20 ሰነ: መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።

እዛ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ዝኸፈሎም ውሉዳቱ ዓመት መጸ ዝዝክረላ ዕለት፣ ገና ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ሕድሮም ንምትግባር እውን መብጽዓኡ ዘሐድሰላ እዋን ‘ያ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ደምበታታ ተኸፋፊሎም፣ ብዝተፈላለየ ስምዒታትን ዝዝክሩዋ ዘለዉ ነዛ ዕለት፣ ዓመት መጸ ዝኽርን መብጻዓ ብምእታውን ጥራይ ዘይኮነ፣ ብግብራዊ ስራሕ ክሳነ ከምዘለዎ የዘኻኽሩ።

ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ገና ኣይተተግበረን ዝብሉ ዜጋታት ብወገኖም፣ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፣ ንሰማእታት ደቂ ህዝቢ ክጽውዕን ዝኽሪ ክገብርን፣ ሞራላዊ ብቕዓት ከምዘይብሉ፣ ንኩሉ ሕድሪታቶም ረጊጹ ሃገር ናብ ፍጹም ምብዳም ኣአንፊቱዋ ከምዘሎ ይገልጹ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ናጽነት ሃገሩ ንምርግጋጽ፣ ኣንጻር ባዕዳውያን መግዛእታትን ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ገጢሙ፣ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ እኳ እንተኾነ፣ ብዘተን ልዝብን ክዓርፍ ዝግብኦ ዶባዊ ግጭት ተላዒሉ ዳግማይ ናይ 10ታት ኣሽሓት ተወሳኺ መስዋእቲ ክኸፍል ተገዲዱ‘ዩ።

ኣብ ርእሲ‘ዚ‘ውን ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፡ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ብወግዒ ቁጽሮም ዘይተነግሮ ደቁ ንተወሳኺ ሞትን ስንክልናን ተቓሊዑም ኣለዉ።

ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ሕሱም ኣካዪዳ፣ ኣብ ሃገሩ ምንባር ዝሰኣነ ህዝቢ’ውን ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ዝሓልፎ ዘሎ መስገደል ሞትን ስቓይን ንምሕጻርን ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባርን፣ ብቅዋም እትምራሕን ዜጋታት ብሓርነት ዝነብሩላን ሃገር ንምውሓስ፣ ኩሉ ብሓባር ክሰርሕ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን የተሓሳስቡ።