ኣብ ዶባት ትግራይ-ኤርትራ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ገለ ካብቶም ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ ገለ ከባቢታት ትግራይ ከም ዘንሰሓበን ዶባት ከም ዝተኸፈተን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክገልጹ ቀንዮም።

ቢቢሲ ኣብቶም 'ሰራዊት ኤርትራ ለቒቑ ይወጽእ ኣሎ' ዝበሃሉ ከባቢታት ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ንምርግጋጽ ገለ ምንጭታቱ ተወኪሱ።

በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ ዛላምበሳ፡ ራማ፡ ሸራሮን ከባብታት ባድመን፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታትና ተወኪስና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ትግራይ ከምዘይወጹ የመልክት።

ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ምብራቕ ትግራይን ገለ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብን ተቘፃፂሮም ከም ዝርከብ ሰብመዚ ትግራይ ክኸሱ ፀኒሖም እዮም። ነዚ ክስታት ዝነፅግ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣቱ ከምዝርከብ እዩ ደጋጊሙ ዝገልፅ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ መስመር ዛላምበሳ ሓዊሱ ገለ ከባቢታት ዶብ ከምዝተኸፍቱ'ውን ብሰፊሑ ክዝረብ ቀንዩ ኣሎ።

ካብ ከባቢ ዛላምበሳ ዘዘራረብናዮ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዓድግራት ናብ ዛላምበሳ ኣብ ዘእቱ መስመር 'እንዳ ቀሺ ዑቕቡ' ወይ ድማ 'ዓዲ በዓል ስዋ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ዘርጊሕዎ ዝፀንሐ መፈተሺ ኬላ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ግንበት 2017 [ግ] ከም ዘልዓሎ ገሊፁ።

ቅድሚኡ፡ በዚ መስመር ዝሓልፉ ሰባት ኰነ መጓዓዝያ ብሰራዊት ኤርትራ ተፍትሽ ተገይርሎም ናብ ከተማ ዛላምበሳ ይሓልፉ ወይ ይጓዓዙ ከምዝነበሩ እቲ ሓላፊ ይዛረብ።

ይኹን'ምበር፡ ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ዘይኮነስ፡ ዋላ እቲ ኬላ እንተተልዓለ፡ ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝርከቡን ከም ዘየንሰሓቡን እቲ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ።

"ኣብዚ መስመር ሰብ ኰነ መኪና ክኣትዉ ክወፅኡ እንከለዉ ፍተሻ ነይሩ'ዩ። ሕዚ እዚ ኬላ እዚ እዩ ተላዒሉ። ካብዚ ወፃኢ ግና ካልእ ዝተፈለየ ምዕባለ የለን። ካብ ዓድግራት ክትኣትዊ እንከለኺ ኣብ ዘሎ ፀጋማይ መስመር ኩሉ፡ [ወተሃደራት ኤርትራ] ኣለዉ እዮም" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝባን ሑፃ፡ ኣብ ዛላምበሳ ድማ ዓዲ-ሓቂ፡ ኣዲስ-ኣለም (ገለ ክፋል)፡ ዓዲ-ዓሰርተ፡ ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ከምኡ'ውን ኣብ ወሰና ወሰን ኢሮብ ከም ዝርከቡ እቲ ሓላፊ ንቢቢሲ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ካብ ዛላምበሳ ኣስታት 20 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ፋፂ ካብ 2016 [ግ] ጀሚሩ ኬላ በዓልስልጣን ኣታዊን ጉምሩክን ኢትዮጵያ ስለ ዘሎ "ኣብ ዶብ ስሩዕ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ምግባር ኣይከኣልን" ድማ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናውን እንትፈራረሙ

ምንጪ ስእሊ,AFP

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ከ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሸራሮን ራማን እውን፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ተመሳሳሊ ምዃኑ ይዛረቡ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ባድመ ተመዛቢሉ ኣብዚ እዋን ኣብ ሸራሮ ዝርከብ ካልእ ምንጭና፡ ሰራዊት ኤርትራ ሰምበል ካብ ዝበሃል ከባቢ ጀሚሩ ኣብ ባድመን ካልኦት ከባቢታትን ከም ዝርከብ ሓቢሩ።

ህዝቢ 'ኰን ደኾን ሰላም ይመፅእ እሞ ናብ መረበትና ንምለስ' ዝብል ተስፋ እኳ እንተሃለዎ፡ ኣብዚ እዋን ግና ካብቲ ልሙድ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ወፃኢ ዝተፈለየ ሓድሽ ምንቅስቓስ፣ ምንስሓብ ሰራዊት ኰነ ምኽፋት ዶብ ከም ዘይተዓዘበ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ክሳብ ሕጂ ምንም ዓይነት ምንቅስቓስ የለን፡ ዝወፅአ ሓይሊ'ውን የለን። እኳ ድኣስ ኣብ ዙርያ 'እንዳ ዕስራን ሰለስተን' ሓይሉ ኣጠናኺሩ ከም ዘሎ'ዩ ሓበሬታ ዘለኒ። ብዘለናዮ ኣንፈት ሸራሮ-ሰምበል ባድመ ኣብ ዘለዉ ከባብታት ዝተኸፈተ ኬላ የለን፤ ናብ ቦትኡ ዝተመልሰ ገባር ኰነ ተመዛባላይ የለን፡" ኢሉ።

ኣብ መስመር ሸራሮ፡ ሰምበል- ባድመ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ወፃኢ፡ ሓይልታት ትግራይ ኰኑ ሰራዊት ምክልኻል መንግስቲ ፈደራል ከም ዘየለዉ ድማ ኣረዲኡ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣብ ከተማ ራማን ከባቢኡን ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ወግዓዊ ምንቅስቓስ ከም ዘየለን ብወግዒ ዝተኸፈተ ዶብ ከም ከም ዘየለን ገሊፆም።

እንተዀነ ዘይስሩዕ ንግዳውን ማሕበራውን ርክባት ከምዘሎ ኣቶ ኣማኑኤል ዝተብሃለ ነባሪ ከተማ ራማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ጥሪት ወይ ኣግማል ካባና ናብ ኤርትራ ወይ ካብ ኤርትራ ናባና እንተሰጊረን፡ ዓበይቲ ዓዲን ፀጥታ ኣካልን ብሓደ ኮይኖም ዝመልስሉ ኵነታት ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ግን ከምዝታት ኣይነበረን።"

ኣብ ዶባት ፅዑቕ ንግዲ ኮንትሮባንድ ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።

"ብገጠራትን ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ ሩባታትን ናይ ምግቢ ተንከፍ ዝኣመሰሉ ሕጋዊ ዘይኰነ ምልውዋጥ ንግዲ ኣሎ። እቶም ካብ ላዕሊ ዝመፅኡ ነጋዶ (ካብ ኤርትራ) ባዕሎም'ዮም ዝእዝዙ።"

እቲ ነባሪ ወሲኹ፡ ኣብ ከባቢታት ዶብ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ከም ዝርከቡ ገሊፁ።

ዶባት እቲ ከባቢ ንብዙሕ ዓመታት ብኲናት ዝተሃሰየን ብቝጠባ ድሕሪት ዝተረፈን ስለዝኾነ፡ እቲ ህዝቢ ሰላም ከም ዝብህግ ድማ ሓቢሩ።

"ዝሓለፈ በሰላ ኣሎ። እዚ በሰላ ከመይ'ዩ ክፍታሕ? ዝብል ነቶም ፖለቲከኛታት ገዲፍካ፡ ከም ማሕበረሰብ ግና ህዝቢ ንህዝቢ ርክብ እንተዝግበር ንብል፣ ክንዕረቕ ኢና ዝብል ተስፋ'ዩ ዘለና" ይብል።

እቲ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተገትአ ደማዊ ኲናት ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀመሉ፡ ሚልዮናት ካብ መረበቶም ዝተመዛበልሉን ህይወት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝቐዘፈን እዩ።

ብዛዕባ ብይን ውዕል ኣልጀርስ

ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዘካየድኦ ዶባዊ ኲናት፡ 'ናይ መወዳእታን ቀያድን' ስምምዕ ኣልጀርስ ከም ዝኸተማ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ እታ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዝተዋግኣለን ቦታታት ቀንዲ ዝነበረት ባድመ፡ ግዝኣት ኤርትራ ንክትከውን ተበይኑ።

እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ቅድመ ኩነት ብምቕማጥ ነቲ ብይን ስለዘይተቐበለቶ፡ ክልቲአን ሃገራት ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም ኵነታት እየን ጸኒሐን። ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ንብይን ኮሚሽን ዶብ ከምዘለዎ ብምቕባሉ ምስ ኤርትራ ሓድሽ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ከምዝፈረመ ይዝከር።

ሓደ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ስምምዕ ዶብ ኣብ ባይታ ክንጸር ዝብል'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይተፈጸመ ድማ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ዝወፈራሉ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብ 2020 ተወሊዑ።

ኣብቲ ኲናት ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ሓይልታት ኤርትራ ድማ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣሰሓሓቢ ዝነበረን ብኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነሉን ከባቢታት ብሓይሊ ሒዞምዎ።