ኣብ ሻቡዓይ ዓመቱ፡ ስድራኡ፡ ምእንቲ ክቐርእ ናብታ ታሪኻዊት ጥንታዊ ሓውሲ ከተማ ሕርጒጎ ሰደዱዎ።
እድሪስ ካብ በረኻታትን ሩባታትን ዓዱ ወጺኡ፡ ኣብታ ሽዑ በብቝሩብ እትኽትም ዝነበረት መሰረታዊ መሳለጥያታት ዝነበራ ሕርጒጎ መንቋሕቋሕታ ህይወት ኣጥረየ።
እንተዀነ፡ እታ ክቐርእ ኢሉ ዝኸዳ ሕርጒጎ፡ ንህይወቱ ናብ ካልእ ኣንፈት ዝቕይር ዕጫ ዘመኑ ቀሪባትሉ ከም ዝጸንሐት ኣይፈለጠን። እቲ ግዜ'ቲ፡ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ብፖለቲካዊ ቃልሲ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሰጋገረሉ መድረኽ እዩ ዝነበረ።
ብሬራይ ካብ ዕልሚ ቍርኣን ናብ ገድሊ
እታ ቅድሚ ምጽዋዕ ፍልጥቲ ከተማ ዝነበረትን መሰታ ኣዱሊስ ዝዀነትን ጥንታዊት ሕርጒጎ፡ ኣብቲ ገድሊ ንናጽነት ኤርትራ'ውን ታሪኻዊት ካብ ምዃን ኣይበዀረትን። ብዙሓት ደቃ ናብቲ ቃልሲ ልኢኻ ጥራሕ ዘይኰነትስ፡ መራሕቲ ዝዀኑ ሓያሎ'ውን ኣፍርያ ነበረት።
እድሪስ ብሬራይ ጣውላኡ ፋሕፊሑ መዱ ኣዳልዩ እናቐርአ እንከሎ፡ ብዛዕባ ናጽነትን መግዛእትን ክሰምዕ ጀመረ። ብ1967 ድማ ኣብ ዕሸል ዕድመኡ ናብታ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝጀመረት ታሪኻዊት ውድብ - ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ተጸንበረ።
ብሬራይ ኣብ ራብዓይቲ ክፍሊ ተመዲቡ ቃልሱ ክጅምር ከሎ፡ እቲ ኣብ እግሪ ተኽሉ ዝነበረ ውድብ ጽዑቕ ሃድን ናይ ስርዓት ሃይለስላሰ የጋጥሞ ስለ ዝነበረ፡ ይትረፍ ንቝልዕነቱ ዘይጸገበ ዕሸል መንእሰይ፡ ዓቕሚ ኣዳም ንዝበጽሐ'ውን ነቲ ዝነበረ ሕሰም ክገጥሞ ዝጽወር ኣይነበረን።
ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ከም ውግእ ምግጣም፡ መድሓኒት ምስኣን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጸገማት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምጥማይ፡ ምጽማእ፡ ምዕራቕ፡ መጽለሊ ምስኣን ዕለታዊ ብድሆ ተጋዳላይ እዩ ዝነበረ።
ብሬራይ ብዕድመን ተመኵሮን ብዝመርሑዎ ኣያታቱ እናተኣልየ ግን ንዅሉ ብድሆታት ተጻዊሩ፡ ኣብ ጕዕዞን ውግእን ብቕዓቱ ከም ዘመስከረ ብጾቱ ይምስክርሉ።
ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈልየሉ ፈለማ 1970ታት ከኣ መራሒ መስርዕ ኰነ።
ብድሕሪኡ ዓቕሙን ክእለቱን እናኣዕበየ፡ ካብ መራሒ መስርዕ ናብ ጋንታ፡ ካብ ጋንታ ናብ ሓይሊ፡ ካብ ሓይሊ ናብ ቦጦሎኒ እናሰገረ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1977 ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤኡ ከካይድ እንከሎ፡ መራሒ በጦሎኒ ክኸውን በቕዐ።
ገዲም ተጋዳላይ ወልደንኪኤል ሃይለ ኣብ ሓምለ 1977 ኣብ ምሕራር ሰገነይቲ ምስ ተሰውአ፡ ብሬራይ ንብጻዩ ተኪኡ መራሒ ብርጌድ ኰነ።
ካብ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ኣትሒዙ ዝፈልጦ መስፍን ሓጐስ፡ ምስ ብሬራይ ኣብ ጥቅምቲ 1970 ካብ ዓደን ብሓባር ንሜዳ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ከም ዝተጓዕዙን ካብቲ እዋን ዝጀመረ ጥቡቕ ብጻያዊ ምሕዝነት ከም ዝነበሮምን ይሕብር።
ብሬራይ፡ ምቕሉል፡ ነብሱ ዘይበቅቕ ውፉይ፡ ሓሳባቱ ብውሑድ ቃላት ዘረድእ፡ ብዙሕ ዘይዛረብ ስቕተኛ ምንባሩ ብምግላጽ፡ "ኵሉ ሳዕ ንብሬራይ፡ ብሰንኪ ሕሉፍ ተወፋይነቱ ኣብ ውግእ ከይንስእኖ ካብ ንፈርሖም ተብዓት ተጋደልቲ እዩ ነይሩ፡" ክብል ኣብ ዝተፈለላየ መሪር ውግኣት ዝነበሮ ተራን ኣበርክቶን የረድእ።
ኣብ ፍራንክፈርት እውን ብዙሕ ግዜ ይራኸቡን ብናይ ቃልሲ ተመኵሮኦምን ህልዊ ኵነታትን የዕልሉ ከም ዝነበሩ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ,Family
ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ኣትሒዙ ዝፈልጦ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም፡ ብሬራይ፡ ከም ሰብ ፈቃር፡ ምቕሉልን ሕያዋይን፡ ከም ወተሃደር ከኣ "ቈራጽ፡ ተባዕ፡ ኣብ ውግእ ኵነታት ወገንን ጸላእን ቀልጢፉ ገምጊሙ ስሉጥ ውሳነ ዝወስድ፣ ንሰራዊቱ ብቐረባ ዝከታተል ውፉይ እዩ ነይሩ፡" ክብል ይገልጾ።
ኣብታ ብሬራይ ዝእዝዛ ዝነበረ ብርጌድ 23 ዝተባህለት ኣሃዱ ምስኡ ዝነበረ ጸሓፊ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጐርደን)፡ "ልዕሊ ኵሉ፡" ኢሉ ምስክረንቱ ይጅምር እሞ፡ "ዳርጋ ንዝበዝሑ ተጋደልቲ ብርጌዱ፡ ብስሞምን ስም ኣቦኦምን ዝጽውዕ፣ ንውጉኣት ብጾቱ ኣብ ሕክምና ዝበጽሕ፡ ዘተባብዕ፣ ብዅሉ ዝኽእሎ ጸገማት ተጋደልቲ ክፈትሕ ዝጽዕር፣ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ብጻይ እዩ ነይሩ፡" ክብል ይገልጾ።
ካልእ ምስ ብሬራይ ኣብ ግርጌድ 23 ዝነበረ ደራሲ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ (ሊንጎ)፡ ብሬራይ ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮ ልዑል ፍቕሪ ብምዝካር፡ "ኣብ ሜዳ መሃይምነት ኣጥፊኡ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ክኢሉ ካብ ትግርኛ ሓሊፉ ኢንግሊዝ እውን ከንብብን ክጽሕፍን በቒዑ ነይሩ፡" ክብል ይዛረብ።
ኣብታ ኣሃዱ ዝነበረት ኢለን ዓንደማርያም ብወገና፡ ኣብ ቀዳማይ ፈነተ ምድምሳስ ውቃው እዝ፡ ብሬራይ ኣዛዚ ብርጌድ ክንሱ ምስታ ኣብ ከበባ ዝኣተወት ጋንትኣ ስለዝነበረ በቲ ዘጋጠመ መኻልፍ ኣዝዩ ከም ዝነደረን ኣሃድኡ ንምድሓን ዝከኣሎ ከም ዝገበረን ትዝክር።
ህዝባዊ ግንባር ኣብ 22 ለካቲት 1984 ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ-ሳሕል "መቐይሮ" ዝተባህለሉ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ንዝነበረ ውቃው እዝ ንምድምሳስ መጥቃዕቲ ኣካየደ። እታ ኣብ 15 ጥሪ 1984 ኣብ ስርሒት ተሰነይ ተሳቲፋ ዝተመልሰት ብሬራይ ዝመርሓ ብርጌድ 23'ውን ሓንቲ ካብተን ኣሃዱታት ነበረት።
ሓንቲ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 23 ሰሊዃ ቅድሚት ኣትያ ኣብ ዝተወጠነላ ቦታ በጽሐት። እንተዀነ፡ እቲ ስርሒት በቲ ዝተተለሞ ስለ ዘይከደ ፈሸለ። እታ እድሪስ ብሬራይ ዝመርሓ ኣሃዱ ከቢድ ማእሰይቲ ወረዳ።
ተጋደልቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዝገልጹዎን ሰነዳት ከም ዝሕብሮን፡ ተጋደልቲ ነቲ ፍሽለት ፍጹም ምጽዋር ስኢኖም፡ ብሕርቃንን ጓህን ዳግማይ መጥቃዕቲ ክካየድ ይህውኹ ከም ዝነበሩ እዩ።
እታ ኣሃዱ ነቲ ከበባ ፈንጢሳ እኳ እንተ ወጽአት፡ ከቢድ ዋጋ ግን ከፊላ እያ። ብሬራይ ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣዝዩ ከም ዝጓሃየን ዝተቘጥዐን ክሳዕ ከም ዝነብዐን ብጾቱ ይገልጹ።
እታ ዝተጐድአት ኣሃዱ ምእንቲ ከተዕርፍ ናብ ናቕፋ ክኸዱ ንብሬራይ ኣብ ዝተነግሮ፡ "ፍጹም ኣይንኸይድን፡" ኢሉ ከም ዝኣበየ ብጾቱ ይዝክሩ። ነታ ብርጌዱ ዓቕሚ ሰብ ተወሲኹዋ፡ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ማለት ኣብ 19-21 መጋቢት 1984 ዝተኻየደ ዕዉት ዳግመ-መጥቃዕቲ ተሳተፈት።
ብሬራይ ናብ ስደት

ምንጪ ስእሊ,Family
እቲ ኣብ 1967 ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ናብ ገድሊ ኤርትራ ተጸንቢሩ፡ ብጽንኩር ኵነታት ተሳሒሉ ስሙይ መራሒ ክኸውን ዝበቕዐ ተጋዳላይ፡ ኣብ ሰነ 1986 ገድሊ ሓዲጉ ናብ ሱዳን ኣተወ።
ክልተ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎን ግርማይ መሓሪን ናብ ከሰላ ብምኻድ፡ እቲ ንዓኡ ባህ ዘየበሎ ነገራት ከም ዝዕረ ተመባጺዖም ንኽምለስ ለመኑዎ።
ካብኡ ቀጺሉ ናብ ፖስት-ሱዳንን ካርቱምን ምስ ከደ'ውን ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ይደጋገፉዎን ሓሳቡ ክቕይር ይሓቱዎን እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሱ ግና ኣብ ውሳነኡ ስለ ዝጸንዐ ኣይተመልሰን።
እቶም እቲ ገዲምን ስሙይን ተጋዳላይ ንህዝባዊ ግንባር ሓዲጉዋ ዝሰምዑ፡ ኣብ 1981 ብዘሕዝን ናይ ኣሕዋት ውግእ ናብ ሱዳን ተደፊኦም ፖለቲካዊ ቃልሶም ዝቕጽሉ ዝነበሩ መራሕቲ ዝተፈላለያ ውድባት፡ ምስኦም ኰይኑ ክቃለስ እኳ እንተ ሓተቱዎ፡ ንሱ ግን ምስ ዝዀነት ውድብ ክስለፍ ፍቓደኛ ኣይነበረን።
እድሪስ ብሬራይ ካብ ሱዳን ናብ ስዑዲ-ዓረብ፣ ካብ ስዑዲ-ዓረብ ናብ የመን፣ ኣብ 1988 ከኣ ካብ የመን ብዓልቲ-ቤቱን ውላዱን ናብ ዝነበሩዎ ጀርመን ሰገረ።
ኣብ 1975 ናብ ቃልሲ ዝተሰለፈት ብዓልቲ ቤቱ ኣስቴር በርሀ ንዝነበራ ከቢድ ማህረምቲ ተጻዊራ ቃልሳ ትቕጽል ዝነበረት ኰይና፡ ኣብ ሱዳን ብዙሕ ከይደንጐየት እያ ቀዲማቶ ናብ ጀርመን ዝኣተወት። ከይጸንሐት ድማ ንበዅሪ ወዶም በይሉል ብሰላም ተገላገለት።
ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተበሰረሉ እዋን ከኣ እዮቤል ዝሰመዩዋ ወሊዶም ህይወቶም ማሞቐ። ነታ ኣብ ሜዳ ዝወለዱዋሞ ኣብ ክልተ ዓመታ ብሞት ዝተፈልየት ህጻን ዳህላክ እትትክእ ውላድ ብምርካቦም ድማ ሓጐሶም ወሰን ኣይነበሮን።
ምምላስ ናብ ኤርትራን ዘጓነፎ ማእሰርትን
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብሬራይ 'ቮይስ ኦፍ ብስራት' ምስ እትብል ናይ ዩቱብ ቻነል ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ንምንታይ ንገድሊ ከም ዝሓደጎ ኣብ ዝተሓተቶ፡ "ሕጂ ክዛረበሉ ኣይደልን፡" ድሕሪ ምባል፡ "ነቲ ቃልሲ መንየዮ ኣይኰንኩን፣ ውልቃዊ ሽግር'ውን ኣይነበረንን። ኣብቲ ዝነበርኩዎ ኣሃዱ ቅቡልን ፍቱውን ነይረ። ነቲ ተጋዳላይ ከኣ ይፈትዎ ነይረ። ግን ንዓይ ደስ ዘይብለኒ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ኣካይዳታት ነይሩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
እድሪስ ምስ ስድራኡ ኣብ ጀርመን ይማሙቕ'ምበር፡ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ወርትግ እዩ ዝሓስብ ዝነበረ።
ብሬራይ "በዲለ እየ" ዝብል ስምዒት ስለ ዘይነበሮ፡ ብዓልቲ-ቤቱ ኣስቴር "ግደፍ ኣይትኺድ፡" ኢላ እናለመነቶ፡ ብ1994 ናብታ ካብ ቍልዕነቱ ዝተጋደለላ ሃገሩ ኣተወ።
እቶም ብቐረባ ዝፈልጡዎ መቓልስቱ "እንቋዕ ብደሓን መጻእካ፡" እናበሉ ክቕበሉዎ ከለዉ፡ ካብ "ላዕሊ ብዝመጽአ ትእዛዝ" ተባሂሉ ብቕልጡፍ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣተወ።
ብዘይ ዝዀነ ሕቶን መስርሕ ፍርድን ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ተኣሲሩ ተፈትሐ። ነቶም ብድሕሪኡ ዝሓደጎም ስድራኡ ክርኢ ድማ ናብ ጀርመን ተመልሰ።
ሽዑ'ውን፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ከገልግል ድላይ ስለ ዝነበሮ ደጊሙ ናብ ዓዱ ሳገመ። እቲ ኲናት ዶባት ምስ ኢትዮጵያ ብውዕል ኣልጀርስ ዓሪፉ ተዛማዲ ርግኣት ሰፊኑ ስለ ዝጸንሖ፡ ምስ ገሊኦም ብጾቱ ተሻሪኹ ኣብ ሰምሃር ሕርሻ ከካይድ እኳ እንተ ፈቲነ፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ስለ ዘይቀንዖ ግን ናብ ስድራኡ ተመልሰ።
ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ እናተበላሸወ ስለ ዝኸደ፡ ብሬራይ ምስ ተቓለስቲ ፍትሒ ዝበሃሉ ኤርትራውያን ተጸንቢሩ፡ ዓቕሙ የበርክት ምንባሩ ይፍለጥ።
ብዘይ ስራሕ ኮፍ ክብል ዘይፈቱ ብሬራይ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፍራንክፈርት እናሰርሐ ንብዙሓት ፈተውቱን ቤተሰቡን ይሕግዝ ምንባሩ ብቐረባ ዝፈልጡዎ መቓልስቱ ይዛረቡ።
ፋንዋ እቲ ሓርበኛ

ምንጪ ስእሊ,Family
እድሪስ ብሬራይ ብ07 መጋቢት 2025 ብሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ፍራንክፈር ጀርመን ጕዕዞኡ ወዲኡ ዓረፈ። ብሓሙስ 13 መጋቢት ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ካስል ጀርመን ብኽብ ዝበለ ወግዒ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
ኣብ ግብኣተ ቀብሩ ምስክርነቱ ዘቕረበ ገዲም ተጋዳላይ ብርጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ብሸውዓተ ዓመት ዝመርሖ "መምህረይን ሓላፊየይን እዩ ነይሩ፡" ክብል ዝገለጾ ብሬራይ፡ "ልዑል ነብሰ-ተኣማንነት ዝነበሮ፡ ንዝኣመነሉ ጉዳያት ብትብዓት ዘቕርብ፡ ሓሶትን ምስሉይነትን ዝጽይን፡ ዝተራእዮ ዝዛረብ፡ ብዓቕሙን ክእለቱን ዘይንየት ሓርበኛ እዩ ነይሩ፡" ክብል ምስኡ ኣብ ዝተፈላላየ ግንባርን ግዜን ኣብ ኣዝዩ ፈታንን ጽንኩርን ውግኣት ብሓባር ከም ዝሰርሑ እናተደፋነቐ ምስክርነቱ ኣቕሪቡ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ መስፍን ሓጐስ ብወገኑ፡ እቲ ንህዝቡን ሃገሩን ብዅሉ ዝኽእሎ ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ብሬራይ፡ ኣብታ ዝተወልደላን ዝተቓለሰላን ምድሪ እምበር፡ ኣብ ስደት ምቕባሩ ኣዝዩ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን'ውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ብኣብነታዊ ጅግንነት ዝተቓለሰ ብሬራይ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ናጽነት ዝጽበዮ ዝነበረ ጻማ ከይረኣየ፡ ኣብ ስደት ምሕላፉ ኣዝዩ ከም ዘሕዝኖ ብምግላጽ፡ ንብሬራይ ዕረፍቲ ንስድራቤት ከኣ ጽንዓት ተመንዩ።
ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም፡ "ጅግንነት ብዓይኒ ወተሃደራዊ ብቕዓትን ተወፋይነትን ጥራሕ እትግለጽ እንተዀይና፡ ንብሬራይ ትንእሶ እያ። ብሬራይ ልዕሊ እዚ መግለጺ እዩ፤ ብሓጺሩ፡ ንወተሃደር ዝተፈጥረ ወትሩ ንቑሕን በሊሕን ሰብ እዩ ነይሩ፡" ክብል ይገልጾ።
ቅድሚ ወርሒ ብቴለፎን ዘዘራረቦ ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣልቀይሲ ብወገኑ፡ ብሬራይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሰውራ ፊደል ቈጺሮም ነብሶም ኣማዕቢሎም፡ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ብራኸ ዝበጽሑ ጀጋኑ ምንባሩን ካብ 1970ታት ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ጀሚሩ ከም ዝፈልጦን ይዛረብ።
ኣብታ ዝእዝዛ ዝነበረ ብርጌድ 23 ምስኡ ዝተቓለሱ ብጾቱ፡ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ (ሊንጎ)፡ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጐርደን)፡ ኢለን ዓንደማርያምን ብዓልቤታ ዮሃንስ ጸጋይን፡ ንዝኽሩ ብማንዛ ዝወደቡዎ ናይ ፋንዋ ተዘክሮ፡ ኵሎም መራሒ ብርጌዶም ብሬራይ፡ ልዑል ፍቕሪ ብጾቱ ዝነበሮ፡ ነብሱ ዘየተዓባቢ፡ ናብ ኵለን መሳርዕ እናዞረ ምስ ተራ ተጋደልቲ ዝራኸብ፡ ዕላልን ዋዛን ዘይፈቱ፡ ብዙሕ ዘይዛረብ ቍጡብ ግን ከኣ ኣዝዩ መስተውዓሊ ሰብ ምንባሩ ይገልጹ።
ብዓልቲ ቤቱ ኣስቴር፡ "ብሬራይ ቅድሚ ነብሱ ንብጾቱ ዘቐድም ሰብ እዩ ነይሩ፡" ድሕሪ ምባላ፡ ሩፍ ከይበለ ምሕላፉ ከም ዘሕዝና ትገልጽ።
ንወላዲኣ ኣብ ኵሉ መዳዩ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጥዕናኡ ኣዝያ ትከታተሎን ትሕግዞን ዝነበረት እዮቤል ጓሉ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቱ ንትሽዓተ መዓልታት ካብ ጐድኑ ከይተፈልየት ከተረጋግኦ ብምባል፡ እናሰሓቐትን እናነብዐትን ነተን ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ዕረፍቱ ኣብ ዝኽራ ከም ዝመዝገበተን ትዛረብ።
ኣብ ጀርመን ተወሊዱ ዝዓበየ በዅሪ ወዶም በይሉል፡ ኣቦይ ስቕ ስለ ዝብል፡ ኣደይን ብጾቱን ንዝሓለፎ ጕዕዞን ዝሰገሮ ብድሆታትን ክነግሩኒ እንከለዉ ይገርመኒ እዩ፡" ክብል ታሪኽን ጅግንነት ወላዲኡ ክዝንቶ ምስ ሰምዐ ከም ዘሐብኖ ግን ከኣ ንወላዲኡ ከይጸገቦ ምሕላፉ ኣዝዩ ከም ዘጕሃዮን ገሊጹ።
ኣብ ግብኣቱ ዝተረኽቡ ቤተሰብ፡ ፈተውቱን ተቓለስቲ ፍትሒ ብጾቱን ከኣ ኣብ መካነ መቓብር ካስል 'ብሰላም ዕረፍ' ብምባል ተፋንዮሞ።