እስራኤል ኤርትራውያን ንምስጓግ ቀዳማይ እማመ ኣጽዲቓ፣ ኣምነስቲኸ እንታይ ኢሉ?

እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ዘኽእል ንዝቐረበሉ እማመ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ።

እቲ ብኣባል የማናዊ ሰልፊ እስራኤል ቤትኑ ዝዀነት ዩሊያ ማሊኖቭስክ ኣብ ባይቶ ቀሪቡ ዝርዝራቱ ዝተሰምዐ እማመ፡ 19 ደገፍ፡ ሸሞንተ ድማ ተቓውሞ ድምጺ ረኺቡ እዩ ጸዲቑ። ንተወሳኺ ምይይጥ ድማ ናብ ፍሉይ ኮሚቴ ባይቶ ተመሪሑ ኣሎ።

በቲ እማመ መሰረት፡ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ካብ ፖሊስን ሰብመዚ ኢምግሬሽንን ንዝረኸቦ ጸብጻብ ምርኵስ ገይሩ፡ ሓታቲ ዕቝባ ናይ ምስጓግ ስልጣን ክህልዎ እዩ። እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ነቶም ብሓቂ ኣብ ሃገሮም ክወርዶም ካብ ዝኽእል ግፍዕን ግህሰትን ዝሃደሙ ስደተኛታት፡ ካብቶም ክሳዕ ሕጂ ንመንግስቲ ዓዶም ዝድግፉ ንምፍላይ ዝዓለመ እዩ።

እቶም ነቲ እማመ ዝደገፉ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ንዘጋጠመ፡ ብዙሓት ዝሞትሉን ዝቘሰልሉን ተደጋጋሚ ግጭታት ከም ምኽንያት ጠቒሶም መጒቶም። ገለ ሓተቲ ዕቝባ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከም ዘለዎም፡ እዚ ድማ ኣብ ሕቶ ዕቝባ ስደተኛታት ጥርጣረ ዝፈጥር ምዃኑ ተኸራኺሮም።

ኣባል ባይቶ፡ ዩልያ ማሊኖቭስኪ ነቲ እማመ ኣመልኪታ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቲ ስጕምቲ ኣብቲ ተደጋጋሚ ግጭት ኤርትራውያን ዝተፈጥረሉ ከባቢ "ደቡብ ተል ኣቪቭ ጸጥታ ዘስፍን'ዩ" ክትብል ጽሒፋ።

"ጸጥታን ሰላምን ነበርቲ ደቡብ ተል ኣቪቭ ናብ ንቡር ንምምላስ ቀዳማይ ስጕምቲ'ዩ፡" ብምባል መበገሲ ናይቲ እማመ እንታይ ምዃኑ ኣሚታ።

"እዚ ሕጊ'ዚ ንሃገረ እስራኤል መዕቈቢ ደገፍቲ ናይቶም ጨቈንትን ምልካውያንን ስርዓታት ከይትኸውን ንምክልኻልን ንረብሓታት ጸጥታ ሃገር ምውሓስን ዝዓለመ'ዩ፡" ተባሂሉ እዩ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ መስርሕ ዝርከብ።

እስራኤል ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ንዝመጽእኡዋ ስደተኛታት ዕቝባን ሓለዋን ክትህብ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ዝጠቅስ እቲ እማመ፡ እቶም ስግኣት ዘይብሎም ግን ነቲ ዕድል ክወሃቦም የብሉን ይብል።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት፡ ኣልማማ ማእሰርትን ምስርጣይን ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ ግዱድ ምስጓግ ከይካየድ ብ27 ለካቲት መጸዋዕታ ምሕጽንታ ከምዘቕረበ ይዝከር።

ንህሉው ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ኤርትራ ዝዘርዘረ እቲ ትካል ኣብ መጸዋዕታኡ፡ ኣብ ነሓሰ 2024 መንግስቲ ቱርኪ ንዝፈጸሞ ምስጓግ ኤርትራውያን ከም ዝሰነደ ጠቒሱ።

ሓደ ካብቲ ንብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ክሃድሙ ዝገብሮም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናይታ ሃገር'ዩ ብምባል፡ ቱርኪ ንዓለምለኻዊ መትከላት ዘይምምላስን፡ መሰል ስደተኛታትን ጥሒሳ፡ ሕጋዊ መሰሎም ግሂሳ 180 ዝዀኑ ኤርትራውያን ክምለሱ ምግዳዳ ቅሬታኡ ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ ኣምነስቲ ኵለን ኣባል ሃገራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ምግሃስ፡ ምስርጣይ፡ ምእሳርን ብግዴታ ካብ ምምላስ ክቝጠባን ግቡአን ክዋጽኣን ጸዊዑ።