ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራ ዝስጎጕ ስደተኛታት ኣበይ ይኣትው?

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉ ስደተኛታት ከምዘለው ብምሕባር ክምለሱ ዘይግቦም ስደተኛታት ከይህልውዎም ስግኣት ከምዘለዎ ኣነጺሩ።

ኣብ መፋርቕ 2023'ውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝግበር ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ግዱድ ምስጓጕን ደው ክብል'ኳ እንተ ተማሕጸነ፡ ኣብ መወዳእታ ሰነ፡ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ይዝከር።

ቢቢሲ፡ ኣብቲ እዋን ዝተጠረዘ ኤርትራዊ ስደተኛ ንዳግማይ ጉዕዞ ስደቱን ዘጋጠሞ ሽግራትን ዳህሲስዎ'ሎ።

እዚ ዛንታ ናይ ሓደ ካብቶም ብኣስገዳድ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ዝተሰጐ ኤርትራዊ መንእሰይ ኮይኑ፡ ንድሕነቱ ስሙ ተቐይሩ ኣሎ።

ኣዳም ከም መብዛሕቱኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደደ ኤርትራዊ መንእሰይ ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጋዊ ሰነድ ስደተኛ ኣማሊኡ ን7 ዓመትታት ክረክብ እናሰርሐ ክስእን እናተሸገረ ብተስፋ ተቕሚጡ።

እንተዀነ እታ ንሸውዓተ ዓመታት ብሰላም ዝነበረላ ኣዲስ ኣበባ ግን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተቐያየረ ፖለቲካዊ ሽርክነታት፡ ንኣዳምን ሓያሎ ኤርትራውያን ስደትኛታትን ክትኩርኩሖም ጀሚራ።

ኣዳም ሓደ ካብቶም ግዳያት እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝነበረ ብርቱዕ ግፋ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጒኑ። ናይ ስደተኛ መለለዩ ወረቐት ኣቕሪቡ ክወጽእ እኳ እንተፈተነ፡ ወረቐትካ ስኑዕ ክኸውን ስለዝኽእል ከነጻሪ ኢና ብምባል ንክልተ ወርሒ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸኒሑ።

"ኣነን እቶም ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባትን 'ንሕና ስደትኛታት ኢና። ሰነዳት ኣለና፣ ናይ ዩኤንኤችሲኣር ዓሸራ እውን ኣለና። ስለዚ እንተደሊኹም ኣጻርይዎ ዝብል ሕቶ'ኳ እንተቕረብና፣ ሰማዒ ኣይረኸብናን። በዚ ድማ ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ማእሰርቲ ን350 እንኸውን ኣብ 5 በጣሓት ጺዒኖም ብክልል ዓፋር ገይሮም ኣብ ዶባት ቡሬ ኣብጺሖምና" ይብል።

ኣብቲ ብሓይሊ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ምስጓግ፡ ዓበይቲ ሰቡኡት፣ ኣዴታት ምስ ደቀን፣ ደቀ ንስትዮን ደቀ ተባዕትዮን መንእሰያት ከምዝነበሩ ይገልጽ።

ናብ ዓሰብ ድሕሪ ምእታዎም'ከ?

ስደት

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ናብ ኤርትራ ምስ ኣተው ሓይልታት ምክልኻል ከይሰናበዱ ብጽቡቕ እዮም ተቐቢሎምዎም።

ድሕሪ 3 መዓልታት ከኣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መጺኦም፡ " እንቋዕ ናብ ሃገርኩም ብሰላም መጻእኩም!" ብምባል፡ መንግስቲ ምሕረት ከምዝገበረሎምን ክስንብዱ ከምዘይብሎምን ተዛሪቦሞም።

እቲ ሽዑ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌና ዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ 1998 እውን ኣብ ካልኦት ኤርትራውያን ከምእተገብረ ሓቢሮም፡ ኣብ ዓሰብ መግቢ፣ ማይን መጽለልን ብምሃብ ንሽዱሽተ መዓልታት ከምዝጸንሑ ይሕብር።

ብድሕሪኡ፡ ብናይ ክልተ መዓልታት ናይ መርከብ ጉዕዞ፡ ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ ኣትዮም። ኣብ ባጽዕ መካይን ተዳልየን ስለዝጸንሓ ሒዘንኦም ንኣስመራ ደይበን። ግን ነናብ ስድራ ቤቶምን ዓዶምን ኣይነበረን። ጉዳዮም ንምጽራይ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ እዩ ነይሩ። ተነጊሩዎም እዩ ኸኣ።

እቶም ብዘይፍታዎም ናብ ሃገሮም ዝተጠረዙ ኤርትራውያን ግን ብመጻኢኦም ፍርሒ ስለዝነበሮም፡ ጉዕዞ ምስ ጀመሩ ሓደ ካብኦም ካብተን በጠሓት ዘሊሉ ሃዲሙ።

" እቲ ሰብ ክሳብ ዝሃድም ዝዀነ ጸቕጢ ኣይነበረን። ብድሕሪኡ ግና ጫማና ከነውጽእ ብምግዳድ "ኣብሩኽ" "ተጸጋጋዕ" "ተለጋገብ" እናበሉ ብከቢድ ምፍርራሕ ናብ ማይስርዋ ኣብጺሖምና" ይብል እቲ ነዚ ዛንታ ክትርኽ ዕድል ዝገበረ ኣዳም።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተው፡ ስድራ ቤታቶም መግቢ ከብጽሑሎም ከምዝኽእሉ ተሓቢሩዎም። ክረኽብዎምን ከዘራርብዎምን ግን ኣይተፈቕደን።

ንክልተ ኣዋርሕ ዝኸውን ናይ ስድራ ቤቶም መግቢ ክቕበሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብዋሕስ ወጺኦም ነናብ ኣሃዱታቶም ክኸዱን እቶም ዘይተዓለሙ ከኣ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ከምዝወርዱ ነጊሩዎም።

ካብ ማእሰርቲ ክወጽኡ እናተጸበዩ ከኣ " ካብ እንዳ ጸጥታ ዝመጹ ሓለፍቲ ንኹሉ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሂወትና ዝምልከት ቃለ መጠይቕ ኣግቢሮምና። ድሕር'ዚ ንሓደ ብዕድመ ካባና ኣዝዩ ዝዓቢ ወዲ ኣርባዓተ ኣስመራ ካባና ፈልዮም ስለዝወሰዱዎ፡ ምናልባት ዝዀነ ናይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ'ዶ ነይርዎ ኰይኑ ኢልና ጠርጢርና" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት የዘንቱ።

ድሕሪ ማእሰርቲ'ኸ ዕጫኦም እንታይ ኰነ?

ጸኒሖም ልዕሊ 100 ዝዀኑ ናብ ክፍሊ ታዓሊም ከምዘምርሑን፣ ነቶም ተዓሊሞም ክነሶም ቅድሚ ምምዳቦም ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ እዚ ኣሃዱታቶም ተሰጋጊሮም። እተን ኣደ ቖልዑትን ትሕቲ ዕድመን ከኣ ብናይ 100ሽሕ ናቕፋ ልቸንሳን ዋሕስን ናብ ቤተን ከምዝተፋነዋ ኣዳም የረደእ።

ንዕኡ እውን ኣሃዱኡ ኣብ "እዚ ምዕራብ" ብምንባሩ ናብ ዓዲ ኣበይቶ ኣሰጋጊሮሞ። ንጽባሒቱ ከኣ ናብ ፕሪማ ተወሲዱ። ድሕሪ ራብዕቲ ኣባላት ኣሃዱኡ መጺኦም ወሲዶሞ።

"ኣብ ኣሃዱየይ ምስ ኣተኹ እምነት ኣየሕዱለይን። ይኹን እምበር ዋላ'ኳ መንግስቲ ምሕረት ገይሩልኩም እዩ እንተተበሃልና ናይ ምስቅስቃስ ገደብ ኔሩ'ዩ።" ብምባል ነቲ ኣተሓሕዛ የዘንቱ።

እንተዀነ እዚ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ተገፊፉ ዝተመልሰ መንእሰይ፡ ካብ ኤርትራ ዝወጽኣሉ ዳግማይ ዕድል እዩ ዘናዲ ነይሩ።

"ኣሽንኳይዶ ካልእ ዓዲ ሪኢኻ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣብታ ሃገር ክትነብር ኣይትኸእልን ኢኻ፣ እትረኽቦ ዕድላት ስለዘየሎ፡ ኣብ ኤርትራ ኮፍ ምባል ቁሩብ ትኸብድ እያ " ይብል።

ይኹን እዋን ማሕረስ ኰይኑ ኣሃዱኦም ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ናይ ሕርሻ ስራሕ ስለእተጸምደ ብዛዕባ መገዲ ክሓስብ ዕድል ኣይረኸበን።

ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ግና ተመሳሳሊ ሓሳብ ምስ ዝነበሮም ክልተ ብጾቱ ዳግማይ ናብ ትግራይ ሰገሩ። ኣብ መገዲ ሓደ ጓሳ ረኺቡ ማይን መግብን ሃቦም።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘብጻሓኩም ሰብ ክረኽበልኩም እየ ምስ በሎም ከኣ፡ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምጭዋይን ኣስጋኢ ጸጥታዊ ኩነታትን ፍርሒ እኳ እንተተሰመዖም፡ ውሑስ መገዲ እንተዀይኑስ ካብ 100 ክሳብ 150 ሽሕ ብር ዝኸውን ብምባል፡ ብገንዘብ ከይተዋገዩ ኣብ ሓሳብ እቲ ጓሳ ተሰማምዑ። እንተዀነ እቲ ዝተቐበሎም ጓሳ ዘማጻኣሎም ሰባት ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ክኸፍል ሓቲቶሞ።

እቲ ጓሳ ነቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተዋፈሩ ሰባት ምስ ነገሮም፡ እቲ ቀንዲ ኣስጋሪ መጺኡ እንትጮ ኣብ እትብሃል ዓዲ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ መሬት ናይ እኽሊ መኻዚኖ ወሲዱ ዓጸዎም።

"ኣቡኡ ምስ ኣእተወና ናብ ስድራኹም ደዊልኩም 400ሽሕ ብር ወይ 4000 ዶላር ክኸፍሉልኩም ደውሉሎም። መንቀሳቐሲ ወረቐት ኣዳሊናልኩም ኢና ኢሉና። ንሕና ከኣ ናብ ስድራና ደዊልና" ይብል።

እቶም ምስኡ ዝመጽኡ ክልተ መኻይዱ ስድራ ቤቶም ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ስለዝኸፈሉሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሑ እንከለው ንሱ ግን ክኸፍል ዓቕሚ ስለዘይነበሮ፡ ወላዲቱ፡ ኣብ ትግራይ ንዝነብሩ ቤተሰባ ብፖሊስ ክደልይዎ ተማሕጸነቶም። እቶም ኣዝማድ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን እኳ እንተበሉ ግን ደሃዩ ከይረኸቡ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓለፈ።

ኣብታ ዝተታሕዘላ መኻዚኖ እኽሊ፡ ሓያሎ ድሕሪኡ ዝመጽኡ ሰባት ገንዘብ ከከፊሎም ክወጽኡ እንከለው፡ ንሱን ሓደ ካልኣዩን ግን ኣዋርሕ አሕለፉ።

ብዙሕ ስለዝተማረሩ ካብ ዘለናዮ ሃለዋት ዕድልና ክንርኢ ዘይንሃድም እኳ እንተተበሃሃሉ እንተሓዙናኸ ብዝብል ፍርሒ ኣይወዓሉዎን።

ሓንቲ ረፋድ ግና እቶም ዝጨውይዎም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ነታ ብደገ ዝዓጽዉላ ልኬቶ ከይሸገጥዋ ስለዝኸዱ ነታ ዕድል ተጠቒሞም ኣምለጡ። ኣብ መንገዶም ንዝረኸቡዎም ኣመንቲ ምስልምና ሰብኡት ከኣ ናብ ዝቀረበ መደበር ፖሊስ ከብጽሑዎም ወይ ኣንፈት ክሕብሮዎም ከምዝሓተቱ ይገልጽ ኣዳም።

እቶም ሰብኡት፡ "ኤርትራውያን ዲኹም? ኢሎም ድሕሪ ምሕታት፡ እቶም ዝሓዝኹም ሰባት ይከታተልኹም እንተሃልዮም ኣብ ጸገም ከተእቱዉና" ብምባል ምስ ፍርሖም ናብቲ መደበር ፖሊስ ሓበሩዎም።

ንሳቶም ከኣ ናብቲ መደበር ፖሊስ ከይዶም እቲ ዘጋጠሞም ሓበሩ።

ዳግማይ ስደት ናብ ኬንያ

መሬት ኬንያ

ኣብቲ እንዳ ፖሊስ " መንግስቲ ነቲ ዝግበር ዘሎ ነገር ስለዘይድግፎ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም፡ ንስድራኹም ደዊልኩም ከኣ ብዋሕስ ከውጽእኹም ንገሩዎም፡ ኢሎም ብዘይ ሳንቲም ብዋሕስ ወጺእና" ይብል ኣዳም።

ካብቲ ዘይዓቕሞም ገንዘብ ዝሓትት ጭውያ ብዕድል እኳ እንተምለጡ፡ ኣብ ትግራይ ምጽናሕ ውሕስነት ስለዝይፈጠረሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምርሐ።

እንተዀነ እታ ን7 ዓመታት ዝተቐመጠላ ኣዲስ ኣበባ ግፋ፣ ማእሰርትን ታህዲድን ስለዝበዝሐ እንደገና ናብ ኬንያ ክስደድ ተገደደ።

ጉዕዞ ምስ ኰነ ከኣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣዋሳ፡ ካብኡ ናብ ሃገረማርያም ዝተባህለ ከተማ ኣምርሐ። ንጽብሒቱ ኸኣ ብመኪና ናብ ከተማ ያቤሎ ኣተወ፤ ኣቡኡ ሓዲሮም ድማ ናብ ሞያለ ነቐሉ።

እንተዀነ ኣብታ ከተማ ቅድሚ ምእታዎም ካብ ሚኒባስ ኣውሪዶም ብሞተር ሳይክል (ቦዳታት) ክሳብ ዝጽልምት ተጸባብዮም ኣብ ሓደ ጫካ ኣከቡዎም። ብድሕሩኡ ንኹሎም እቶም ሰገርቲ ኣኻኺቦም ኣበገሱዎም።

ኣብቲ ከባቢ ኩሎም ደቅቲ ዓዲ ስለዝተሓባበሩ ከይትሓዙ ስግኣት ኣይነበሮምን።

"ንጽባሒቱ ኣብ ሓንቲ ቦዳ ሰለስተ ሰባት ጽዒኖም እኳ እንተበገሱና፡ ደቂ ዓዶም መገዲ ሰላም ከምዘየሎ ስለዝነገርዎም ንሸውዓተ ሰዓታት ዝኸውን ብእግርና ተጓዒዝና ንኬንያ ኣቲና" ይብል ኣዳም።

ኣብቲ ዶብ እውን፡ ኬንያውያን ሰብ ቦዳ ቦዳ ተቐቢሎም፡ ናብ ሓደ ክሻ ዝኽደኑ ህዝቢ ዘለዉዎ ዓዲ ወሲዶም ኣብ ሓደ ገዛ ከም ዘእተውዎም ይሕብር።

ካብኡ ን41 ስደተኛታት ብናይ ጽዕነት መኪና ን13 ሰዓታት ኣጓዓዒዞም፣ ናብቲ ንዩጋንዳ ዘምርሑ ስደተኛትት ዘዕቁቡሉ ሕቡእ ቤት ኣምጸእዎም።

ኣዳም ድማ ምስቶም ናብ ዩጋንዳ ዝቕጽሉ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ዩጋንዳ በጽሐ። እንተዀነ ድሕሪ ብዙሕ ኰለል እንደገና ናብ ናይሮቢ ተመልሰ።

ኣዳም ነቲ ዝሓለፎ ጉዕዞ ብምስትንታን፡ " እቲ ጉዕዞ ከቢድ እዩ። ግን ኩሉ እቲ ብእኡ ዝመጽእ ኤርትራዊ ከኣ ኣማራጺ ስለዝሰኣነ እዩ። ስለዚ ኣነ፡ እቲ መገዲ ሓደገኛ እዩ እንተበልኩ እውን ዝሰምዓኒ የሎን። ግን ጉዕዞ ስደት ቀሊል ከምዘይኰነ ክዛረብ እደሊ" ክብል ነቲ ዝተጓዕዞ መከራ ኣዘንትዩ።