ሓደ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ መንእሰይ ብዝተፈጸመሉ መጥቃዕቲ ከምዝሞተ ሰብመዚ ጸጥታ ብሪጣንያ ሓቢሮም።
ወዲ 15 ዓመት ኣሜን ተኽላይ ብረቡዕ ምሸት'ዩ ኣብታ ኣብ ስኮትላንድ ትርከብ ከተማ ግላስጎ ብኸቢድ ቆሲሉ ተረኺቡ።
ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ወሃብቲ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምድሓኑ ዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሞቱ ከምዝተረጋገጸን ፖሊስ ስኮትላንድ ገሊጹ።
ፍሉይ ፍጻመ ምዃኑ ዝሓበሩ ሰብመዚ ጸጥታ፡ ጠንቂ ናይቲ ቅትለት ንምፍላጥ መርመርቲ "ክፉት ኣእምሮ" ሒዞም ተበጊሶም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
"ብቕልጡፍ ዝካየድ" መርመራ ከምዝኣወጀ ዝገለጸ ፖሊስ ስኮትላንድ "ኣብ ኣፈናዊ ደረጃ" ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ዕሸል መንእሰይ ኣብ ከተማ ግላስጎ ምስ ወላዲኡ ከምዝነበርን'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ኣብ ብሪጣንያ 'መንበሪ ፍቓድ' ዝተዋህቦ ምዃኑ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ኣሜን ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ሰንት ቶማስ ኣኲዊናስ'ዩ ነይሩ። ሞቱ "ንመላእ ማሕበረሰብ እቲ ቤትምህርቲ ዘሰንበደ" ኮይኑ ከምዘሎ ርእሰመምህር ናይቲ ቤትምህርቲ ክሌር መክልናሊ ተዛሪባ።
"ኣሜን ምቕሉልን ተፈታዊን መንእሰይ ኮይኑ፡ ኣብ ሙዚቃን ሚዲያን ተገዳስነት ዝነበሮን'ዩ ነይሩ" ክትበል'ውን ትገልጾ።
"በሊሕን ዓቢ ተስፋ ዝነበሮን'ዩ ነይሩ።"

ምንጪ ስእሊ,PA Media
ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ'ውን ነቲ ወዲ 15 ዓመት ዘለዎ ናእዳን ዝተሰምዖ ሓዘንን ይገልጽ ኣሎ።
'ኪንግስወይ ኮሚኒቲ ኮነክሽንስ' ዝተባህለ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣሜን ምስ ኣባላትና ጽቡቕ ዝምድናታት ኣማዕቢሉ ዝነበረ'ዩ። ብሃንደበታዊ ሞቱ ድማ ኩላትና ኣብ ዓሚቚ ጓሂ ንርከብ" ኢሉ።
'ጀይ-ኤ-ቲ-ቪ ጎልስ ዩዝ ግሩብ' ዝተባህለ ጉጅለ መንእሰያት ብወገኑ፡ ብሞት ናይቲ ኣባሉ ዝነበረ መንእሰይ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።
እቲ ንመንእሰያት ኣብ እዋን ግጥማት ጉስጢ ናይ ፊልም ስልጠና ዝህብ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ህይወቱ ብዘሕዝን መገዲ በቲ ጉስጢ ከወግዶ ዝሕልን ጎነጽ ካባና ተመንጢሉ" ኢሉ።
"ማሕበረኮምና፡ በቲ ምሉእ ዕድሚኡ ከይጸገበ ዝኸሰርናዮ ንእሽቶ መንእሰይ ልቡ ተሰይሩ ይርከብ"።

ምንጪ ስእሊ,JATV Goals Youth Group
መርማሪት ፖሊስ ስኮትላንድ ሸሪል ከሊ ከምዝበለቶ፡ ነቲ ቅትለት ኣብ ምጽራይ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ዝተቐድሐ ቪድዮታት ኣብ ምክትታልን ገዛ-ገዛ እናኣተዉን ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ይርከቡ።
"ኣብዚ ከቢድ እዋን ሓዘን፡ ንስድራቤትን መሓዙትን ኣሜን ምጽንናዕ ንምነየሎም። ፍሉይ ሞያዊ ደገፍ ምሃቦም ድማ ክንቅጽል ኢና" ኢላ።
"ንዝኾነ ኣብቲ እዋን፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ዝነበረ ወይ ናይ መኪና (ዳሽ) ካሜራ፡ ጸጥታዊ ቪድዮ ካሜራታት (ሲሲቲቪ) ወይ ናይ ኣፍደገታት ቪድዮ ሓበሬታታት ናይቲ እዋን ዘለዎ ሰብ ከነዘራርቦ ንደሊ ኢና"።
"እቲ መልሲ ኣብቲ ማሕበረሰብ'ዩ ዘሎ" ዝበለት እታ መርማሪት፡ ዝኾነ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ናብ ክፍሊ መርመራ ፖሊስ ስኮትላንድ ከመልክት ተማሕጺና'ላ።