እዞም ሰለስተ ኣብቲ ብዕለት 17 ለካቲት 2024 ዘጋጠመ ኣብታ ከተማን ሃገርን ስንባደ ዝፈጠረን ብባርዕ-ሓዊ ዝተሰነየን ናዕቢ ተኻፊልኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ እዮም።
ንሳቶም ግን ንዝቐረበሎም ክስታት ከምዘይቅበሉ ብጠበቓታቶም ኣቢሎም ክምጉቱ ፀኒሖም።
ቤት ፍርዲ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ጽንብል "ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ" ዝተወደበ ምንባሩ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
እቲ ዝተፈጠረ ግጭት ኣብ መንጐ ደገፍቲን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነበረ ጸብጻባት ፖሊስ የነጽር።
እቶም ተቓወምቲ ነቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ዝካየድ ኣኼባታት ንምቁራጽ ናብ ቦታ ጽንብል ድሕሪ ምኻዶም'ዩ እቲ ጎነጽ ተወሊዑ።
ሓደ ካብኦም እቲ ብፖሊስን ኣኽባር-ሕግን መራሒ ናዕቢ ናይ ብርጌድ-ንሓመዱ ተብሂሉ ዝጥቀስ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ "ጆን-ብላክ" ብዝብል ዝፍለጥ ወዲ 48 ኣቶ ዮንስ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ መጋባእያ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ'ሎ። እቲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሓሉ 6 ወርሒ ካብኡ ክጎድል ምዃኑ እቲ ብይን ይጠቅስ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦትን ሓምለ'ውን ካልኦት ዓሰርተ ኤርትራውያን ተፈሪዶም ምንባሮም ይዝከር። ሓደ ናጻ ክበሃል እንከሎ እቶም ካልኦት ነቲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሕሉ እዋን ሓዊሱ ካብ 4 ወርሒ ክሳብ 12 ወርሒ ማእሰርቲ ተበይንሎም ነይሩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መጋባእያ ቤትፍርዲ፡ ሓደ ወዲ 26 ዓመት ምስቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሖ ሓዊሱ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ክእሰር (ክልተ ወርሒ ካብኡ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ)፡ እቲ ሳልሳይ ወዲ 20 ዓመት ድማ ብተመሳሳሊ ኩነታት 150 መዓልታት ክእሰር (111 መዓልታት ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ) ዳኛ ወሲኑ።
ኣኽባር ሕጊ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ዝመስረቶ ክሲ ንኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ንኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ብዘይ ኩነት ክእሰር፡ እቲ ወዲ 26 ዓመት 6 ወርሒ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ 8 ወርሒ ንክእሰሩ ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ብዛይካ'ዚ፡ 66 ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም 87 ኣካላትን ትካላትን ዘቕረብዎ ናይ ካሕሳ ጥርዓን እቲ ቤት ፍርዲ ተቐቢልዎ ኣሎ።
እቲ ተሓቲቱ ዘሎ መሕዊ ካሕሳ ካብ 650,000 ክሳብ 700,000 ዩሮ ይግመት።
ጠበቓታት ናይቶም ሎሚ ብይን ዝተዋህቦም ክሱሳት ግን ንዝቐረበሎም ክስታትን ብምንጻግ ይግባይ ክብሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተራእየ ጎነጻዊ ተቓውሞታት ኣብ ልዕሊ'ቶም ስደተኛታት ኣሉታዊ ኣራኣእያ ህዝቢን ሰብመዚን ከምዘስዓበ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጠን ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎ ዝጸንሐን ኣቶ ሃብቶም ዮሃንስ ይገልጽ።
"ኣሉታዊ ስምዒታት ኣሎ፡ ብሕልፊ ብሕልፊ እቲ ኣብ ዕለት 17 ለካቲት ዝተፈጸመ [ጎነጽ] ውዑይ ከሎ፡ ህዝቢ ምስ ሰንበደ፡ እቶም የማናውያን ሰልፍታት ኣብ ስልጣን መጺኦም ስለዘለዉ ኣብ ሆላንድ፡ እቲ ስምዒት ዝነበረ፡ ሕጂ'ውን ኣሎ፡ ናብ ዓዶም ይመለሱ" ይብሉ ምንባሮም ኣቶ ሃብቶም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ናዕቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤትን መጥፋእቲ ሓዊን ኣእማን፡ ርችትን ካልእ ነገራት ተደርብዩ ምንባሩ ይግለጽ።
ገለ ካብቶም ኤርትራውያን በትሪ ተሰኪሞም፡ ገሊኦም ድማ ብኣእማን ኣብ ጽርግያ ክደራብዩ ከምኡ’ውን መካይን ብሓዊ ከቃጽሉ'ውን ተራእዮም ነይሮም።
እቲ ከባቢ ናብ ዓውደ ውግእ ከምዝተቐየረ መሰካኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም'ዮም።
እቶም ናዕበኛታት ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝነበረ መዐደሊ ነዳዲ፡ ንጥርሙዝ ነዳዲ ብምምላእ ሞሎቶቭ ኮክቴል ሰሪሖም ነቲ ገዶና ናብ ባርዕ ቀይሮሞ ምንባሮም'ውን ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካናዳ፡ ጀርመን፡ እስራኤል፡ ሆላንድ፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኵለን ኣብ ምትእኽኻባት ኤርትራውያን ረጽሚ ዝመልኦ ግጭታት ተፈጢሩ ነይሩ።
እቲ ህይወት መንእሰያት ክቐዝፍ ዝጸንሐ ሓድሕዳዊ ረጽሚ ንኤርትራውያን ከቢድ ስግኣትን ፍርሕን ፈጢርሎም ምህላዉ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።
እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንሰብመዚ እተን ዝርከቡለን ሃገራት ዓቢ ጸጥታዊ ብድሆ ኮይኑ ከምዘሎ ይንገር።