ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም፣ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየስረረንን

(ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም፣ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢስ ኣየስረረንን)ኣብ ስደት ናይ ኤርትራ ፕረስደንት መሳጋገሪ ግዝያዊ መንግስቲ፣ኣይበዝሔን ዶ ሐሸውየ እንዳደጋገምካ ትምክሕቲ።

ክሳብ ማዓስ መስሐቕ ጎዶቦ፣ጀጋኑና ተወዲኦም ዶ ዓደቦ፣ንደመኛ ህዝብና ካብ ዓንተቦ-ሸሎው ከይነብሎ ዘይነብሎ ካብቲ ጎቦ፣ኩሉ ናይ መልሐስ ጅግና ስለ ዝኾነ፣ተሳኢኑ ፈዳይ ሕነ፥ስለዚዩ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ኢሰያስ ን33ዓመታት ቅሳነት ሰኣነ፣

ዓገብ ዳግማይ ውጥም ቅልቅል፣ጥጁእ ኣጀንዳ ሕጂስ ያኣክል፣ባዕልና ንህግደፍ ንኣኽሎ፣ 
ሹዑ ቅዋማዊ ፍትሐዊ መንግስቲ ባይቶ፣ ኣብ ዓደቦና ክንተኽሎ፣ኣይረሳዕናዮን ቅንጸላ ብሰዲራ ናይ ሃዞሞ ዖና ሕርጊጎ፣ንብልጽግና ኣሚንካ ክንዚ ትነዖ፣ኣብ ግዜ ጎባጢ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ፣በሎው በሳንጃ ሳንጃው ሲሰበር፣በጥልያን ግዜ ምንብሎው ነበር፣ብፋሽሽቲ ደርጊ እንቢ ያለሶው፣ጥይት ኣጉሩሶው።

ሕልሚ ኢትዮጳያዊያን ባሕሪ
ኢትዮጵያ ኣይክነን ምንጠሪ
ያኣክል ፈኸራ ቅድሚ ግበሪ፣

ከም መራሒ ህግደፍ ሐሸውየ
ኣብ ደገ ፕረሰደንት ኤርትራ እየ
ምድግጋም ብደዔ ከም ኣባጎብየ፣

ነብሲ ይምሐር ሐርበኛ ኣይነብርንዩ፣ ስነ ጥበባዊ ተኽልንኪኤል ወዲ ገብሩ፣ኢሉና እንዶ፣ ነዚ ውን ንቋዕ ኣርከብናሉ፣እቶም ኣብ ጥራይ ጎልጎል ቱታ ትብሉ፣በታታኒ ስነ ሕሳብ መፋቐሪ ዘይኮነስ መባኣሲ፣ዓገብ እወታ ብደዔን ትምክሕትን ያኣክል ሎሚሲ፣ዝያዳና እንታይ ስለ ዝገበርካ፣ ጸረ ተቃለስቲ ውድባት ኣብ መዳያታት ወጺእካ ቶኹሲ፣ንኢሰያስ በዕልና ክንኣልዮ፣ንኢትዮጵያ ከም መንጠሪ ባይታ ክንጥቀመሉ፣ቅድመኹም ጀሚርናዮ፣ኢትዮጳያዊያን ምስ ኢሰያስ የብሎምን ባእሲ።

መለበን ኣይግበርካ መለበሚ ኣይክላእካ
ቱታ ካብ ኣመሪካ እንዳ ተማላስካ
ኣብ ኣዲኣ ኣበባ ኣኼባ ስለ ዘካየድካ
ግርም እባ ጸለመ ንብልጽግና ኣሚንካ
ኣብ ባይታ ውረድ ትምክሕቲ ገዲፍካ፣

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና ፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ንዑሳባት መረብ ምላሽ ኤርትራዊያን ኢናበሃልትን፣ብኣባል ተ፣ሐ፣ኤ፣በርሀ ዑቅባዝቢ ካብ ሃገር ጀርመን ሐደ መስከረም 2024።