ትውልደ ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ኢቦኒ ኦብሲዲያን ዝተዋስኣትሉ ፊልም 'ዘ-ሲክስ ትሪፕል ኤይት'

ታሪኽ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ክሳብ ፊልም 'The Six Triple Eight' ኣብ ነትፍሊክስ እትዝርጋሕ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብሰፊሑ ከይተነግረ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣስታት 6,500 ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓሙሽተ ግንባራት ሰራዊት ኣመሪካ ኣገልጊለን።

432 ድማ ህይወተን ስኢነን።

እተን ኣባላት በጦሎኒ 6888 ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዝሐን 855 እዩ ነይሩ።

ካብን ናብን እቶም ኣብ ኣውሮጳ ወፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካን ስድራቤቶን ዝለኣኽ ደብዳበታት ናብቲ ዝተላእኮ ከይበጽሐ ዓመታት ተኾሚሩ።

መረረ ስድራቤታት ብመገዲ ሓንቲ ኣደ ኣብ እዝኒ ቀዳመይቲ እመቤት ወይዘሮ ሩዝቨልት - በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ - በጽሐ እሞ ግራመ ፈጠረ። "እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል?" ኣመሪካ እትኣክል ዓባይ ሃገር - ነውጺ ፈጢሩ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ቅድሚ ፕረዚደንት ቀሪቦም ምስ ተሓተቱ፡ ሎጀስቲካዊን ሰባውን ሕጽረት ከምዝገጠሞም ተኣመኑ።

ብሰንኪ ኣድልዎን ተኣማንነት ምስኣንን ርጡብ ዕማም ዘይነበራ በጦሎኒ ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ፕረዚደንት ከምዘላ ዝፈለጠ ሓላፍነት ክትወስድ ምስ ኣዘዘ፡ ጀነራላት ኣመሪካ ብውሽጦም ሓጨጩ።

"ጸሊም፡ እሞ ድማ ደቂ ኣንስትዮ... ግቡእ ዝሓስባ'ውን ኣይመስለንን" እናበሉ ክሓምዩ ተሰምዑ - ግን ነቲ ውሳነ ከይፈተዉ ተቐበልዎ።

እዛ በጦሎኒ እምበኣር፡ ነቲ ንክልተ ዓመት ዝተኣከበ ደብዳበታት እቶም ወተሃደራት ፍታሕ ንኽግበረሉ - ነናብ ዝግባኦ ክበጽሕ፣ እቲ ካብ ስድራቤታት ዝተላእከ ናብ ግንባር፡ እቲ ካብቶም ወተሃደራት ዝመጸ ድማ በብኣድራሻታቱ እናተለለየ ናብ ኣመሪካ ክለኣኽ - ብዝብል እየን ካብ ኣመሪካ ናብ ኣውሮጳ ተጓዒዘን ኣብ በርሚንግሃም ዓስኪረን።

ሽዑ፡ ካልኦት ከዐውትዎ ዘይክኣሉ ዕማም ድማ ተዋሂቡወን - ጸለምቲ ክዕወታሉ'የን ኢሉ ትጽቢት ዝገብር ኰነ ዝተኣማመነለን ስለ ዘይነበረ ግን ክፈሽላ እየን እናተባህለ'ዩ እቲ ዕዮ ዝተዋህበን።

ህብብቲ ተዋሳኢት ኬሪ ዋሽንግተንን ካፒቴን ካምፕቤል ኰይና ዝተዋስአት ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ሚላውና ጃክሰንን

ምንጪ ስእሊ,Netflix

መግለጺ ስእሊ,ህብብቲ ተዋሳኢት ኬሪ ዋሽንግተንን ካፕተን ካምፕበል ኰይና ዝተዋስአት ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ሚላውና ጃክሰንን

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ግንባር ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ስድራቤታቶም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝልኣዅዎም ደብዳቤታት ናብ ኣባላት ስድርኦም፡ ኣንስቶምን ኣፍቀርቶን ዝለላዅዎም ደብዳቤታት ይበጽሑ ስለ ዘይነበሩ፡ ሞራሎም ተዳኺሙ ነይሩ።

እዘን ኣብ ሓንቲ በጦሎኒ ዝተወዝዓ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ነቲ ዝተኣከበ 17 ሚልዮን ደብዳበታት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ዝምልከቶም ወተሃደራትን ኣባላት ስድራኦምን ክበጽሕ ክገብራ ዝኸበደ ዕዮ ይወሃበን።

ኣድልዎን ድኹም ኵነታት ስራሕን እኳ እንተገጠመን፡ ልዕሊ 17 ሚልዮን ፖስታ ቅድሚ እቲ ዝተቐመጠለን ግዜ ገደብ - ማለት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ- ኣጻፊፈንኦ።

ኣዛዚት እታ በጦሎኒን ኣብ ኮር ሰራዊት ደቂ ኣንስትዮ ሓላፊት ዝዀነት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊትን ዝነበረት ሜጀር ቻሪቲ ኣዳምስ ትብሃል ነይራ።

ህብብቲ ተዋሳኢትን ኣፍራይትን ኬሪ ዋሽንግተን፡ ገጸ ባህሪ ሜጀር ቻሪቲ ኣዳምስ ተጻዊታቶ።

ፊልም 'ሲክስ ትሪፕል ኤይት' -6888 - (Six Tripple Eight) - ብ20 ሕዳር 2024 ኣብ ኔትፊሊክስ ተዘርጊሓ።

"ወይዘራዝር! ኣብ ቅድመ ግንባር ንዝርከቡ ዝደኸሙ ወተሃደራትና ተስፋን ርክባት [ምስ ስድራኦምን ፍቱዋቶምን] ክንፈጥረሎም፤ እቲ ዝተልኣኸሎም ድማ ተኸናኺንና ከነብጽሓሎም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓዲ ዘለው ስድራቤቶም ድማ ድሕነቶም ክንሕብረሎም . . . ወይ ኣብ ውግእ እንተሞይቶም . . . ክንነግሮም ተኣዚዝና ኣለና" ትብል ሜጀር ቻሪቲ ኣዳምስ።

ኬሪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ "ኵሉ ሰብ እቲ ዘጋጠመን ነገር ዘይክኣል መሲልዎ ነይሩ። ንዕኡ'ያ ድማ እታ ፊልም ንብዙሓት ተንኪፋ። እዘን ፍሉያት ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ግዜን ቦታን ጥራይ ዘይኰነ፡ ዝዀነ ዝተገድዐ፡ ሰባት ዝግብኦ ቦታ ዘይሃቡዎ ወይ ንጐድኒ ዝተደፍአ ወይ ዝተገለለ ሰብ ዝትንክፍ ዛንታ'ዩ" ኢላ።

ትውልደ ኤርትራዊት ኢቦኒ ኦብሲዲያን'ከ?

ኢቦኒ ኦብሲዲያን ምስ ኬሪ ዋሽንግንተን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ኢቦኒ ኦብሲዲያን ምስ ኬሪ ዋሽንግንተን

እታ በጦሎኒ፡ ሞራል ኣብ ኣውሮጳ ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ምዕቃብ ወሳኒ እጃም ከም ዝነበራ ክዝንጋዕ የብሉን።

ብ2022፡ በጦሎኒ 6888 ኣባላታ ንዝገበርኦ ኣበርክቶ ብኮንግረስ ኣመሪካ ዝወሃብ ዝለዓለ ሽልማት ወርቂ ሜዳልያ ተበርኪቱላ።

ሌና ዴሪኮት ቤል ኪንግ፡ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ብህይወት ተሪፈን ዝነበራ ኣባላት እታ ቦጦሎኒ ኰይና፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ዓሪፋ።

ታሪኽ እዛ ጓል 17 ዓመት እንከላ ካብ እትነብረሉ ዝነበረት ፊላደልፊያ ናብ ኮር ሰራዊት ደቂ ኣንስትዮ (WAC) ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ዝተጸንበረት ሌና ዲሪኮት፡ ትውልደ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኢቦኒ ኦብሲዲያን ተጻዊታቶ ኣላ።

ኢቦኒ፡ ብ16 ሚያዝያ 1994 ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኒውዮርክ'ያ ተወሊዳ።

ኣብ መንሃተን ኣብ ዝርከብ ስቱዲዮ ዊልያም ስፔር ቅድሚ ምኻዳ ጋዜጠኝነት ከተጽንዕ ጀሚራ ነይራ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ምውዕዋዕን ንኣሽቱ ተዋስኦታትን ክትነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2015 ክሳብ 2018፡ 'Tough Love' ኣብ ዝተሰምየ ብናይ ባዕላ ዩትዩብ ዝፍኖ ሪያሊቲ ሾ ተኸታታሊ ፍርያት ስርሓ ጀሚራ።

ቅድሚ ሕጂ፡ 'Sistas' ከምኡ'ውን Hunters [ተኸታተልቲ ድራማ ቴሌቪዥን]፡ If Beales Street Could Talk ኣብ ዝብሉ ፊልምታት ዝተፈላለዩ ገጸ ባህሪያት ተላቢሳ ተዋሲኣ ኣላ።

ኢቦኒ፡ "ጓል፡ ይርግኣለም፡ ዓባየይ ድማ ኣብርሀት፡ ናይ ዓባይ ዓባይ ክኣ ለምለም" እየን ክትብል ኣብ ኢንስታግራም ገጻ ዘስፈረቶ ጽሑፍን፡ ብዛዕባ እትፈትዎ መግቢታትን ካልእን ኣብ እትዛረበሎም ቪድዮታትን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ኤርትራ ከም ዝዓበየት የመላኽቱ።

ቻሪቲ ኣዳምስ ኬሪ ዋሽንግተን ተላቢሳታ

ምንጪ ስእሊ,Netflix

ኣላዪ ፊልም 6888 ታይለር ፔሪ፡ ንኢቦኒ ኣብታ 'ሲስታስ' እተሰምየት ተኸታታሊት ድራማ ከስርሓ ንዝጸንሐት ኢቦኒ፡ ኣብዛ ሓዳስ ፊልም ክትዋሳእ ክሓታ እንከሎ "ከም ዘሰንበዳ" ትዛረብ።

ድርሰት እታ ፊልም ከተንብቦ ክሓታ እንከሎ፡ ሓቀኛ ዛንታ ከም ዘይመሰላን ኣብቲ ፊልም ክዋሳእ ይደልየኒ'ዩ ኢላ ከም ዘይሓሰበትን ገሊጻ።

ንሳ ምስ ኬሪ ዋሽንግተን ኣብ ዝተዓደማሉ መድረኽ፡ "እቲ ድርሰት ከንብቦ እንከለኹ፡ ታሪኽ ሌና ዝዋሳእ ኣይመሰለንን ነይሩ" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብቲ እዋን፡ 'ንእሽቶ ወተሃደር' ዝብል ሳጓኣ ብምዝኽኻር "ክንደየናይ ከቢድ'ዩ ዝብል ብዘየገድስ እቲ ዝወሃባ ዕዮ ክትቅበሎ" ከም ዘተባብዓታን ከም ዘእመነታን ገሊጻ።

እቲ ፊልም ንምስራሕ ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን፡ ጓል 100 ዓመት ንዝነበረት ሌና ብኣካል ክትረኽባ ዕድል ረኺባ ነይራ።

ብኣንጻሩ፡ ኬሪ ዋሽንግተን ነታ ኣብ መበል 88 ዓመታ ብ2002 ዝሞተት ኣዳምስ ኣይረኸበታን።

ቻሪቲ ኣዳምስ፡ ብ1989 [ኣ.ኤ] 'One Woman's Army' ዝብል ብዛዕባ እታ ኣሃዱ ዝነበራ ተዘክሮ ዘዘንቱ መጽሓፍ ጽሒፋ እያ።

ሜጀር ቻሪቲ ኣዳምስ ነተን ቀዳሞት ናብ መበል 6888 ቦጦሎኒ ማእከላይ ምምሕዳር ፖስታ ዝተጸንበራ እናፈተሸት

ምንጪ ስእሊ,US National Archive

መግለጺ ስእሊ,ሜጀር ቻሪቲ ኣዳምስ ነተን ቀዳሞት ናብ መበል 6888 በጦሎኒ ማእከላይ ምምሕዳር ፖስታ ዝተጸንበራ እናፈተሸት

እዛ ነትፍሊክስ ዝዘርግሓ ፊልም፡ ብንኡድ ዳይረክተርን ጸሓፍን ታይለር ፔሪ ዝፈረየት እያ።

"ኣብ መኽዝናት ተደርብዩ፡ ዓስዩን ብዙሓት ኣብቶም ደብዳበታት ዝነበሩ ኣስማት ሃሲሶምን ዝነበርሉ ኣዝዩ ከቢድ ዕዮ ምብጻሕ 17 ሚልዮን ደብዳበታት እዩ ተዋሂቡወን" ይብል።

እታ ፊልም፡ ኣብቲ እዋን ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ሕብሪ ቈርበተን ዘጋጥመን ዝነበረ ንዕቀትን ምትሓትን እውን ተዘንቱ።

እታ በጦሎኒ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንጉስ ኤድዋርድ በርሚንግሃም እያ ተመዲባ ነይራ።

ኣብ 1945፡ ነፍስሄር ኤልሳቤጥ ባርከር ጆንሰን ኣብቲ ኣብ ኤድግባስቶን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ 'ኪንግ ኤድዋርድስ' ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ድፋዕ 6888 ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ጓል 25 ዓመት እያ ነይራ።

ጓል 98 ዓመት እንከላ፡ ብ2018 ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ገይራ ነይራ።

"ነቲ ደብዳበታት ኣብ ዝፈልየሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ሓደ ዕሹግ ኣልዒለ። ኵሉ ናብ መሬት ምስ ወደቐ ሰዓት ነይራ፤ ኣልዒለያ። ኣብ ድሕሪ እታ ሰዓት ሽም፡ ቍጽርን ኵሉ ዝርዝራትን ሓደ ሰብ ክኣ ነይሩ። ሽዑ በዚ ኣቢለ ናብኡ ከብጽሓ እየ ብዝብል ጽቡቕ ስምዒት ክሓድረኒ" እዝክር ኢላ ነይራ።

ስድራቤታት መበል 6888 በጦሎኒ ማእከላይ ምምሕዳር ፖስታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቤት ትምህርቲ ኪንግ ኤድዋርድስ ብምኻድ ዘኪሮም።

ሓንቲ ካብኣቶም ዝዀነት ጃኒስ ማርቲን ኣብቲ እዋን "ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕ ከም ዝነበረት ጥራይ'የ ዝፈልጥ ነይረ። ኣገልጊልና፤ ክንሰርሖ ዝግብኣና ስራሕ ነይሩና ድሕሪኡ ናብ ዓድና ተመሊስና። ድሕሪኡ ክሳብ እዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ካብዚ ወጻእ ካልእ ዝተዛረበ ሰብ ኣይነበረን" ኢላ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ንዓመታት ዝተኣከበ ደብዳበታት ኣብ ውሽጢ ፍርቂ እቲ ዝተዋህበን ገደብ መዓልቲ -ሰለስተ ወርሒ - ኣጻፊፈንኦ።

ቻሪቲ ኣዳምስ ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተዋፈረት በጦሎኒ ዝመርሐት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጸላም ኣመሪካት እያ።

ኬሪ ዋሽንግተን፡ ንታሪኽ እዛ ሓያል ጓል ኣነስተይቲ ብምልባሳ ልዑል ናእዳ ኣትሪፋ።

ብ1945፡ ልዕሊ 3.3 ቢልየን ደብዳበታት ናብ ግንባራት ከም ዝተላእኩ ጸብጻባት ሃገራዊ ቤተ መዘክር ካልኣይ ኲናት ዓለም የመልክቱ።

ብ2022፡ ሽዱሽተ ኣባላት በጦሎኒ 6888 ጥራይ ብህይወት ነይረን -ሮማይ ዳቪስ፡ ክሬሴኒያ ጋሪሳ፡ ፋኒ ማክክሌንዶን፡ ግላዴስ ኢ.ብላውንት፡ ሌና ኪንግን ኣና ሜይ።

እታ ብዕድመ ዝዓበየት ኣባል እታ በጦሎኒ ዝነበረት ሮማይ ዳቪስ ብ21 ሰነ 2024 ኣብ መበል 104 ዕድመኣ ሞይታ።

ግላዴስ ድማ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብ22 ሰነ 2024 ሞይታ።

ንኽብሪ እዛ ቦጦሎኒ ዝተሰርሐ ሓወልቲ፡ ብ2018 ኣብ ካንሳስ ተመሪቑ።