ዓመተ 2024፡ ሓንቲ ፈትሊ ዝሓዘታ ርክብ ኣዲስ ኣበባን-ኣስመራን ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ቀርኒ ኣፍሪቃን

ሓንቲ ፈትሊ ዝተረፈታ ርክብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን

እናላሕለሐ ክመጽእ ዝጸንሐ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዓመተ 2024 ዳርጋ ጠቕሊሉ ክብተኽ ከምዝተቓረበ ተጋሂዱ'ሎ።

ኣብ 2018 ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት 'ኩነተ-ኲናት' ሃንደበት ዝተበሰረ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ክልቲአን ሃገራት ንህዝብታተን ጥራይ ዘይኮነ ንዓለም'ውን ተስፋ ዘስነቐ'ዩ ነይሩ።

እቲ ኣውሊዕ ሰላም ብምዝርጋሕ ተባዕ ተበግሶ ወሲዱ ተባሂሉ ዝተወደሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ብሰንኪ'ቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝፈረሞ ስምምዕ ሽልማት ኖበል ሰላም ምቕባሉ ዘይርሳዕ'ዩ።

ኣፍደገ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ተኸፊቱ ህዝብታተን ብኣካል ተራኺቦም ማሕበራዊን ቁጠባውን ወዛሕዛሕ ክርአ ምጅማሩ'ውን ሰላም ብርግጽ ተመሊሱ ኣሎ ዝብል መንፈስ ምትእምማን ፈጢሩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ጽንብል ናይቲ መዐቀኒ ዝተሳእኖ ሓጎስ ከይሃሰሰ እንከሎ፡ እቲ ኣፍደገታት ከምቲ ብሃንደበት ዝተኸፍቶ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክርገጥ ተራእዩ- 'ሕልሚ ድዩ ጋህዲ' ክሳብ ዝብሃል።

እዚ ከይኣክል'ውን ከይደንጐየ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ደግሲ ደማዊ ኲነተ-ኲናት ኣጋጢሙ- ክልቲኦም መራሕቲ ኣንጻር ህወሓት ብሓባር ዝተሰለፍሉ ኲናት ትግራይ።

ሓይልታቶም ብከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዝኽሰሱ ኣቢይ ኣሕመድን ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካብ ብጾት ሰላም ናብ ብጾት-ኲናት ተሰጋጊሮም።

እቲ 'ረሳሕ ኲናት' ተባሂሉ ዝተገልጸ ግጭት ኣብ መወዳእታ 2022 ብስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ደው ምባሉ ግን ንክልቲኦም መራሕቲ ዘረሓሓቐ ኰነ- ካልእ ስምም ሰላም ዘይምቅዳው ፈጢርሎም።

ፈኸም እናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ፍልልያት ድማ ኣብ መወዳእታ ነቲ እንኮ መተኣሳሰሪ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝነበረ በረራታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣረኻኺብሉ።

ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2024፡ ሰብመዚ ኤርትራ "እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፤ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን" ተፈጺሙ ምባል እቲ መገዲ ኣየር ካብ መወዳእታ መስከረም ኣትሒዙ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራታት ከምዝስረዝ ኣፍሊጦም።

ጕድለታቱ ኪእርምን ንግዳያት ካሕሳ ኪኸፍልን ዝቐረበሉ ሕቶ ዕሽሽ ከም ዝበለ'ውን ብዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ከሲሱ።

በዚ ውሳነ ዝተቖጥዑ ሰብመዚ እቲ መገዲ ኣየር ብወገኖም ኣብ ፈለማ መስከረም በረራታት ክቋረጽ ብምውሳን ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ገንዘብ ከውጽኡ ከምዘይክኣሉ ከሲሶም። ንገያሾ ዘጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ ድልዋት ከምዝነበሩ ብጥቃስ'ውን ክስታት ኤርትራ ዝተጋነነ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ብዓይኒ ብዙሓት ግን እቲ ጉዳይ ልሙድ ንግዳዊ ምስሕሓብ ዘይኮነ መግለጺ ናይቲ እናተኻረረ ዝኸይድ ዝነበረ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት'ዩ ነይሩ።

ካብ 2018 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ካብን ናብን ዝግበር ዝነበረ ምብጽጻሕን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ካብ ዘብቅዕ ዓመታት ኣሕሊፉ'ሎ። በዚ መዳይ ኣብ 2024 ዝተራእየ ለውጢ የለን።

ኣብ ፈለማ ዓመታት ክልቲኦም መራሕቲ ዘበገስዎ ንሶማልያ ዝሓወሰ ስሉሳዊ ስምምዓት'ውን ሎሚ መልክዑን መኣዝኑን ቀዪሩ'ዩ።

ኢትዮጵያ ብጉዳይ ሶማሊላንድ ምስታ ብፕረደዚንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ትምራሕ ዘላ ሞቓድሾ ኣብ ምስሕሓብ ድሕሪ ምእታዋ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ብግብጺ ብምትካእ 'ስሉሳዊ ዋዕላ' ከተካይድ ምርኣያ'ውን ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ምጥርጣር ናብ ዝኸፍአ ደረጅኡ ኣዕሪግዎ ይርከብ።

እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዝተረኽበሉ ኣኼባ መራሕቲ ኤትራ፡ ሶማልያን ግብጽን፡ ንጸጥታ ሶማልያ፡ ሱዳንን ቀይሕ ባሕሪን ዝዘተ'ዩ ነይሩ። ዋላ'ኳ መራሕቲ ኤርትራ እቲ ዋዕላ ብቐጥታ ንኢትዮጵያ ንምንጻል ዘነጻጸረ ከምዘይኮነ ክምጉቱ እንተ ተሰምዑ፡ ዲፕሎማስያዊ ቅኒቱ ንብዙሓት ክዉል ኣይኮነን።

ብዘይካ'ዚ፡ ብወገን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘለዋ መሰላትን ፖሊሲታትን ክህቦ ዝጸንሐ መግለጺታትን ዓለምለኻዊ ስክፍታ ዝፈጠረን ንሶማልያን ኤርትራን ዘየቕሰነን ኩነታት ኮይኑ ይርከብ።

"ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ክወራ ዝኽእል ኣካል የለን፡ እንመተጺኡ ድማ ንምምካት እኹል ዓቕሚ ኣለና. . . ክፍተት ስለዝነበረና፡ ካብ ደገ እንገዝኦም ዝነበርና ኣጽዋራት፡ ባዕልና ከነፍሪ ጀሚርና ኣለና። ሰባት ኣይንትንክፍን ኢና፡ እንተ ተንኪፎምና ግን ኣይንምሕሮምን፤ ዘፍርሕ የብልናን" ክብል ኣቢይ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ንፓርላማ ዝሃቦ መግለጺ'ውን ኣቓልቦ ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ።

ስለዚ ድማ'ዩ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዱቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ጸኒሑ ዝተኣየ ቃለመሕትት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ይፈጥር ኣሎ ክብል ምዝራቡ ንብዙሓት ዘየገረመ።

ዋላ'ኳ ብካልእ መስመራት ዝካየድ ርክባት ቴለፎን ክሳብ ሕጂ ይሰርሕ እንተሎ፡ ብመገዲ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ቴለኮም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝግበር ጻውዒታት ከምዝተቛረጸ'ዩ ዝንገር።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ዝተራእየ ማእሰርቲ፡ ምስርጣይን ምጥራዝን ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ'ውን፡ ብፍላይ ንብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ ኣብ 1998 ቀቅድሚ ዶባዊ ኲናት ዘጋጠመ ምስጓግ ዘዘኻኸረ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ንብዙሓት ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ዘሎ ቁጠባዊን ወተሃደራውን ርክባት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ምብታኹ ናበይ ከምርሕ ይኽእል ዝብል'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ዝላሕለሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት በቲ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ብደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት ዝምራሕ ኤምባሲታተን ጥራይ'ዩ። ኣምባሳደራት ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2019 (ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን) ከምኡ'ውን 2022 (ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም) ምስተሳሕቡ ኣይተተክኡን።

እቲ ኵነታት ናበይ ገጹ ከምዝምዕብል ከኣ ግዜ ክምልሶ እዩ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ።

ቀንዲ ካልኦት ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ

ስሉሳዊ ዋዕላ መራሕቲ ሶማልያ፡ ግብጽን ኤርትራን ኣብ ኣስመራ፡ ጥቅምቲ 2024

ምንጪ ስእሊ,Yemane Gebremeskel X

መግለጺ ስእሊ,ስሉሳዊ ዋዕላ መራሕቲ ሶማልያ፡ ግብጽን ኤርትራን ኣብ ኣስመራ፡ ጥቅምቲ 2024

ባሕቲ ጥሪ 2024 ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቁጠዐ፡ ወጥሪ፡ ስግኣትን ምትፍናን ሓዚላ'ያ መጺኣ ነይራ።

ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት፡ ኣፍደገ ባሕርን ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ክትረክብ ዘኽእላ "ምርድዳእ" ምስታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ከምዝፈረመት ኣበሲራ።

እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣዝዩ ዘቖጥዐ'ዩ ነይሩ።

እታ ርእሰ ምምሕዳር፡ ዋላ'ኳ ንልዕሊ 30 ዓመታት ርእሳ ክኢላ ክትመሓደር እንተጸንሐት ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ዓባይ ሶማል ያምዃና'ዮም መንግስታት ሞቓድሾ ዘነጽሩ።

ከምኡ ብምዃኑ ድማ'ያ ሞቓድሾ ድሕሪ'ቲ ዛጊት ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ስምምዕ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብምስሓብን ነቲ ምርድዳእ ዝነጽግ ሕጊ ብምጽዳቕን ተቓውሞኣ ገሊጻ።

እቲ ጉዳይ ግን ብእኡ ጥራይ ዘብቅዐ ኣይነበረን። ሃገራት ዓለምን እቲ ዞባን ስግኣተን ዝገለጻሉ ጉዳይ ኮይኑ እናተሓለለኸ መጺኡ'ዩ።

ግብጺ ነቲ ሶማሊላንድ ዘጠቓልል ልኡላውነት ሶማልያ ንምክልኻል ዘለዋ ተሪር መርገጺ ብምንጻር፡ ምስ ሶማልያ ወተሃደራዊ ስምምዕ ክሳብ ምፍራም በጺሓ፡ ኣጽዋር ናብ ሞቓድሾ ክትሰድድ ተራእያ።

ኣካል ናይዚ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተባረኸ ሓድሽ ጸጥታዊ ሓይሊ ኣፍሪቃ ክትከውን'ውን ትጽቢት ይግበረላ።

ምትእትታው ግብጺ ኣብ ሶማልያ'ውን ነታ ምስ ግድብ ህዳሰ ብዝተሓሓዝ ዘይተደቀሰ ምስሕሓብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣይተዋሕጠላን።

እታ ኣሽሓት ወተሃደራት ሶማልያ ከተሰልጥን ዝጸንሐት ኣስመራ'ውን ምስ ካይሮ ብምውህሃድ ንጸጥታዊ ሓይሊ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ከምእትሰርሕ ብወግዒ ኣፍሊጣ'ያ።

ስሉሳዊ ዋዕላ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት'ውን ነዚ ዘመልክት'ዩ ነይሩ።

ነቲ ምትፍናን ንምህዳእ ብሞንጐኝነት ቱርኪ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ብ11 ታሕሳስ ዝተፈረመ "ኣዋጅ ኣንካራ" እውን ድሮ ነዊሕ ከይከደ ሓጎጽጎጽ ገጢምዎ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሶማልያ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሓደ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሰደደትሉ መዓልቲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣብ መሬቶም ዝነበሩ ሓይልታታ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክትብል ከሲሳ ነይራ። ኢትዮጵያ ግን "ብሳልሳይ ወገን" ዝተፈጸመ'ዩ ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

ኲናት ሱዳን'ውን እቲ ካልእ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ጸጥታዊ ብድሆ ኮይኑ ዘሎ'ዩ።

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል ሕመድቲ ዝምርሑ ሓይልታት ኣዳዕመ-ኣል-ሰሪዕን ብ15 ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ውግእ ኣብዚ ዓመት እዚ'ውን ደማዊ ኮይኑ ቀጺሉ'ሎ።

ዛጊት 150 ሽሕ ከም ዝተቐትሉ ፍሉይ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፕሪየሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ገሊጹ ነይሩ።

ልዕሊ 11 ሚልዮን ሱዳናውያን'ውን ብሰንኪ'ቲ ኲናት ካብ ኣባይቶምን ዝነብርሉ ከባቢታትን ተፈናቒሎም ይርከቡ።

ኣብ 2024 ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተኻየደ ተበግሶታት ከምቲ ቅድሚ ዝተገብረ ፈተነታት ምቁራጽ ተጻብኦታት ከረጋግጽ ኣይክኣለን። ኣብዚ ግዜ'ዚ እቲ ግጭት ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓለም ኮይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ጅቡቲ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ 'ናብ ንቡር ክትመልስ' ከምእትደሊ ገሊጻ ኣላ

ምንጪ ስእሊ,MOI Eritrea

ዝተበትከ ርክብ ኤርትራን ጂቡቲን'ውን ከም ቀደሙ ቀጺሉ'ሎ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ጅቡቲ ምስ ጎረቤት ሃገረ ኤርትራ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ንቡር ክምለስ ድልውቲ ምዃና'ኳ እንተ ኣፍለጠት፡ ካብ ኣስመራ ግን ወግዓዊ እወታዊ ምላሽ ኣይረኸበትን።

"ጅቡቲ፡ ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ድልውቲ'ያ ዘላ። ነቲ ዶባዊ ምስሕሓብን ካልእን ጉዳያት ዘጠቓለለ ግጭት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዘተ ንፍትሑ'ውን ቅርብቲ'ያ" ብምባል ዝገለጸ ወኪል ጂቡቲ ኣብ ሕቡራት ሃገሩ ሃለዋት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ እትብሎም ኣብ ዶባዊ ግጭት ክልቲአን ሃገራት ዝተማረኹ ወተሃደራታ ክትፈልጥ ከምእትደሊ ጠቒሱ ነይሩ።