‘ካብዚ ዓዲ ንኽንወጽእ ሓግዙና’ - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሊባኖስ

ሳይዳ ኣብ ዝበሃል ገጠር ክትነብር ዝጸንሐት ሄለን ዝተባህለት ኢትዮጵያዊት፡ “ [ካብን ናብን ] ከንቀሳቕሰና ዝኽእል ሕጋዊ ወረቐት ዘይብልና ብዙሓት ሰባት ስለዘለና፡ ካብዚ ዓዲ ወጺእና ናብ ሃገርና ንኽንኣቱ በጃኹም ድምጺ ኵኑና” ክትብል ተማሕጺና።

እስራኤል፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ንነዊሕ እዋን ከም መቐናቕንትን ጸላእን እትርእዮ ሕዝቦላህ "ንወተሃደራዊን ፖለቲካውን መዋቕራቱ ዒላማ ዝገበረ" ኣመና ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ሊባኖስ ከተካይድ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።

ድሕሪ’ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተጕሃሃረ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ርኡይ ግጭት ከኣ እቲ ውግእ ናብ ዝሰፍሐ ከባቢ ከይልሕም ዓቢ ስግኣት ኣሎ።

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ በይሩትን ደቡባዊ ሊባኖስን ንሓያሎ መዓልታት መጥቃዕቲ ነፈርትን ከበድቲ ብረትን ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰራዊታ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ “ውሱንን ከባብያውን ዒላማ ዝገበረን ናይ መሬት ወራር” ከምዝጀመረ ኣፍሊጣ’ያ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ እቶም ኣብታ ሃገር ኣብ ከቢድ ስግኣት ዝነብሩ ዘለው ኢትዮጵያውያን ነናብ ዓዶም ክወጽኡ ዝምልከቶን ዝኽእልን ትካልን ማሕበረሰብን ክሕግዞም ከምዝደልዩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን ኣብ በይሩት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት እትርከብ ሄለን፡ “ኣብታ ሃገር እንርከብ ኵላትና ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኢና ዘሎና” ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።

ሄለን፡ ዛጊት ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ከምዝሞታን ዘይተረጋገጹ ብዙሓት ግዳያት ክህልዉ ከምዝኽእሉን ድማ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ዜጋታት እታ ሃገር፡ ብሰንኪ’ቲ ዝተፈጥረ ስግኣት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ይሃድሙ’ኳ እንተለዉ፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግን ነዚ ኣጋጣሚ ከምዘይተዓደሉ እያ ሄለን ትገልጽ።

ገሊኦም፡ 'ኣብዚ ድኳን በጺሕና ክንመጽእና ኢና፤ ኣብዚ ጽንሓና' ይብሉወን’ሞ መፍትሕ ዓጽዮመን ከምዝኸዱ፡ ገሊኦም እውን ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ሓራሳት ከይተረፋ ብዘይ መግቢ፣ ዝስተን መደቀስን ኣብ ጽርግያ ደርብዮምወን ከምዝኸዱን ግዳያት ከምዝዀናን ሓቢራ።

ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ “ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከምዘለና ይፈልጡ እዮም። ኣብ ጽርግያ ዝረኸብክወን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኤምባሲ ወሲደየን ተሓባቢሮመን። ኣብዚ ዘሎ ሓበሻ ነንሓድሕዱ ይተሓጋገዝ ኣሎ” እትብል ሄለን፡ ይዅን’ምበር እቲ ኲናት ናብ በይሩት ይዝርጋሕ ስለዘሎ ተወሳኺ ስግኣት ከምዝፈጠረ ትግለጽ።

“ኣብ ከባቢ እቲ ኤምባሲ እውን ከቢድ ብረት ስለዝወደቐ እቲ ከባቢ ውሑስ ኣይኰነን። ይዅን እምበር እቲ ኤምባሲ ብዓቕሙ ይሕግዝ ኣሎ። ንሕና’ውን ንተሓጋገዝ ኣሎና። እንተዀነ እቲ ውግእ ናባና ገጹ ይቐርብ ስለዘሎ ንፈርሕ ኣሎና!” ኢላ።

ከምቲ ሄለን ዝበለቶ ብዙሓት ስደተኛታት ሕጋዊ ፈቓድ ስለዘይብሎም ነቲ ስግኣት መሊሱ የጋድዶ ኣሎ።

“ብዙሓት ሰባት [ካብን ናብን ክንገሸሉ እንኽእል ሕጋዊ ]ወረቐት ስለዘይብልና ካብዚ ዓዲ ወጺእና ንሃገርና ንክንኣቱ ኣይንኽእልን” ክትብል ብትሪ ትምሕጸን።

እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝከኣሎ ሓገዛት ይገብረልና'ኳ እንተሎ፡ “ካብዚ ዓዲ መዓስ ኢና ክንወጽእ ኢልና ምስ ሓተትና ግን ኣይንፈልጥን ኢና እዮም ዝብሉና” ብምባል፡ ካብ ሊባኖስ ክወጽኣሉ ብዛዕባ ዝኽእላሉ ዕድላት ርግጸኛታት ከምዘይኰና ትዛረብ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብዙሓት እቶም ኣብ ሊባኖስ ክሰርሑ ዝጸንሑ ስደተኛታት ደሞዝ ስለዘይተወሃቦም ነቲ ኵነታት ከምዘጋድዶ ወሲኻ ትገልጽ።

ኣብ ሊባኖስ 12 ዓመት ዝጸንሐት ተካየ ወልዱ ብወገና፡ እቲ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝዀነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ።

ብደብዳብን ኲናትን ትሕመስ ዘላ ሊባኖስ

እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ዝነበረ ኵሉ ናብ ማእከል እታ ሃገር ገስጊሱ ከምዝመጽአ ትዛረብ ተካየ፡ “እቲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝርከበሉ ከባቢታት ንባዕሉ ኣብ ጭንቀት” ከምዘሎ እያ ትዛረብ።

“ቈልዑ ዝሓዙ ሰብ ሓዳር” ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድልየት ስለዘለዎም ኣገዳሲ ሓበሬታን ሓገዝን ንኽረኽቡን ትምሕጸን።

ቢቢሲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ በይሩት ንዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ወኪሉ ይሰርሕ ከምዘሎ ንዝገለጸ በዓልስልጣን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ሓቲቱ ነይሩ።

ሽዑ እቲ በዓል ስልጣን “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣዛርቡዎም” ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ካልእ ሓበሬታ ክህብ ሓላፍነቱ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

ኣብ በይሩት ዝርከብ እዚ ቆንስል፡ ኣብ ሊባኖስን ከባቢኡን ዘሎ ስግኣት ጸጥታን ውጥረትን “ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሐሰመ” ከምዝመጽአ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ።

እቲ መልእኽቲ፡ ‘ኢትዮጵያውያን ዒላማ መጥቃዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።’ ተባሂሎም ካብ ዝጥርጠሩ ቦታታት ክርሕቁን፡ ብመንግስቲ ሊባኖስ ንዝወሃቡ መምርሕታት ክትግብሩን ከኽብሩን ከም ዝግባእ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ሳልስቲ እስራኤል፡ ኣንጻር ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ናይ ኣጋር ወራር ጀሚራ ኣላ። እስራኤል ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክትፍጽም እዚ ንመጀመርታ ግዜኣ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ዘካየደቶም ዝተፈላለዩ ወፍርታት እውን ዝተፈላለየ ሳዕቤናት ከምዘኸተለ እዩ ዝንገር።