ዝተሰርሐት ጃልባ፣ 15 ሰባት ‘ያ ጽዒና ኔራ።
ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት መስርሕ ምድላይ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፣ ጀራልድ ዳርማና፣ እዚ ብ03 መስከረም ዘጋጠመ ሓደጋ፣ መቐጸልታ ሳዕቤናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ‘ዩ ክብል ጠቒሱ።
ብሪጣንያ፣ ካብ ጥሪ 2023 ኣትሒዞም፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮም ዝነበራ መደብ፣ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳን ቤልጅዩምን ክብእስ ከምዝኽእል ክግለጽ‘ዩ ጸኒሑ።
ኣብዘን ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ፣ ኣስታት 2000 ሓተቲ ዑቕባ፣ በዚ መንገዲ‘ዚ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።
ኣሽሓት ካልኦት‘ውን ንምስጋር ኣብ ምጽባይ ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም።