ኣፍሪቃዊ መበቆል ዝውክሉ ባምቡላታት ብምስራሕ ናእዳ ዘትረፈት ኤርትራዊት-ሽወደናዊት ሳበል በራኺ

ስድራኣ ናብ ሽወደን ምስ ኣተዉ ኣዲኣ ዓውደ ሕክምና፣ ወላዲኣ ከኣ ኤለክትሮ ሲቪል ኢንጅነር ኣጽኒዖም። እዚ ድማ ደቖም ፈተውቲ ትምህርቲ ንክኾኑን ሕልሞም ንምጭባጥ ብትብዓት ክጉዓዙን ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም።

ሳበል ኣብ ህጻንነታ ኣዝያ ሓፋር ቘልዓ ብምንባራ ምስ ሰባት ኮነ ምስ መማህርታ ዝነበራ ርክብ ድሩት እዩ ኔሩ። ጓል ዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነት ግን ወለዳ ቤት ትምህርቲ ቀየርዋ። ኣብዚ ድማ እያ ሳበል ንወለዳ እውን ክሳብ ዝገርሞም ዝተቐየረት።

እቲ ዝተጸንበረቶ ሓድሽ ቤትምህርቲ፡ ጸዓዱ ተምሃሮ ጥራይ’ኳ እንተነበርዎ፡ እቲ ኣዝዩ ክፉት ኣቀባብሎኦምን ዝሓለፈቶ ጥዑም ናይ ትምህርቲ እዋናትን ግን ንሳቤል ናብ ሕውስቲ ቖልዓ ብምቕያር ንሕፍረት ክትፋነዎ ከምዝሓገዛ ትዝክር።

"ቤቢ ሰላም"

ምንጪ ስእሊ,SABELLE BERAKI

ኣብ ህጻንነታ ንዓኣ ዝመስላን ዝውክላን ባምቡላታት ስለዘይነበራ፣ ምስ ሓፍታ በተን ንጸዓዱ ዝመስላን ዝውክላን ባንቡላታት እየን ተጻዊተን ዓብየን።

"እተን ጸዓዱ መሓዙተይ በተን ንዓኣተን ዝመስላ ባምቡላታት ክጻወታ እንከለዋ ኣነ ግን ንዓይ ዝመስላ ባምቡላታት ብዘይምርካበይ ኣዝዩ ይስማዓኒ ኔሩ።

ከም ጽባቐ ክውሰድን ክግለጽን ዝረእዮ ዝነበርኩ እቲ ዝተመሸጠን ለማሽን ጸጉሪ ጥራይ ብምንባሩ፡ ነቲ ኣፍሮ ፍሪዝ ዝነበረ ጸጉረይ ኩሉ ግዜ ጠምጢመ እየ ዝሓብኦ ኔረ። ኣብቲ ቦታ ዝተፈልየ ጸጉርን ሕብርን ዝነበረኒ ኣነ ጥራይ ብምንባረይ፡ ነተን ዝርእየን ዝነበርኩ ክመስልን፡ ምሰአን ቦታ ክረክብን ይጽዕር ኔረ።

"ንመሓዙተይ “ጀሲካ በላኒ” ብምባል ሽመይ ከይተረፈ ክቕይሮ ይፍትን ኔረ። እቲ ናተይ ርእሰ ተኣማንነትን፡ ኣብ ገዛእ ርእሰይን ዝነበረኒ ኣመላኻኽታን ኣዝዩ ኣሉታዊን ትሑት እዩ ኔሩ።

"ሕብረይ ጸላም ምኳኑ፣ ጸጉረይ ከምቲ ናይተን ጸዓዱ ልስሉስ ብዘይምዃኑን እዚታት ድማ ከም ሓደ መግለጺ ጽባቐ ዝግለጽ ብዘይምዃኑ ኩሉ ነቲ ኣፍሪቃዊት ምዃነይ ዝገልጽ ናተይ ነገር ክሓብኦ ጀሚረ’’ ብምባል ዝፈጠረላ ነብሰ ምትሓት ተረደእ።

ቕድሚ ክልተ ዓመታት ግን ነቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ብድሆታት ዝፈትሕ ኣጋጣሚ ተኸስተ። ሓንቲ ሕጻን ቤተሰባ፡ ዕለተ ልደታ ትጽንበል ስለዝነበረት፡ ሳበል ሓደ ህያብ ክትገዛኣላ ደልያ ናብ መሸጣ ባምቡላታት ምስ ኣተወት ሕጂውን ነቲ ናታ መሰረትን ባህልን እትውክል ባንቡላ ደልያ ሰአነት።

ኩሉ እቲ ንሳ ብሰንኪ ንዓኣ ዝውክላ ወይ ዝመስላ ባምቡላታት ብዘይምርካባ ዝሓደገላ ኣሉታዊ ጽልዋታት ድማ ቅጅል በላ። ብኡ ንብኡ ድማ ነቲ ሕጂ ኣብ ጽቡቅ ደረጃ በጺሑ ዘሎ “በልስ ቶይስ” ዝሰመየቶ ናይ ባንቡላታት ትካላ ውጥን ጀመረቶ።

"ቤቢ ሰላም"

ምንጪ ስእሊ,SABELLE BERAKI

“እቲ ኣነ ኣብ ህጻንነተይ ዝሓለፍኩዎ ሕጂ ዘመደይ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እንደገና ከምቲ ናተይ ብድሆታት ከተሕልፍ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ስለዚ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ እየ ነዚ ትካል ጀሚረዮ። ዝበዝሕ እቶም ሽወደናውያን እዮም ዝገዙኡለይ። ምኽንያቱ፡ ብዙሕነት ዘለዎ ጥቕሚ ብዝግባእ ስለዝርዶኦምን ደቖም ኣብ ብዙሕነት ሰፊሕ ኣረአእያ ንክህልዎም ስለዝሕግዝን ይገዙኡለይ እዮም።”

“ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ቖልዓ ምዕባይ ከቢድ እዩ። ሕጻናት ኣብ ከባቢኦም ኮነ ኣብቲ መጻወቲኦም፡ ኣብቲ ዝረእይዎ ፊልም ኮነ ኣብቲ ዘንብብዎ መጽሓፍቲ ዝውክሎም ወይ ንዓኣቶም ዝመስል ባምቡላ ስለዘይረኽቡ፣ ከቢድ ስነ ልቦናዊ ሃስያ እዩ ዘስዕበሎም። እቲ ንዓኣቶም ዝመስል መልክዕ ስለዘይድነቕን ስለዘይዋዓዋዕን ድማ ምህላዎም ዘይቑጸር ወይ ዘይሪኣዩ ኮይኖም ክስምዖም እዩ ዝገብር። ኣነ ድማ ነዚ እየ ክቕይር ተበጊሰ” ትብል።

ይኹን እንበር ሳቤል እቲ ትካል ክትጅምሮ እንከላ ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆታት ኔርዎ እዩ። ፈለማ መበገሲ ዝኾና ገንዘብ እውን ከተጠራቕም ስለዝነበራ ኣብ ሱፐር ማርኬት ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ከም ካሸር ኮይና ብምስራሕ ኣዋህለለት፣ ይኹን እንበር ንሱ ስለዘይኣኸላ መሊሳ ቐጸለቶ።

“ዝኾነ ቢዝነስ ክትጅምር እንከለኻ ትፈልጦን ዘይትፈልጦን ወጻኢታት እዩ ዘለዎ። እቲ ካልእ ዝኸበደኒ ድማ ኣብ ሽወደን ነቲ መስርሕ ቅድመይ ዝሓለፎ እሞ ዘማኽረኒን ብዛዕባ ዝህልወኒ ሕቶትታ ዝሓቶም ንዓይ ዝመስሉ ኢንተርፕረነራት ፣ ዘይምንባሮም ሓደ ዓቢ ብድሆ ኔሩ። ብተወሳኺ ጓል 21 ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ብምዃነይን እቶም ኣብ ክሊ እቲ ናይ ባምቡላ ኢንዱስትሪ ዝረኽቦምን ዝሓቶምን ዝነበርኩ ትካላት ክኣምኑንን ምሳይ ሓቢሮም ክሰርሑን የጸግሞም ብምንባሩ ዓቢ ብድሆ እዩ ነይሩኒ።’ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ንእስነታ ከም ፈጣሪት ስራሕ ዝሓለፈቶ መሰናኽል ተዘንቱ።

ነዚ ድሕሪ ምስጋራ ግን ኣብ ሽወደን ለኪያ ምስዝተባህሉ ዝዓበዩ ናይ ባምቡላታት መሸጣ ሰንሰለት ተሰማምዐት። ዋላ’ኳ ናታ መሸጣ ዱካን ኣብ ምኽፋት ትጻዕት እንተላ ንእሽቶን ጸላምን ጓላንስተይቲ ምስ ምዃና ናብቲ ናይ ንግዲ ዓለም ክትኣቱ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ ፣ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ሕልሚ ግን ክዓግቶ ከምዘይክአለ ተረደእ።

“ሓቂ ዘረባ ...እቲ ሓይልን ኒሕን ኣብ ውሽጠይ እዩ ዘሎ። ባባ ገና ካብ ህጻንነትይ ኩሉ ዓይነት ዓውድታት ክፍትን ፣ዲጀይ ኽኸውን ቅብኣ ፡ምሕንባስ ወዘተ....ክፍትን ይሕግዘኒ ብምንባሩ እዚታት ንናተይ ርእሰ ተኣማንነትን ሓድሽ ነገር ናይ ምፍታን ድልየተይን ከዕብዮ ጀሚሩ።

ብዘይካኡ ስድራይ ኣዝዮም ጻዕራማት እዮም። እዚ ከኣ ኣነ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንክበጽሕ ዓቢ ድፊኢት ኮይንኒ። እቲ ተጸሚምካ ጸገም ናይ ምፍታሕን ሓድሽ ነገር ናይ ምፍጣርን ድሌታተይ ካብዚታት ዝመጽእ ይመስለኒ።” ትብል።

"ቤቢ ዲዲ"

ምንጪ ስእሊ,SABELLE BERAKI

ሳበል ገና ጓል 16 ዓመት እንከላ 4 ሰዓታት ብባቡር ተጓዒዛ ትሰርሕ ምንባራን ፣ ወላኳ ትሑት ኣታዊ እንተነበራ ኣብቲ ስራሕ ከም ሪጅናል ማናጀር ኰይና ትስርሕ ምንባራ እቲ ተሞኩሮ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፊ ናይ ምዃን ፍቕሪ ከምዘሕደረላን ናታ ዋኒን ክትምስርት ከምዝጸለዋን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ሓላፍነት ገዛእ ርእሳ ክትስከም ከም ዝገበራን እያ ትገልጽ።

“ኣብ ናይ ባዕለይ ስራሕ እንተደኣ ሰሪሐ ኣዝየ ኣድማዒት ክኸውን ከም ዝኽእል ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዝተረዳኣኒ ኣብኡ እዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ነቲ ስራሕ ብጣዓሚ እየ ፈትየዮ ኔረ።’’ ብምባልውን ተዘንቱ።

ድሕርዚ ግን ናብ ትምህርቲ ብምምላስ ናይ ስነ ቑጠባን ኮምፕዩተርን (ኣይቲን) ኮርሳት ከተጽንዕ’ኳ እንተጀመረት ምስቲ ኣብ ምጅማሩ ዝነበረ ናይ ባምቡላ ትካላ ግዜ ይሻመዋ ብምንባሩ ፣ ኣቋሪጻ ብምሉእ ኣቶኩሮኣ ኣብቲ ዝመስረተቶ ትካል ጸለምቲ ባንቡላታት ጸቒጣ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ቖልዑ ኣብ ህጻንነቶም ንዓኣቶም ብዝመስሉ ባምቡላታት እናተጻወቱ ምስ ዝዓብዩ ፣ ኣካል እቲ ዘሎ ማሕበረሰብ ምዃኖምን ንክሓስቡ ይሕግዞም እዩ። እዚ ድማ ርእሰ ተኣማንነቶም ንክዓቢን፡ ኣብ ገዛእ ሕልምታቶም ኣሚኖም ክሰርሑን ዓርከ መሓዛ ኣብ ምጥራይን ስለ ዝሕግዞም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ሳበል ተረደእ።

በዚ ድማ ንኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከቡ ወለዲ ፣ ቆልዑት ኣብቲ መዓልታዊ ዘንብብዎ ይኹን ዝርእይዎ ንዓኣቶም ዝመስሉ ክርእዪ እንከለዉ፣ ብቀሊሉ ኣይንንጸልን ኢና ወይ ተቐባልነት ኣለና ዝብል ስምዒት ስለዘሕድረሎም፡ ገና ካብ ሕጻንነቶም ምስቲ መንነቶምን ክብርታቶምን ዘንጸባርቕን ዝውክሎምን ባንቡላታት ክቕርቡሎምን ትላቦ።

"ቤቢ ሰላም" ን "ቤቢ ዲዲ"

ምንጪ ስእሊ,SABELLE BERAKI

መግለጺ ስእሊ,ህጻውንቲ ምስ ባንቡላታት በልስ ቶይስ እናተጻወታ

ሳበል ወላኳ ኣብ ሽወደን ተወሊዳ እንተዓበየት ቋንቛ ትግርኛ ክትዛረብ ክትሰምዕን ከተንብብን ትኽእል እያ። “ኣብ ሽወደን ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ኣሎ። ሓደ ካቡኡ ድማ እቲ ናይ ሽወደን ስርዓተ ትምህርቲ ነቲ ኣብ ገዛና እንዛረቦ ቋንቋና ፣ ኣብ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ንክንምሃሮ ይሕግዙና እዮም። ይዝከረኒ ብቘልዑትና ዳዊት ዝበሃል መምህር ኔሩና። እዚታትን ናይ ወለደይ ጻዕርን ትወሲኽዎ ድማ ቋንቋ ትግርኛ ንክኸእሎ ሓጊዝኒ’’ ትብል።

በልስ ቶይስ ኣብዚ ግዜዚ ክልተ ባምቡላታት ኣለዎ። ቤቢ ሰላምን ቤቢ ዲዲን ይብሃላ።

ቤቢ ሰላም ኣፍሮ ፍሪዝ ጸጉሪ ዘለዋ ኮይና፡ ሕብሪ ቖርበታ ብርህ ዝበለ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ህጻናት ዝውንንዎ ሕብሪ ዝመስል እዩ። ክዳውንታ ድማ ከምቲ ባህላዊ ልብሲ እቲ ህዝቢ ብምምራጽን ነቶም ቖልዑት ምስ መሰረቶምን መበቆሎምን ንምርኻብ ካብ ነጸላን እድያት ዙርያን ተጠቒማ እያ ቅዲ ኣውጺኣትላ ። ስማ እውን ንሕጻናት ክልቲኡ ሃገራት ዝስመያሉ ስም እዩ።

ቤቢ ዲዲ ድማ ንመብዛሕቶም ኣፍሪቃዊ መበቖል ዘለዎም ህጻናት ትውክል ኮይና ድብእ ዝበለ ጸሊም ሕብርን ኩርድድ ዝበለ ተሪር ጸጉርን እትውንን ምዃናን ሳበል ተብርህ።

“ጓለይ ምስ ባምቡላኣ እያ ትድቅስ። ኣዝያ ከኣ እያ ትፈትዋ” ዝብሉን ካሎኦት ኣዝዮም እወታውያን ግብረ መልሲ ካብ ወለዲ ምርካባ ድማ ሕጉስትን ዕድለኛን እየ ትብል።

ሳቤል ንኹሎም ንመንነቶም ዝመስልን ዝውክልን ባንቡላታት ናይ ምስራሕ ጥሙሕ ዘለዎም፡ ገንዘብ ንምኽዕባት ዘይኮነስ ሓቀኛ ራኢን ባህግን ክህልዎም ትመክር።

ሳበል ኣብ መጻኢ መደባ ፡ ኩሎም ዓይነት ዓሌትን ህዝብን ዝውክሉ ባምቡላታት ከተፍርን ኣብ ኣሜርካ ናይ ባዕላ ዱካናት መሸጣ በልስ ዶልስ ክትከፍት መደብ ከምዘለዋ ትገልጽ።

ቤቢ ሰላም