"መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ መንጎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ህወሓትን ዝቕጽል ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ዝኾነ ተራ የብሉን" ክብል ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጌታቸው ረዳ ገለ ካብቶም ዝቃወምዎ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ምስ ኤርትራ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ገለ ሰብመዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ነቲ ዝተባህለ ርክባት "ጥዕና ዘይብሉ" ክብሉ ገሊጾሞ ነይሮም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝተቖጻጸረ ዝንገረሉ ዘሎ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብወገን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምስ ኣስመራ ዝካየድ ርክብ ከምዘየለ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ዘለዉ ታሕተዎት ሰብመዚ ኣብቶም ከባቢታት ምርግጋእ ንምውሓስ ዘይስሩዕ ርክባት ከምዝግበር ዝጠቐሰ እቲ ጀነራል፡ ውሱን ሰላማዊ ርክባት ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ከምዘሎ'ውን ኣሚቱ።
ኣቐዲሙ ርክብ ይግበር ምንባሩ ዝተኣመነ ብዶ/ር ደብጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ብወገኑ ምስ ኤርትራ "ሕቡእ" ርክብ ከምዘይብሉ ምግላጹ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሰራዊት ኢትዮእጵያ ኣብቲ ብወገን ትግራይ ዘሎ ማእከላይ ክፋል ዶባት ህወላወ የብሉን። ፈደራላዊ መንግስቲ ንተኽእሎ ምትእትታው ኤርትራ ንምግታእ ሓይልታቱ ኣብ ዶባት ከዋፍር ጌተቻው ረዳ ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ።
ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ "ብዲፕሎማሲ ይኹን ብወተሃደራዊ ሓይሊ" ኣፍደገ ባሕሪን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ናይ ምርካብ "ግጉይ" ሸውሃት'ውን ከምዘቖጥዓ ኤርትራ'ውን ደጊማ ገሊጻ'ላ።
"ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ ኤርትራ ትምሕጸን"።
ሰራዊት ሃገሩ ካብ ዶባቱ ከምዘይሰገረ ዝገለጸ ሚኒስተር ዑስማን ብተወሳኺ፡ ኣብ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኢዶም ከእትዉ ከምዘይደልዩ ኣነጺሩ።

ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel/X
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወደብ-ኣልቦ ኰይና ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ብቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ኣፍደገ ክህልዋ ከምዝደሊ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።
"ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነቕ ዘይብል ሃገራዊ ረብሓ [ሕቶ] ኣለዋ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ሰላማዊ መንገዲ ከምዘድልያ ጻውዒት ዓለም ትሰምዕ እያ ዘላ።
"ኣብዚ ጉዳይ ንዋዘ ዘለና መሲሉ ዝስምዖ ወይ ድማ ዕሽሽ እንብሎ ዝመስሎ እንተሎ ጌጋ እዩ" ብምባል መሊሱ መርገጺ መንግስቱ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ኣብ ጥቅምቲ 2023 ብታሪኽ፡ ጆኦግራፊን ዓሌትን መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ "ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ክብል ኣብ ፓርላማ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ንቀይሕ ባሕሪ ኣብ እንቐርበሉ ዝነበርና እዋን ካብ ዓበይቲ ሓያላት ዓለም ነይርና" ይብል ኣቢይ ኣሕመድ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ ተመሳሳሊ መደረ'ውን "ምስ ኤርትራ ብዝተኣሳሰር ገለ ወረታት ይስምዑ እዮም። ንሕና እንደልዮ ሰላም እዩ። ዝኸፍአ ነገር ክሳብ ዘይተፈጸመ፡ ብናትና ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሕዋትና እንፍጽሞ ነገር የለን" ክብል ተሰሚዑ።
ኣብ ውሽጣዊ ቅልስ ስልጣን ትግራይ ምስ ጌታቸው ረዳ ዝወገነ ጀነራል ጻድቃን ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ሓድሽ ኲናት ካርታ ሃገራት ዝቕይር'ዩ" ብምባል ግጭት ዘይተርፍ ምዃኑ የጠንቅቕ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ክልቲአን ሃገራት ዝስማዕ ዘሎ ዳርባ ቃላትን መቓልሕ ኲናትን፡ ነቲ ብውግእን ወረ-ውግእን ዝሰልከየ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።