ቅዋም ኤርትራ፡ ‘ንዘለናዮ መድረኽ ዘይበቅዕ ዝሞተ’ ዝተባህለ ስለምንታይ'ዩ? ቀንዲ ትሕዝቶኡ ኸ?

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ኣብዚ መዳይ ዝዀነ ግብራዊ ምምሕያሽ ኣየርኣየን። ኣብ 1998 - 2000 ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጥታዊ ዶባዊ ኲናት ኣትዩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኵነተ-ኲናት ተጸሚዱ፡ ንዅሉ ጽላታት - ብፍላይ ከኣ ፖለቲካዊ ህንጸት እታ ሃገር ሓሊኹ ሒዝዎ እዩ።

ኣብዚ ውሽጢ እዚ ዓመታት ዝተራየ ዓበይቲ ምንቅስቓሳት ተቓውሞ ድማ፡ ሕቶ ቅዋም ማእከል ዝገበረ ኰይኑ፡ ከም ዓቢይ ገበን ተቝጺሩ ከም ሕሱም ተጨፍሊቝ እዩ።

እቲ ኣብ 2000-2001፡ በቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ኣባላት ባይቶን ጀነራላትን ዝርከብዎ ጕጅለ-15 ዝቐረበ ሕቶ፡ ብማእሰርቲ 11 ካብኦምን ጋዜጠኛታት ብሕትን ተዓፊኑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ 24 ግንቦት 2014፡ ልክዕ ቅድሚ 10 ዓመት፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኵሮ ተማሂርና፤ ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና ክብል ተሰምዐ። ድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ድማ፡ እቲ ቅዋም ከምዝሞተን፡ ነቲ እታ ሃገር ትኣትዎ ዘላ ሓድሽ ዝበሎ መድረኽ ዝሰማማዕ ቅዋም ይንደፍ ከምዘሎ ገሊጹ። 10 ዓመታት ሓሊፉ እቲ ዝተባህለ ቅዋም ይዅን ተመዲብሉ ኣሎ ዝተባህለ ኣካልን ኣይተራእዩን። በዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ እንኮ ቅዋም ኣልቦ ዝዀነት ሃገር ኰይና ትቕጽል ኣላ።

ንምዃኑ ግን እቲ ብ23 ግንቦት 1997 በቲ 548 ኣባላት ዝነበርዎ ቅዋማዊ ባይቶ ዝጸደቐ፡ ሸውዓተ ምዕራፋትን 59 ዓንቀጻትን ዝሓዘ፡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብዝወሰደ መስርሕ ዝተነድፈ ቅዋም ትሕዝቶኡ እንታይ ይመስል? ብዛዕባ ስልጣን ፕረዚደንትን ባይቶን እንታይ ይብል? ስለምንታይከ "ሞይቱ" ተባሂሉ?

መቕድም

እቲ ቅዋም፡ እዞም ብናይ ሓባር ቃልሲ ንመሰልናን ሓደ መጻኢናን ስሙር ሃገር ዝዀንና ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሉ መትከላት ብምቕማጥ፡ ‘ንህይወትናን ህይወት መጻኢ ወለዶታትናን ዝሰርዕን ዝገዝእን ፍትሕን ሰላምን ዘንግስ ኣብ ሰላምን ዲሞክራስያዊ ሓድነትን እተሰርተ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዘንግስ ቅዋም ከም ኪዳን ኣብ መንጐናን እብ መንጐ እቲ ብፍታውና እነቝሞ መንግስቲናን ክኸውን ብምድላይ፡ ብመገዲ ቅዋማዊ ባይቶ ሎሚ 23 ግንቦት 1997 ነጽድቘ ኣለና፡ ይብል።

እቲ ክሊ ግዝኣት ሃገረ ኤርትራን ኣነጺሩ ኣቐሚጡ ዘሎ ሰነድ ኣብታ ሃገር ልኡላዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ብምድንጋግ፡ እቲ ነዚ ህዝባዊ ልኡላዊ ስልጣን ወኪሉ ስልጣን ዝሕዝ መንግስቲ፡ ኣሳታፍን ብቝዕን ትካላት ብምህናጽ፡ መሰረት ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ይኸውን ይብል።

እቲ ኣብዚ ዓንቀጽ ሰፊሩ ዘሎ፡ ‘ኤርትራ ብኣሃዱኣዊ መንግስቲ ናብ ዞባዊ ምምሕዳራት ተኸፋፊላ ትመሓደር፡ እተን ዞባዊ ምምሕዳራት ዝህልወን ኣቃውማን ስልጣንን ብሕጊ ይውሰን፡ ዝብል ኢና ንረክብ።

እዚ ቅዋም ቅድሚ ምጽዳቝ ይዅን እምበር ኣቐዲሙ ዝተገብረ ኰይኑ፡ ኤርትራ፡ ብሓደ ማእከላይ መንግስቲ እትምራሕ፡ ኣብ ሽዱሽተ ዞባዊ ምምሕዳራት ተኸፋፊላ እያ ትመሓደር። እተን ዞባታት ድማ ኣቐዲሙ ዝተደንገገ ስልጣን ኣለወን።

ብዝተወሰነ መልክዑ መረጻታት ባይቶ ዞባታት፡ ኣነባበርቲ ዓዲን ዝኣመሰሉ ይካየድ እዩ። እንተዀነ መረጻታት ክብ እናበለ ኣይከይድን። ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ንኡስ ዞባታትን ዓዲታትን ድማ ብሓፈሻ ነቲ ስርዓት እሙናት ዝዀኑ፣ ኣቐዲሞም ተጋደልቲ ወይ ሓፋሽ ውድባት ዝነበሩ ካድራት እዩ ዝወሃብ። ስለዚ ብሓፈሻ ህዝቢ ነቲ ልዑላዊ ስልጣኑ ዝተባህለ ዘለዎ ዋንነትን ቍጽጽርን ዳርጋ ዘየለ እዩ።

ገበር ቅዋም ኤርትራ

ልዕልና ቅዋም

ኣብ ምዕራፍ ሓደ ኣገደስቲ መትከላት ኣብ ዛዕባ ልዕልና ቅዋም ኣቐሚጡ ኣሎ።

‘እዚ ቅዋም ሕጋዊ መግለጺ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ፡’ ብምባል ነቲ ኣቐዲሙ ዝደንገጐ፡ ልኡላዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ዝጠቅስ ንኡስ ዓንቀጽ፤ ብመሰረት እቲ ቅዋም ብሕጊ ዝተዋሕሰ ልኡላውነት ከምዘለዎ የመልክት።

ቅዋም ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ከኣ፡ መንግስቲ፡ ትካላት፡ ማሕበራትን ዜጋታትን ሓላፍነት ይስከሙ እዩ ዝብል።

ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ’ውን፡ እቲ መረጻ ‘ኣነባበርቲ ዓዲ’ ባይቶታት ዞባን እምበር ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ስለዘይበጽሕ፡ እቲ ዝርካቡ ኣብ ገለ እዋን ዝነበረ ባይቶ’ውን ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ንጡፍ ስራሕ ስለዘየለ፡ ነቲ መንግስቲ ቀሪቡ ተሓታቲ ዝገብረሉ፡ መገዲ ዳርጋ የለን።

እቲ ኣብ ታሕተዋይ መሳልል ምምሕዳር ዝግበር ህዝባዊ ኣኼባታትን ርክባትን፡ ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ንኣሽቱ ምምሕዳራዊ ጉዳያትን እምበር፡ ዓበይቲ ፖለቲካዊ፡ ሕጋዊን፡ ማሕበራዊን ጉዳያት ዝእንገደሎም መድረኻት ጌርካ ክውሰዱ ኣይክእሉን።

ዓንቀጽ 3 ናይዚ ምዕራፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ዝምልከት ድንጋገ እዩ ኣስፊሩ ዘሎ። ኣብዚ፡ ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ወይ ኤርትራዊ ኣደ ዝተወልደ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ብትውልዲ ምዃኑ የነጽር። ዜጋታታት ካልኦት ሃገራት ግን ሕጊ ብዝውስኖ መሰረት ኤርትራዊ ዜግነት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ይድንግግ። ነዚ ዝምልከት ቅጥዒን ዝርዝራትን ድማ ብሕጊ ከምዝውሰን ይገልጽ።

እዚ ይዅን እምበር ኣዋጅ ሕጊ ዜግነት ኤርትራ፡ ከም ካልኦት ብዙሓት ኣዋጃትን ሓጋጋትን እታ ሃገር ቅድሚ እዚ ቅዋም ምጽዳቝ፡ ኣብ እዋን ረፈረደም ዝተሰርሓሉ ኣዋጅ ኣሎ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ንሃገራዊ ትእምርቲታትን ቋንቋታትን፡ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘስፈሮ ንኡስ ዓንቀጽ፡ ሕብሪ ባንዴራ ገሊጹ ኣሎ። ትሕዝቶኡ ብሕጊ ከምዝውሰን’ውን ኣስፊሩ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ንሃገራዊ መዝሙርን፡ ማዕርነት ኵሉ ቋንቋታት ኤርትራ’ውን የነጽር።

ኣብዚ መዳይ፡ ካብተን ነዊሕ ዕድመ ዘለወን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ሕቶ ቋንቋን ሕጋዊ ቅዋማዊ ኣፍልጦ ብሄራትን፡ ሕቶ ኣልዒሎም ይነቕፉ። ኵለን ቋንቋታት ማዕረ እየን ንዝብል ዓንቀጽ ንኣብነት ኣሻማዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ግቡእ ማዕርነት ብግብሪ ንምርግጋጽ፡ ትግርኛን ዓረብን ከም ወግዓዊ ቋንቋታት ኤርትራ ኰይኖም ክወጽእ ይሓቱ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ብሄራት ኤርትራ’ውን ከም ባህላዊ መንነት ደኣ እምበር፡ ኣብቲ ቅዋም ፖለቲካዊ ኣፍልጦ የብለንን፤ ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ እዩ ዝገልጽ። እዚ ኣፍልጦ ዘይምህላው ድማ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ዲሞክራሲ’ውን እንተዀነ ድምጺ ብዙሓት ስለዘብልሎ፤ ‘ውሑዳን ብሄራት ክንህሰ ኢና’ ዝብል ስክፍታ ይስማዕ እዩ።

ሃገራዊ ዕላማታትን መራሒ መትከላትን

ምዕራፍ ክልተ ቅዋም ኤርትራ፡ ‘ሃገራዊ ዕላማታትን መራሒ መትከላትን’ ብዝብል ዝተገልጸ እዩ። ኣብ ትሕቲ’ዚ ምዕራፍ፡ ‘ሃገራዊ ሓድነትን ርግኣትን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓንቀጽ፡ ‘ሓድነት ኣብ ብዙሕነት’ ዝብል መትከል መራሒ ምዃኑ ይገልጽ።

ነዚ ስዒቡ፡ መንግስቲ ብተሳትፎ ኵሉ ዜጋ ብዲሞክራሲያዊ ልዝብን ሃገራዊ ሓባራዊ መረዳእታን ብምምዕባልን፡ ናይ ሓድነትን ማሕበራዊ ስኒትን ድልዱል ፖለቲካውን ባህላውን ሞራላውን ሰረት ብምህናጽ፡ መሰረት ሃገራዊ ርግኣትን ምዕባለን የደልድል’ ዝብል ንኡስ ዓንቀጽ ሰፊሩ’ሎ።

ብተወሳኺ፡ ሃብቲ መሬት፡ ማይ ባሕሪን ኣየርን ቀጻልነት ብዘለዎ፡ ንረብሓ ህሉውን መጻእን ወለዶ ብዘረጋግጽ መገዲ መንግስቲ ከመሓድር፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ምሕላው ከባቢኡ ክሳተፍ ይእዝዝ።

እቲ ብዘይተሓታትነት ብመንግስቲ ተባሒቱ ዘሎ ክቡር መዓድናት ዝርከቦ ሃብቲ እታ ሃገር ብዙሕ ከዛርብ ዝስማዕ ኰይኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ፡ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ካብ ዕደና ዝርከብ ይዅን ካልእ ሃብቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ሃገራዊ ትረዠሪ ከምዘይፍለጥን ብመገዲ እቲ ፕረዚደንትን ሓላፊ ቍጠባዊ ትካላት ህግደፍ ሓጐስ ገብረሂወትን ጥራይ ከምዝመሓደር ኣምሪሩ ዝገለጾን ኣብ መጽሓፉ ከምዘስፈሮ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ,SHABAIT

መግለጺ ስእሊ,ቅድሚ 10 ዓመት፡ ብ 24 ግንቦት 2014 እቲ ፕረዚደንት ንቕዋም ኣልዒሉ ተዛሪቡ ነይሩ

ናጻ ፍርዳዊ ኣካል

ኣብ መትከላትን ኣምራትን ሕጊን ፍትሕን ዝተመርኮሰ ናጽነትን ብቕዓትን ፍርዳዊ ትካላት’ውን ሓደ ካብ ዓበይቲ ትሕዝቶታት እቲ ቅዋም’ዩ።

ብቐጥታ ተሓታትነቱ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝዀነ፡ ኣብ 1996 ኣቢሉ ብኣዋጅ ዝቘመ ‘ፍሉይን ወተሃደራዊን ቤት ፍርዲ’፡ ብዘይሞያውያን ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዝምራሕ ቤት ፍርዲ፡ መጋበሪ እቲ ስልጣን ብምዃን ፍትሒ ኣብ ምዝባዕ፡ ስቓይ ኣብ ዜጋታት ብምውራድን፡ ብሓፈሻ ነቲ ፍርዳዊ ስርዓት እታ ሃገር ዝሃሰየ ትካል ምዃኑ ክኢላታት ሕጊ ከማርርሉ ዝጸንሑ ጉዳይ’ዩ።

ብዓቢኡ ግን ዘይምትግባር ወይ ዘይምህላው ናይቲ ቅዋም፡ ካብ ዝሃሰዮም ዝዓበዩ ትካላት መንግስቲ/ሃገር ነቲ ፍርዳዊ ትካል ምዃኑ ይፍለጥ።

ብመሰረቱ ቅዋም ንናጽነትን ዘይሻራውነትን ኣብያተ ፍርዲን ዳያኑን ስለዘውሕስ፡ እዚ ድማ ቅዋም ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ንምትግባሩ ፍጹም ስለዘይከኣልን እዩ። በዚ ድማ፡ ኣብያተ ፍርዲን ደያኑን ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቍጽጽር ፈጻሚ ኣካል ዝኣተዉሉ ኵነታት እዩ ዝርአ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብታ ሃገር ከምዘሎ ዝንገር ኣማኢት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ምክትታልን ቍጽጽርን ብቅዋም ዝቐውም ዋና ኣኽባር ሕጊ ክኸውን ዝከኣል ኣይኰነን።

እዘን ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ይዅን ሚኒስትሪ ፍትሒ ዘይፈልጦ ኣሰራርሓ ዘለወን ብወተሃደራት ዝመሓደራ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ጉዳያት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ሲቪላዊ ጉዳያት ኢደን ብምእታው ፍርዲ ዘሕልፋሉ፡ ሰብ ዝኣስራሉ፡ ወግዓውያን ኣብያተ ፍርዲ ንዝህብዎ ውሳነ ብምስራዝ ካልእ ፍርዲ ዝህባሉን ክንዮኡ ዝኸይድ ስጕምትታት ዝወስዳሉ ኵነታት ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ።

እዚ ድማ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ቅዋማዊ መሰላት ክሱስ ዝጥሕስ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሕጊን ኣብ ፍትሒን ምትእምማን ክስእን ዝገበረ ዓበይቲ ስኑድ በደላት ምዃኑ ይግለጽ።

መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ግቡኣትን

ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓንቀጻት ዝሓዘ ሳልሳይ ምዕራፍ ቅዋም ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ዘለዎም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዝርዝር ኣቐሚጡ ኣሎ።

ኣብዚ ዓንቀጻት፡ መሰል ህይወትን ናጽነትን፣ መሰል ሰብኣዊ ክብረት፣ ማእሰርትን ቀይድን ፍትሓዊ ፍርድን፣ መሰል ብሕትና፡ ሓርነት ሕልና፡ እምነት፣ ምግላጽ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ ምእካብን ምውዳብን... ዝብሉ መሰላት ብሕጊ ኣስፊሩ’ሎ። ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ግቡኣትን፡ እቶም መሰላት ዝድረቱሉ ኵነታትን ከኣ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ መሰላት ብዝርዝር ዝተጠቕሱ፤ ዝዀነ ሰብ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ህይወቱ ኣይስእንን፣ ንዝዀነ ሰብ ብዘይግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ምእሳር ወይ ምቕያድ ኣይፍቀድን፣ ዝዀነ ሰብ ገበን ፈጺሙ ኣብ ዝተባህለሉ እዋን፡ ኣብ ግብሪ ብዘይወዓለ ሕጊ ኣይቅጻዕን እሱር ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ወይ ብቅቡል ምኽንያት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክቐርብ፤ ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ክተሓዝ ኣይክእልን።

ኵሉ ሰብ ናይ ሓሳብ፡ ናይ ሕልናን እምነትን ሓርነት መሰል ኣለዎ፣ ኵሉ ሰብ ናይ ምዝራብ፡ ሓሳብ ምግላጽ፡ ፕረስን ካልኦት ማዕከናትን መሰል ኣለዎ፣ ኵሉ ዜጋ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ፣ ኵሉ ሰብ ዝዀነ ሃይማኖት ናይ ምኽታልን ምዝውታርን መሰል ኣለዎ፣ ኵሉ ዜጋ ኣብ መላእ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስን ናይ ምንባርን መሰል ኣለዎ፣ ኵሉ ዜጋ ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእን ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስን ፓስፖርትን ካልእ ሰነዳት መገሻን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ... ዝብልን ካልእን ብዝርዝር ተቐሚጡ ኣሎ።

ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ኣብ ዘንበልበለትሉ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ተባሂላ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ምስተጸንበረት፡ ህዝቢ ልዑላዊ ስልጣኑ ክጭብጥን ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከልን ካብቲ ብቐዳምነት ትጽቢት ዝተነብሮ እዩ ነይሩ

ኣብዚ ምዕራፍ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ መሰላትን ሓላፍነታትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓንቀጽ መበል 21 ሰፊሩ ዘሎ መሰላት ግን፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ መሰላትን ብመንግስቲ ዝግበር ደሓን ዝዀነ ጻዕሪታት ዝረኣየሉ መዳይ ምዃኑ ይንገር።

ኣብዚ ዜጋታት ዘለዎም ማዕረ ተጠቃምነት ኣብቲ ብመንግስቲ ዝወሃብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ትምህርቲ ጥዕናን ባህሊን ካልእ ኣገልግሎታትን ሰፊሩ’ሎ፤ መንግስቲ ድማ ነዚ ንምውዳድ ዝከኣሎ ጻዕሪ ይገብር፤ ይብል።

ዜጋታት ኣብ ምክልኻል ሃገርን ተሳታፍነት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእን’ውን እቲ ቅዋም ሰፊሩ’ሎ።

ካብዚ ምዕራፍ ከይወጸ ድማ እቲ ቅዋም ነቶም ክብ ኢሎም ዝተዘርዘሩ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዝድረተሉ ኵነታት ኣቐሚጡ ኣሎ።

እዚ ድማ፤ ‘ንረብሓ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ንህዝባዊ ድሕነት፡ ንቝጠባዊ ድሕነት ሃገር፡ ገበንን ዕግርግርን ንምክልኻል፡ ወይ መሰልን ሓርነትን ካልኦት ንምዕቃብ ተባሂሉ መሰላት ክድረቱ ከምዝኽእሉ የመልክት። ኰይኑ ግን ፈጺሞም ዘይንክኡ መሰላት ከምዘለዉ ድማ ኣነጺሩ እዩ። ‘ድሕነት ሃገር፡ ጸጥታን ርግኣትን መንግስቲ፡ ብሰንኪ ኲናት ይዅን ባህርያዊ ኵነታት ኣብ ሓደጋ ምስዝኣቱ፤ ፕረዚደንት ኣብ መላእ ሃገር ወይ ኣብ ገለ ክፋል፤ እዋን ህጹጽ ኵነታት ክእውጅ ከምዝኽእል ይድንግግ።

እዚ እዋን ህጹጽ ኵነታት ዝእወጀሉ መስርሕን ኣገባብን ንውሓት ግዜን ኣብቲ ቅዋም ብንጹር ሰፊሩ’ሎ። እንተዀነ ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ዶባዊ ኲናት፡ ንዝሓለፈ 26 ዓመታት ኣብ ሃዋሁ ዘይእዉጅ ‘ህጹጽ እዋን ሓደጋ’ እያ ትነብር። እዚ ዝዀነሉ መስርሕ ብዘየገድስ፡ እቲ ንሽዱሽተ ወርሒ፤ ክናዋሕ እንተዀይኑ’ውን ደረት ዝነበሮ ኵነታት እዋን ሓደጋ፡ ቅጥዒ፤ ሕጊን ኣገባብን ብዘይሓለወ መልክዑ፡ መሰል ዜጋታት እታ ሃገር ደሪቱ ጥራይ ዘይኰነስ ዳርጋ ንዅሉ’ቲ ቅዋም ኣብ ዓንቀጻቱን ንኡስ ዓንቀጻቱን ዘስፈሮ መሰላትን መትከላትን ምሉእ ብምሉእ ግሂሱ እዩ።

ሃገራዊ ባይቶ

ራብዓይ ምዕራፍ ቅዋም ኤርትራ፡ ምሉእ ብምሉእ ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ እዩ ዝገልጽ። እቶም ኣብዚ ምዕራፍ ሰፊሮም ዘለዉ ሸሞንተ ዓንቀጻትን ንኡሳን ዓንቀጻትን፡ ንውክልና ህዝቢ ኣብ ባይቶ፣ ኣቃውማ፡ ዕማማትን ስልጣንን፣ ኮሚቴታት ባይቶ፡ ኣቦመንበርነት ባይቶ፡ ግቡኣትን ሓለፋታትን ኣባላት ወዘተ ብዝርዝር ዘስፈሩ እዮም።

ሃገራዊ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል መንግስቲ ኮይኑ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል ናይ ምቁጽጻር፡ ሃገራዊ ባጀት፡ ሽመት፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ስምምዓት ናይ ምጽዳቕ ስልጣን ኣለዎ። እቲ ባይቶ ፕረዚደንት ክመርጽ ብክልተ-ሲሶ ድምጺ ከውርድ ሓላፍነትን ስልጣንን ኣለዎ።

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ግን ንዝሓለፉ ልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ንጡፍ ስራሕ ስለዘየለ፡ ኣየናይ ሸነኹ ይትግበር ኣየናይ ጐዲሉ ዝበሃል ቍመና የብሉን።

ፈጻሚ ኣካል

ሓሙሻይ ምዕራፍ ነቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ካቢነ ሚኒስተራት ዝርከብዎ ኣካላት መንግስቲ፡ ኣመራርጻኦምን ዘለዎም ስልጣንን ሓላፍነትን ግቡኣትን ብዝርዝር ኣስፊሩ’ሎ።

ኣብቲ ንፕረዚደንት ዝምልከት ዓንቀጻትን ንኡስ ዓንቀጻትን፡ ፕረዚደንት - መራሒ ሃገርን መንግስትን ምዃኑ፡ ንብቕዓቱን ዜግነቱን ዝምልከት፡ ዕድመ ስልጣኑ - ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ዝትከኣሉ ኣገባባት፡ ዕማማቱ፣ ድሕሪ ምብቃዕ ዕድመ ስልጣኑ ዝህልዎ ሓለፋታት ዝምልከት ዝርዝራት ዘጠቓልል እዩ።

በዚ መሰረት፡ “ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ማዕረ እቲ ዝመርጾ ሃገራዊ ባይቶ ንሓሙሽተ ዓመት ይኸውን. . .ሓደ ሰብ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ንፕረዚደንትነት ኣይምረጽን” ይብል። እቲ ፕረዚደንት “ብትውልዲ ኤርትራዊ ዜጋ ክኸውን ኣለዎ”።

ድንጋገታት

ኣብ መወዳእታ ሻውዓይ ምዕራፍ ቅዋም ኤርትራ፡ ሓሙሽተ ዓንቀጻት ዝተፈላለዩ ድንጋገታት ኣስፊሩ’ሎ። ኣብዚ ጠቕላሊ ኦዲተር፣ ሃገራዊ ባንክ፣ ምምሕዳር ሲቪላዊ ኣገልግሎት፣ ኮሚሽን ምርጫ፣ ምምሕያሽ ቅዋም ሰፊሮም ኣለዉ። ኣብዚ ምዕራፍ ተዘርዚሮም ካብ ዘለዉ ገሊኦም ዓንቀጻት፡ ኮሚሽን ምርጫን ምምሕያሽ ቅዋምን ምሉእ ብምሉእ የለውን። ኣብቶም ካልኦት ሰለስተ ቀዳሞት ግን ብከፊል ዝትግበር ዕማማት ኣሎ።

ነቲ ቅዋም ዘጽደቐ 548 ኣባላት ዝሓቖፈ ቅዋማዊ ባይቶ፡ 75 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ፡ 75 ወከልቲ ዳያስፖራ፡ ከምኡ’ውን 75 ኣባላት መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ዝርከብዎም ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተመርጹ ወከልቲ ዝነበርዎ’ዩ።

‘ንዘለናዮ መድረኽ ዝበቅዕ ኣይኰነን’ ዝተባህለ ግን ስለምንታይ ይኸውን?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቃለመጠይቕ እናካየደ

ምንጪ ስእሊ,SHABAIT

መግለጺ ስእሊ,ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ 'ሓድሽ መድረኽ ንኣቱ ስለዘለና፣ ንዕኡ ዝበቅዕ ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና' ኢሉ ነይሩ

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ቅድሚ 10 ዓመታት ንቅዋም ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ኣብዚ ሰነድ እዚ ዝሰፈረ፡ ብፍላይ እቲ ቀንዲ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ዝርዝራት፡ ንምምሕዳሩ ዘስርሖ ከምዘይኰነ እዩ። ብፍላይ እቲ ምስ ሰብኣዊን ፖለቲካውን መሰላትን ሓርነታትን፡ ደረት ስልጣናትን ተሓታትነትን፡ ናጽነትን ዘይሻራውነትን ፍርዳዊ ኣካላት ዝኣመሰሉ መትከላትን ድንጋገታትን፡ ንስርዓት ኤርትራ ዘይምቹኣት ምዃኖም ተንተንቲ ይገልጹ። እንተዀነ ስለምንታይ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ክጸድቕ ተገይሩ? ዝብል ሕቶ ኸኣ ይስዕብ እዩ።

ቅዋም ኤርትራ ዝተነድፈሉ እዋን፡ ኣብ 90ታት ኰይኑ፡ ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ እቲ ብኣሜርካ ዝምራሕ እንኮ ቀጽራዊ - ኒዮሊበራላዊ - ስርዓተ ዓለም ነጊሱሉ ዝነበረ እዋን ምንባሩ ብምጥቃስ፡ እቶም ድሕሪ ነዊሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ ኤርትራ በቲ ሽዑ ገዛኢ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ንሱ ዝጠልቦ ሊበራላዊ መትከላት ክጽለዉን፤ ካልእ ኣማራጺ ዘይነበረሉ እዋን ምዃኑን ምሁራት ይትንትኑ።

ደሓር ግን፡ ድሒሮም ዝተኸስቱ ዓበይቲ ውሽጣዊን ዓለማውን ኵነታት ነቲ መድረኽ ከምዝጸለውዎ ይእመን።

ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ኲናት፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተፈጥረ ተቓውሞ ጕጅለ-15፡ ነቲ ትግባረ ቅዋም፡ ምርጫን ካልእ ዝሓተተ፡ ብሓፈሻኡ ነቲ ሊበራላዊ መትከላት ዝደፍእ ዝነበረ ወገን፡ ካብቲ መንግስቲን ግንባርን ከምዝጠፍእ ገይሩ እዩ።

ነዚ ከም ምኽንያት ዝወሰደ መንግስቲ ድማ፡ ብድሕሪ’ዚ ዝያዳ ምልካዊ ወተሃደራዊ እናዀነ፤ ካብቲ ኣማዕቢልዎ ዝነበረን ተስፋ ዝተነብሮ ሊበራላዊ ሓሳባት ድማ ኣዝዩ እናረሓቐ ክኸይድ ተራእዩ። ስለዚ እዚ ኣብቲ ቅዋም ሰፊሩ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ዝኣመሰሉ ዝርዝር መሰላትን ከምዘይምችኦ እናነጸረ ከይዱ።

እቲ ኣብ ዓለም ነጊሱ ዝነበረ ሊበራላዊ ኣተሓሳባ ድማ ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን፤ ዝናኡ እናሃሰሰ፡ ኣማራጺታት ንኽናደ ዕድል ከፊቱ።

ኣብዚ እቲ ክጥቀስ ዝግብኦ፡ እቲ ጉዳይ ቅዋም ብደረጃ ፕረዚደንት ብዕሊ ዝተላዕለሉ እቲ እዋን እዩ። እዚ መግለጺ ድሕሪ ናይ 2013 ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ፎርቶ ዝመጸ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቲ ዝተላዕለ ሕቶታት ትግባረ ቅዋም ስለዝነበረ፡ ንዑኡ ምርኩስ ጌርካ ነቲ ቅዋም ሓንሳብን ንሓዋሩን ምቕታሉ ኰይኑ፡ ኣብ ወረቐት እንከሎ ከምዝሞተ ዝገለጸሉ እዩ። ነቲ ብንጹር ዘይተገልጸ፤ ‘ምስቲ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ መድረኽ’ ዝሰማማዕ ቅዋም ክንደፍ እዩ ዝተባህለ፤ ትሕዝቶኡ ምስ ባህሪ እቲ ስርዓት ኣዛሚድካ ክግመት ይከኣል ይኸውን፤ ብዙሕ’ውን ተባሂሉ እዩ። ንሱ’ውን ዝዀነ ይዅን 10 ዓመታት ሓሊፉ'ውን ዝዀነ ሰነድ ኣይተራእየን፤ ኤርትራ ድማ ሕጂ’ውን ቅዋም ኣልቦ ሃገር ኰይና ትቕጽል ኣላ።