ቶባእ ድሕሪ ደጊም፣ሽጣራ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፣ከም መምህሮም ልቦም ዘይርከብ፣ትማሊ ብዑሉማት ኣዛብእ ዝሕሎ ከምዘይ በልካዮ፣ሎሚ ፕረስደንት ሃገር ኤርትራ ሰሚኻዮ፣መንድዩ ኣይከሰርናን ሐደ ህዝቢ ኢና ዝበለ ትማሊ፣ንኢሰያስ ካብ ኣቢ እንታይ ይፈልዮ፣ኣይፋልካን ኢንጂነር ተስፋይ፣ናይ ወዲ ጣባ ኣብ ኣስመራ ወዘኽዘኽ ኣቕኒኡኳድዩ፣ካብ ኢሰያስን ጉጅሉኡን ጥፍእታ እንበር፣ኣይርከብንዩ ድሕነት።
እቲ ናይ ሐሶት ድራማ ፈጢሩ ዝምድር
ሐቂ መሲሉካ ኣሰሩ ተኸቲልካ ትንድር
ምስ ተማራመርካ ግን ካብ ዕረ ይመርር፣
ድራማታት ቤት ትምህርቲ ሳሕል
ተስፋይ ወዮ ዝብኢ ፍሸይ ምራራ
መን ሰምይዎ ፕረስደንት ሃገር ኤርትራ
መን ቆጽሊ ኣውዲቑ ንሃገርና ከማሐድራ፣
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድቃስና ንባራበር
ከም ዓኒስዉር ክሳብ ማዓስ ደንበርበር
ንድሕነት ህዝቢ ሃገር ቅልጽምና ነሕብር
መራሒ ጭፍራ ህግደፍ በዓል ዕላማ
ንኤርትራ ካብ ዓለም ክድምስሶ ንሽማ
ንሕና ንዛረብ ንሃገር ብዘይ ህዝቢ ከባድማ
ብዛዕባ ሕልምታት መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ፈትዮም ጸሊኦም ኤርትራ ናይ ደቀባታ እያ፣ኣብ ትንተናኻ ርኢቶይን ሪኢቶኻ ሐደ እኳ እንተኾነ፣መለሳ ቅጫስ ብኮዖ ከም ኣዛብእ ፍሸይ ምራራ፣ሕልሚ ኢሰያስን ኣቢን ሐደ እዩሞ፣ገጥ ማዓንጣ ሞያኻ ናብ መንእሰያት ኤርትራ ክትማሕላልፎ፣ንኢሰያስ ምውዳስ ግደፎ፣ክሳብ ምሉእ ሐርነት፣ንዕባይ ቤት ትምህርቲ ሳሕል፣ንኸይኣምን ከይምሕል፣ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ኣሜን በሃልትን፣ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ዉሽጡ ሑሩር ካብ ሃገር ጀርመን።