ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ስለ ዘይተኸለትን እቲ መንግስቲ ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝዳረግ ግፍዕታት ክፍጽም ምስ ጀመረን'ዩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ጕጅለ-15ን ስርሒት ወዲ ዓሊን ብጾቱን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ስደት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ካናዳን ኣውስትራልያን ውዱብ ተቓውሞታት ክካየድ ጀሚሩ።
ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ 2022 ብቝጠዐ ክሳብ ዝነቱግ ከኣ ልዕሊ 20 ዝዀና ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምውዳብ ተቓውሞአን ከስምዓ ጸኒሐን እየን።
ብርጌድ ንሓመዱ ከኣ መቐጸልታ ናይቶም ቅድሚኡ ዝጸንሑ ውዳበታት ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብን ሰሜን ኣመሪካን፡ እስያን ኣውስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ተዘርጊሑ ኣሎ።
ሓላፊ ክፍሊ ዲፕሎማስያዊ ብርጌድ ንሓመዱ ኣቶ በየነ ገብረእግዚኣብሄር፡ 'ሃያ ሁለት' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቦታ "ማእከል መራኸቢ"፡ ናይቲ "ዝተበታተነ" ንጥፈታት ብርጌድ ንሓመዱ ዝኸውን ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተን፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ከኣ "ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ማእከላት" ከም ዝህልዎን ዕላማኦም ከኣ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምክያድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብ27 ጥሪ 2025 "ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ ዓፋር" ምስ ዝተበሃለ ካልእ ተቓዋሚ ውድብ ኣኼባ ዘካየደ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ "ውሕስነት ዝረኽበሉ መንገዲ" ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረቡ'ውን ሓቢሩ። እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ኤርትራ ሱር በተኻዊ ለውጢ ከካይዱ ከም ዝደልዩ፡ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝሓበሩዎም ኣቶ በየነ ገሊጹ።
ይዅን'ምበር፡ ሓያሎ ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ውሽጡ ንዘሎ ፍልልይ ኣጽቢቡ፡ ሰፊሕን ሓቛፍን ውዳበን መስሪቱ ከየሐየለን ውሽጡ ከየጽረየን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ዝዀነ ካልእ ሓይሊ ርትዓዊ ሽርክነት ከካይድ ኣይክእልን እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።
ኣብ ርእሲኡ ዝተማእከለን ሰፊሕን ተቐባልነት ዘለዎ መሪሕነት ኣብ ምፍጣር ጸገማት ከም ዘሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለዩ ብስም እቲ ምንቅስቓስ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታትን ንሓድሕዱ ዘይሳነን መግለጺታት ዘንጸባርቑን ሰባት ምህላዎም ኣቐዲምካ ንሓድሕድካ ምንባብ ከም ዘድሊ ዘጕልሕ ምዃኑ ዝገልጹ'ውን ኣለዉ።
ስለዚ፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣቢይ ኣሕመድ ዋንነት ባሕርን ወደብን ከም ሕቶ ዘልዕለሉ ዘሎ እዋን መሳርሒን ኢደ-በይዛን ንዘይምዃን ጥንቃቐን ሓላፍነታዊ ምዃንን ከም ዘድሊ የጠንቅቑ።
'ብርጌድ ንሓመዱ' እንታይ እዩ?
'ብርጌድ ንሓመዱ' ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን እናሰፍሐን ኣቓልቦ እናሰሓበን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ እዩ። ደገፍቱ ብዝኽደንዎ ሰማያዊ ማልያ ከኣ፡ "ሰማያዊ ሰውራ" ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ምስ ደገፍቲ መንግስቲን ሓይልታት ጸጥታን ብዝገበሩዎ ጐነጽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ኣለዉ።
ኣባል ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኪሮስ ኣስፍሃ ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም ኣብ ግዳም ዘካይዶም ጽምብላት መአከቢ ገንዘብ ስለ ዝገብሮ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ነቲ ፈስቲቫላት ደው ንምባል ከም ዝተጀመረ ቀንዲ ዕላማኡ 'ንመንግስቲ ኢሳይያስ ንምእላይ' ምዃኑ ይሕብር።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጐናጸፍ ንልዕሊ 30 ዓመታት ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዱ ኣይፈልጥን። ኣብ ኤርትራ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ብግቡእ ኣይሰርሕን። ናይ ርእይቶ ፍልልያት ዘይጻወር መንግስቲ እታ ሃገር፡ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣሲሩ ብምስዋር ብጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ ጸኒሑ ኣሎ።
ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቲ ብግዱድ ዕስክርናን ባርነትን ዝግለጽ ኣገልግሎት ሃዲሞም ምስ ተሰደዱ፡ "ስግረ-ዶባዊ ወጽዓን ጸቕጥን፡" ከም ዘጋጥሞም ኣቶ በየነ ይኸስስ።
ቀንዲ ዕላማ ብርጌድ ንሓመዱ ከኣ፡ "ኣብ ኤርትራ ሱርበተኻዊ ስርዓታዊ ለውጢ ምምጻእ፡" ምዃኑን ብሃገራዊ ባይቶ ብዝቐውም ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ነቶም ንገበነኛታት ብፍርዲ ንብዱላት ከኣ ብኻሕሳን ጣዕሳን ምትዕራቕ ምዃኑ ይገልጽ።
ዝተፈለየ ርእይቶ ንዘለዎ ዜጋ ዝኣስርን ዝስውርን መንግስቲ ኤርትራ ብሓይሊ ክእለ ከም ዘለዎ ዝኣምኑ ኣቶ ኪሮስን በየነን ካብ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካናዳን ሽወደንን ሓገዝ ንምርካብ ከም ዝተዘራረቡ ሓቢሮም።
ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ቀረባ እምበር ካብ ርሑቕ ስለ ዘይከኣል እቲ ቃልሲ ሱር ኣብ ዝሰደሉ ዞባ ክቃለሱ ከም ዝወሰኑ የረድኡ። ኣበየናይ ቦታ ንዝብል ግን ንግዚኡ ክገልጹዎ ኣይደለዩን። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ወፍሪ፡ ጐስጓስ፡ ውዳበ፡ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ማእከላት ከቕውም ከም ዝኽእል ዝገለጸ ኣቶ በየነ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምጅማር ኣባላት ይምዝግብን ይውደብን ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ምስ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝርርብ ተኻይዱ እንተዀይኑ ተሓቲቱ፡ ንዕኡ ዝከታተሉ "መራሕቲ ወተሃደራዊ ክንፊ" ኣለዉ ክብል ይምልሽ።
ኢትዮጵያ መዲና ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃና ዲፕሎማስያዊ ብልጫ ከም ዘለዋ ዝጠቐሰ ኣቶ በየነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣማኢት ኣሸሓት ኤርትራውያን ስለ ዘለዉ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ካብ ሃገራት ምዕራብ ንኢትዮጵያ ምቕራቡ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ኣብ ከም ሰመራ፡ መቐለን ሑመራን ነቲ ቃልሲ ንምስፋሕን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝምዕብል ለውጥታት ብቐረባ ንምክትታል ከም ዝሕግዝ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ኣቶ በየነን ኣቶ ኪሮስን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ፡ "ውሕስነቶም ንኽሕሎ፡ መለለዪ ወረቐት ክወሃቦም ክምዝገቡ፡" ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረቡ ይጠቕሱ።

ምንጪ ስእሊ,BRAKHE SHOW/YOUTUBE
ዕጡቓት ናይ ምድጋፍ ተመኵሮ ኢትዮጵያን ኤርትራን
ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ተፋጢጠን ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ተቓወምቲ ሓድሕደን ይድግፋ ነይረን። ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዕርቀ-ሰላም ምስ ተፈጠረ ግን ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ሰላማዊ ቃልሶም ክቕጽሉ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ግን ንጥፈታተን ከቋርጻ ስለ ዝተኣዘዘ፡ ኣብያተ ጽሕፈተን ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ። ድሕሪ እቲ ስምምዕ "ካብ ኣዲስ ኣበባ ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ" ተቓወምቲ ከም ዝነበሩ'ውን ይንገር'ዩ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ሕጂ፡ ዝምድና ኢሳይያስን ኣቢይን ምስ ተበላሸወ ዝምዕብል ዘሎ ዝምድና ብርጌድ ንሓመዱን መንግስቲ ኢትዮጵያን ጽባሕ ንግሆ ተመሳሳሊ ጸገም ከጋጥሞ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ዘለዎም ተቓለስቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣለዉ።
ገሊኦም ግን ደጊም ንድሕሪት ዝምለስ ዝምድና ዝህሉ ኣይመስልን ዝብሉ እውን ኣለዉ።

'ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንሕና ክንምልሶ ንኽእል ኢና'
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ 2022፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ምብልሻው፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣፍ ደገ ባሕሪን ወደብን ከም ዝግበኣ ኣብ ዝገልጸሎ ዘሎ እዋን፡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ምስ ኣቢይ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ምባሎም ከም ሃገራዊ ክሕደት ዝርእዩዎ ወገናት እውን ኣለዉ።
ይዅን እምበር፡ ኣባል ብርጌድ ንሓመዱ ኣቶ በየነ፡ በቲ ከጋጥም ዝኽእል ግጭት ኣብ ሽግር ንኸይንኣቱ ኣማራጺ ክዀኑን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ዝገብሩዎ ቃልሲ እንተ ሓጊዙዎም፡ ኢትዮጵያ ብዝቐርባ ወደብ ዓሰብ ክትጥቀምን ከተመሓድርን ከፍቅዱ ጸገም ከም ዘይብሎም ይገልጽ።
በቲ ሓደ መዳይ ግን እቲ ዓቕምታቱ ዘይወደበን ምእኩል መሪሕነት ዘይብሉን ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ስደት ዝነብር ዘሎ ምንቅስቓስ ብዛዕባ ልኡላዊ ጉዳይ ባሕሪ ክዛረብን ክዋገን ርትዓዊ ኣይኰነን ዝብሉ ብዙሓት ወገናት ኣለዉ።
ኣቶ በየነ፡ እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ኲናት ከምርሕ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ይሕብር።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ብዝምልከት፡ ካብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ብኢመይልን ብተለፎንን ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።