ፈላሚ ተሳታፍነት ደቂንስትዮ ኣትሌታት ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ

ውድድራት ኦሎምፒክ ንሳልሳይ እዋኑ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣጋጣሚ ኤርትራዊት ኣትሌት መቅደስ ወልዱ እትርከበን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኣብዛ ከተማ ንፈለማ እዋን ክሳተፋ እየን።

ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ውን ዝመጽእ11ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝግበር፡ ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክስ ‘ፓሪስ2024’ ዘቀዳድማ ትኬት ረኺባ እንተነበረት፡ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ወሲዳ ብዝብል ጥርጣረ ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት ብምእጋዳ ተሳትፎኣ ኣብ ሓደጋ ኣትዩሎ።

ኣብ 1900 1924 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኦሎምፒክ ኣብ ኣትለቲክስ ተሳትፎ ደቂንስትዮ ኣይነበረን።

ኣብ 1924፡ ኦሎምፒክ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ብጠቕላላ ኣርባዕተ ሚእታዊት ጥራይ ካብ ተወዳደርቲ ደቂንስትዮ ምንባረን ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ንደቂንስትዮ ዝምችእ ተባሂሉ ዝተሓስበ ስፖርት ከም ምሕንባስ፡ ቴኒስን ክሮኬትን ከም ዝተሓጽራ ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ (IOC)ሓደ ካብቲ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ክብጻሕ መዲብዎ ዝነበረ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣትሌታት ማዕረ ኮታ ኣከፋፊሉ።