ዘይደቀሰ ጉዳይ ሞት ኤርትራዊ ስደተኛ ሄኖክ ዛይድ

ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሴ ገና ቈልዓ 14 ዓመት እንከሎ፡ ካብ መበቈል ሃገሩ ኤርትራ ሃዲሙ ንዓመታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቚቡ ዝነበረ ኰይኑ፡ ህይወቱ ንምምሕያሽ ምድረ-በዳ ሳሕራን ማእከላይ ባሕሪን ሰጊሩ ኣብ 21 ዓመቱ፡ ኣብ ግንቦት 2020 ናብ ኮቨንትሪ - ዓዲ እንግሊዝ - ኣትዩ።

እቲ ምቕሉል፡ ሕያዋይ፡ ፈቃርን ፈታዊ ኩዕሶ-እግርን ከም ዝነበረ ዝግለጽ መንእሰያ፡ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ምስ ኣተወ ሕጕስ ምንባሩ ሓዉ ተወልደ ዛይድ ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

"ኣብ ጕዕዞ ስደት ብዙሕ ስቓይ እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ተስፋ ግን ኣይቈረጸን። ሓደ መዓልቲ እፎይ ዝብለሉን ቤተይ ዝብሎን መዕቈቢ ክረክብ ተስፋ ነይሩዎ፡" ክብል ድማ ይውስኽ።

ሰራሕተኛ ግብረሰናይ በኒ ሃንተር ብወገኑ፡ ሄኖክ ከም ብዙሓት ሓተትቲ ዕቝባ ብሰንኪ ጕዕዞ ስደት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ከቢድ ስነኣእምሮኣዊ ሃስያ ከም ዝነበሮ ይገልጽ።

ቀጺሉ፡ መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ዓዲ-እንግሊዝ ቀሊል ከም ዘይኰነ ካብ ተመኵሮኡ ይዛረብ።

ኣብታ ድሕሪ ሞት ኣርባዕተ መንእሰያት ኣዕሩኽ ብኤርትራውያን ዝተመስረተት "ዳዕሮ" ዝተሰምየት ትካል ዝሰርሕ ሃንተር፡ "ብዙሓት ካብቶም ምሳና ዝሰርሑ መንእሰያት፡ ብዙሕ ግፍዒ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሞት ዝረኣዩን ንገዛእ-ርእሶም ዓመጽ ዘጋጠሞምን እዮም፡" ይብል።

"ኣብ ሆቴል እናተቐመጥካ፡ ክትሰርሕ ዘይፍቀደልካ፣ ሰሙናዊ ብእትወሃቦ ኣዝዩ ውሑድ መቝነን ክትነብር፡ ብሕልፊ በይንኻን መንእሰይ እንተዄንካን ንብዙሕ ሰብ ኣጸጋሚ እዩ፡" ይውስኽ።

ሄኖክ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኣተወ፡ ነብሱ ከመሓይሽን ብትምህርቲ ክስጕምን ዝከኣሎ ይገብር ነይሩ።

"ትምህርተይ ተኸታቲለ ነብሰይ ከመሓይሽን ካብ ዝዀነ ሰብ ከይተጸበኹ ሰሪሐ ክነብርን እየ፡" ይብሎ ከም ዝነበረ ሓዉ ተወልደ ዛይድ ይገልጽ። ንመጠረስታ ግዜ ከኣ ብ4 ነሓሰ ከም ዘዘራረቦ ይዝክር።

"ሽዑ ነዊሕ ሰዓታት ተዘራሪብና። ስእሊ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝገበርኩዎ መርዓ ክርኢ ይደሊ ነይሩ፡" ይብል።

እንተዀነ፡ ሄኖክ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ኣእምሮ ካልዶናውያን ርእሰ-ቕትለት ከም ዝፈጸመ ተገልጸ።

ኣማውታኡ፡ "ንምእማኑ ዘጸግም እዩ፡" ዝበለ ኣቶ ተወልደ፡ ሬሳኡ ናብ ኤርትራ ንምምላስ ዝተገብረ ጻዕሪ ብምድንጓዩ፡ እታ ስድራቤት ኣዝያ ከም ዝተጨነቐት ኣብቲ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ ነይሩ።

"ኵሉ እቲ ሰበስልጣን ዝሓተቱና ነገራት ኣማሊእና ኢና። ስለምንታይ ነገራት ከም ዝተሓላለኹ ኣይርድኣንን እዩ። እቶም ፖሊስ ንምንታይ ክሳዕ ሕጂ መርመራ ከም ዘይወድኡ ዘተሓሳስብ እዩ፡" ክብል ሕርቃኑን ጓሂኡን ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ቅድሚ 2021፡ ኣብ ለንደን ዝመደበሮም 46 ትካላት ግብረ-ሰናይ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዕቝባ ብዘጋጥም ዝነበረ ብዝሒ ርእሰ-ቕትለትን ብዛዕባ'ቲ ናብ ሃገሩ ንኸይጥረዝ ብምፍራሕ ኣብ በርሚንግሃም ነብሱ ዝቐተለ ወዲ 19 ዓመት ኣፍጋናዊ ዝምልከት መጠንቀቕታ ናብ "ሆም ኦፊስ" ደብዳበ ጽሒፎም ነይሮም።

"[መንግስቲ] ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝሞቱ ዝፈልጥ ኣይመስልን። ከምኡ እንተዀይኑ ከኣ እዚ ጉዳይ ከመይ ገይሩ ኣቓልቦ ክረክብ ይኽእል? በቲ ሓደጋ ክንደይ ሰባት ከም ዝጸለዉ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ከመይ ገይርካ ንሞት ክትከላኸሎ ትኽእል?" ክብል ሃንተር ገሊጹ።

እቲ ንማእከል ጥዕና ኣእምሮ ዘካይድ ትካል ካሉዶ (ዋርዋክሼር ኮቨንትሪ ትካል ጥዕና) ድማ፡ "በዚ ኣብዛ ዓመት'ዚኣ ኣብ ሓደ ካብቶም ሕሙማትና ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣዚና ከም ዝጓሃና ክንገልጽ ንፈቱ፡" ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ግቡእ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ።

ቤት-ፍርዲ ብዛዕባ ሞት ሄኖክ እንታይ እዩ ኢሉ?

ሄኖክ ሕዉስ፡ ሕያዋይን ክሕግዝ በሃላይን ከም ዝነበረ ስድራቤቱ ንቤት-ፍርዲ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ,Family

መግለጺ ስእሊ,ሄኖክ ሕዉስ፡ ሕያዋይን ክሕግዝ በሃላይን ከም ዝነበረ ስድራቤቱ ንቤት-ፍርዲ ገሊጾም

እቲ ብ2 ነሓሰ 2021 ናብቲ ማእከል ጥዕና ዝኣተወ ሄኖክ፡ ፈታዊ ኵዕሶ-እግሪ፡ ሕያዋይ፡ ተዋዛያይን ንጽጉማት ዝሕግዝን ምንባሩ፡ ስድራኡ ኣብቲ መስርሕ መርመራ ገሊጾም።

እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ካብ ቍልዕነቱ ካብ ትውልዲ ዓዱ ኤርትራ ሃዲሙ ንዓመታት ከም ስደተኛ ኰይኑ ከም ዝነበረ ቤት-ፍርዲ ሰሚዑ።

መርማሪ ሬሳ ኮቨንትሪ ደልሮይ ሄንሪ፡ ሄኖክ ብ2 ነሓሰ 2021 ብፖሊስ ብኸመይ መንገዲ ከም ዝተኣስረ ንመጋባኣያ ቤት-ፍርዲ መግለጺ ኣቕሪቡ።

እቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እንከሎ ዘንጸባርቖ ዝነበረ ባህሪ፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ካሉዶን ኣትዩ ከም ዝእለን ብመሰረት ሕጊ ጥዕና ኣእምሮ ድማ ኣብኡ ከም ዝጸንሕን ከም ዝተገብረ ገሊጹ።

ዓመጽ ዝመልኦ ባህርያት ብምንጽብራቑ ድማ 'ኣንቲ ሳይኮቲክ' ዝተባህለ መድሃኒት ከም ዝተዋህቦ ቤት-ፍርዲ ሰሚዑ።

ትማሊ ሰኑይ መርትዖ ዘቕረበ ዶክተር ኣሕመድ ኣላስታል፡ ኣብ መጀመርታ ነቲ ሕሙም ብ4 ነሓሰ ብ'ቪድዮ ሊንክ' ገይሩ ከም ዝገምገሞ፣ ምትሕብባር ከም ዝኣበየ፡ ከም ዝተናወጸን ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ክዋሳእ ከም ዘይደለየን ገሊጹ።

"ብድሕሪኡ ክዳውንቱ ብምውጻእ ናብ መሬት ብምድርባይ ካብቲ ክፍሊ ወጺኡ፡" ድማ ወሲኹ።

ቅድሚ እቲ ገምጋም ዝተኻየደለን ኣብ ዝነበራ መዓልታት፡ ሄኖክ ንኽልተ ሰባት ቀቲሉ፡ ብድሕሪኡ ነብሱ ከጥፍእ ከም ዝደሊ ንሓደ ካልእ ዶክተር ከም ዝነገሮ ይሕብር።

ብ5 ነሓሰ ካብ ሆስፒታል ኣምሊጡ፣ ድሒሩ ግን ካራ ሒዙ ኣብ ገዛኡ ተረኺቡ። ነብሱ ክጐድእ ከም ዝደሊ ንመኮንናት ነጊሩዎም። ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ናይቲ ማእከል ከኣ ከም ዝምለስ ተገይሩ።

ኣብኡ ድማ ክግታእን መድሃኒት ክወሃቦን ተገዲዱ። ክቕደድ ዘይክእል ክዳን እውን ተዋሂቡዎ።

ሄኖክ፡ ብ12 ነሓሰ ኣብ ክፍሉ ሞይቱ ተረኺቡ።

ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበረት መዓልቲ፡ እቲ ክዳውንቱ ከም ዝተመልሰሉ ቤት-ፍርዲ ሰሚዑ።

ነቲ ማእከል ዘካይድ ኣካል፡ ኣብ እዋን ሞቱ ዘጋጠመ ፍጻመታት ብቪድዮ ዝተቐርጸ ንምቕራብ 'ኦክስቪዥን' ዝበሃል ቴክኖልጂ ክፍትን ጸኒሑ።

እዚ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብቲ ኣብ ኮቨንትሪ ካውንስል ሃውስ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ክረአ እዩ።

ኣብ ኮቨንትሪ ካውንስል ሃውስ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ይቕጽል ኣሎ።