ሕጕሳት ህዝቢ ዘለወን 10 ብሉጻት ሃገራት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን'ከ?

ብርግጽ ሓፈሻዊ ሓጐስ ብትኽክል ንምዕቃን ቀሊል ኣይኰነን።

ጸብጻብ ሓጎስ ዓለም ግን፡ ኣብ ገምጋም ህይወት ዝተኣከበ መረዳእታ ብምጥቃም ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ነጥቢ ብምሃብ እዩ ነዚ ደረጃ ዘውጽእ።

እቶም ዳህሳስ ዝተገብረሎም ሰባት፡ 'ካንትሪል' ዝበሃል መጽናዕቲ መሳልል ክመልኡ ይሕተቱ።

እዚ ማለት ንህይወቶም ካብ ባዶ ክሳብ 10 ነጥቢ ክህቡ ይግበሩ።

0 ነጥቢ ህይወቶም ዝኸፍአ ከም ዝዀነ ከመልክት እንከሎ፡ 10 ድማ ዝበለጸ ማለት እዩ።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ድማ ኣስታት 1000 መልሲ ይእከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዳህሳስ ዝተገብረሎም ሰባት ዝሃብዎ ነጥቢ ብማእከላይ ገምጋም ተወሲዱ፡ ብማእከላይ ገምጋም ህይወት ዝፍለጥ ውልቃዊ ነጥቢ ካብ ሓንቲ ሃገር ይእከብ።

ዓመታዊ እቶት ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ማሕበራዊ ደገፍ፡ ኣብ እዋን ልደት ትጽቢት ዝግበረሉ ጥዑይ ዕድመ፡ ኣብ ህይወትና ዘለና ምርጫታት ናይ ምግባር ናጽነት፡ ልግሲ፡ ብዛዕባ ብልሽውና ዘሎ ኣረኣእያታትን ከምኡ'ውን እወንታዊን ኣሉታዊን ጽልዋ ዝብሉ ማእከላይ ሓጐስ ንምግምጋም ከም መዓቀኒ ካብ ዘገልግሉ ረቛሒታት እዮም።

ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከኣ ካብ 143 ሃገራት ንዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ዝገበረ እዩ።

እተን ካብተን ዳህሳስ ዝተገብረለን ሃገራት፡ ኣፍጋኒስታን ሕጂ'ውን 1.721 ነጥቢ ብምርካብ ኣብ ዓለም እታ ዘይሕጉሳት ነበርቲ ዘለዋ ሃገር ተባሂላ'ላ።

ብዝተፈላለዩ መዕቀኒታት ሕጉሳት ህዝብታት ዘለዉዋ ሃገር ተባሂላ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት ፊንላንድ ክትኸውን እንከላ ዴንማርክ ካልኣይ ደረጃ፣ ስዊዘርላንድ ሳልሳይ ደረጃ፣ ኣይስላንድ ራብዓይ ከምኡ'ውን ኔዘርላንድስ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተቐሚጠን።

ዓባይ ብሪጣንያ ብወገና 6.749 ነጥቢ ብምምዝጋብ መበል 20 ሕጕሳት ነበርቲ ዘለዋ ሃገር ኰይና ክትስራዕ፡ እንከላ ኣመሪካ ድማ 6.725 ነጥቢ ብምምዝጋብ ኣብ መበል 23 ደረጃ ትርከብ።

ኣብ መንጐ እተን 10 ብሉጻት ዝተበሃላ ሃገራት ግን ሓንቲ ብዙሓት ሰባት ዘይጽበይዋ ሃገር ኣላ - ኣብ መንጐ ግጭትን መጥቃዕትታትን እትርከብ እስራኤል።

ብሓፈሻ ብዝተፈላለዩ መዕቀኒታት ሕጉሳት ህዝብታት ዘለወን ሃገራት ተባሂለን 10 ብሉጻት ሃገራት ብዓል እየን?

መስመር

10. ኣውስትራልያ

ኣውስትራልያ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ብመሰረት ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም ኣብ 2024፡ ኣውስትራልያ ዝረኸበቶ ነጥቢ 7.057 እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዓለም መበል ዓስረይቲ ሕጕስቲ ሃገር ተባሂላ ኣላ።

ኣብ 2023 እዚ ደረጃ ብኒውዚላንድ እዩ ተታሒዙ ነይሩ። ኣብዚ ሓድሽ ጸብጻብ ግን ኒውዚላንድ ሓንቲ ደረጃ ወሪዳ ኣብ መበል 11 ትርከብ።

ኣውስትራልያ ርጕእ ኣነባብራን ንጥፈታትን ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ብውቁባት ገማግም ባሕሪ፡ መስተንክር ኣግራብን ከተማታትን ዝሕበኑ ነበርቲ እታ ሃገር ድማ ኣብ መንጐ ስራሕ፡ ጸወታን ምዝንጋዕን ዘሎ ሚዛን ብግቡእ እናሓለዉ ህይወቶም ይመርሑ።

ብሉጽ ስርዓተ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ኣለዋ፤ ህይወት ኣብዛ ሃገር ቁሩብ ምችው እዩ።

ኣውስትራልያውያን ምሕዝነታዊ መንፈስ ዘለዎም ኰይኖም እታ ሃገር ድማ ሓንቲ ካብተን ሰባት ክነብሩለን ዝምንይወን ሕጕሳት ሃገራት እያ።

ሰባት ኣውስትራልያ ሃገሮም ክትከውን ክምነዩ ምርኣይ ዘገርም ኣይኰነን!

9. ስዊዘርላንድ

ስዊዘርላንድ

ስዊዘርላንድ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም 7.060 ነጥቢ ኣመዝጊባ'ላ።

እዚ ድማ ኣብ ታሽዓይ ደረጃ ክትስራዕ ኣኽኢልዋ። ኣብ 2022 ግን እታ ሃገር ኣብ ራብዓይ ደረጃ'ያ ተሰሪዓ ነይራ።

ከም ሉክሰምበርግ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ስዊዘርላንድ፡ ብኣኽራንናት፡ መዘናግዒ ኣብ በረድ ምንሽርታት (ski resorts)፡ ቸኮላታን ባንክታትን ፍልጥቲ እያ።

ስዊዘርላንድ ኣብ ዓለም ብሉጽ ቍጠባ ካብ መንጐ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኰይና፡ ሰባት ልዑል ደሞዝን ውሕስነት ስራሕን ከም ዘስተማቕሩ ትገብር።

ንስዊዘርላንድ ምችውቲ ዝገብራ ግን ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነን።

ነበርታ ሰላማውን ውሑስን ሃዋህው ምስትምቓሮም፡ ሓንቲ ካብቶም ዝበለጸ ናብራ ዘለዋ ሃገር ይገብራ።

ብተወሳኺ ብብሉጽ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን እውን እትሕበን ሃገር እያ።

ኣብዛ ዘይሻራዊት ዝዀነት ሃገር፡ ኣርባዕተ ሃገራዊ ቋንቋታት ይዝረቡ - ጀርመንኛ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያንኛን ሮማንሽን።

8. ሉክሰምበርግ

ሉክሰምበርግ

ኣብ 2024 ኣብ ዓለም መበል ሻሙናይ ሕጕሳት ነበርቲ ዘለዋ ድማ ሉክሰምበርግ እያ።

እዛ 7.122 ነጥቢ ዘመዝገበት ንእሽቶ ኤውሮጳዊት ሃገር ኣብ 2022 ካብ ዝነበራ ሻድሻይ ደረጃ እያ ወሪዳ ዘላ።

ሉክሰምበርግ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኰይና ምስ ጀርመንን ቤልጅየምን ፈረንሳን ትዳወብ።

ብዝሒ ህዝባ 655,112 ጥራይ እዩ።

እዛ ኤውሮጳዊት ሃገር ዋላ'ኳ ንእሽቶ እንተዀነት፡ ነበርታ ግን ጽሬት ዘለዎ ህይወት እዮም ዝመርሑ።

ምዕቡል ቁጠባ፡ ድልዱል ስርዓተ ማሕበራዊ ድሕነትን ውሑስ ሃዋህውን ነበርታ ብምቾት ክነብሩ ዘኽእሉ ረቛሒታት እዮም።

ብተወሳኺ ነበርታ ብደረጃ ዓለም ገለ ካብቶም ዝለዓለ እቶት ዝረኽቡ ስለ ዝዀኑ፡ ልዑል ደረጃ መነባብሮ ንኸስተማቕሩ ጸጋታት ትህብ ሃገር እያ።

7. ኖርወይ

ኖርወይ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

7.302 ነጥቢ ዘመዝገበት ኖርወይ ኣብ 2024 ኣብ ዓለም መበል ሻብዓይቲ ሕጕሳት ሕዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ፍጆርድታት (fjords) ወይ ድማ ኣብ መንጐ ነዋሕቲ ጸድፍታት ዝርከብ ነዊሕ፡ ጸቢብን ዓሚቝን መእተዊ ባሕሪ ህቡብ መዕረፊ በጻሕቲ'ዩ።

ኖርወይ ብህዱእ መልክዓ ምድሪኣ እያ ትፍለጥ፡ ኣኽራናትን ዘደንጽዉ ጥራይ ዘይኰኑስ መገዲ ፍወሳ'ውን'ዮም።

ንጹህ ኣየራን ተፈጥሮኣዊ ጽባቐኣን፡ ሕጕስቲ ሃገር ንክትኸውን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።

ኖርወይ ብሉጽ ክንክን ጥዕናን ሓያል ናይ ማሕበረሰብ ስምዒትን'ውን ኣለዋ።

ዜጋታታ ልዑል ጽሬት ዘለዎ ህይወትን ሓጎስን ከም ዘስተማቕሩ እትገብር ሃገር እያ።

6. ሆላንድ

ሆላንድ

ኣብ ሻድሻይ እተሰርዐት ሆላንድ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም 7.319 ነጥቢ እያ ኣመዝጊባ።

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሕን ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበንን እውን ዝርከቡላ እዛ ሃገር፡ ብህቡባት መትረባታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንልዑል ማሕበራዊ ደገፍን ማዕርነትን ብዘለዋ ተወፋይነት'ውን እያ ትፍለጥ።

ሆላንዳውያን ገለ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ለጋሳት ኰይኖም፡ ብገንዘብን ብወለንታዊ ስራሕን ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም።

ሆላንዳውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ምዝንናይ፡ ብሽክለታ ምዝዋር፡ ወይ'ውን ኣብ እንዳ ሻሂታት ምዝንጋዕ ይፈትዉ።

ኣብ ሆላንድ፡ ህይወት ብዛዕባ ሚዛን ስራሕን ህይወትን ምሕላውን ምዝንጋዕን እዩ።

5. እስራኤል

እስራኤል

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እስራኤል ብሓፈሻ 7.344 ነጥቢ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

እዚ ውጽኢት ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ዝጋጮ ይመስል። ብሓቂ ህይወት ኣብ እስራኤል ቀሊል ኣይኰነን።

ዋጋ መነባብሮ ኣብ እስራኤል ልዑል እዩ፣ እታ ሃገር ዳርጋ ንዘልኣለም ኣብ ህጹጽ ኵነታት እያ ትርከብ።

ብተወሳኺ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ደማዊን ኲናት ጥሒላ እያ ዘላ።

ይዅን'ምበር ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝርከባ ሃገራት ወጻኢ፡ ኣብዚ ዝርዝር ዝኣተወት እንኰ እያ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እስራኤል ነዚ ደረጃ ክትረክብ ካብ ዘኽኣልዋ ረቛሒታት ሓደ፡ ስምዒት ዕላማን ዋንነትን እዩ።

እስራኤላውያን መንእሰያት ብከም ወለንታዊ ንጥፈታት ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ኣቢሎም ኣገዳስነት ልግሲ ዘመስክሩ እዮም።

ሃንደበታዊ ተግባራት ሕያውነት ድማ ካልእ ረቛሒ እዩ።

ኣብታ ሃገር ንኻልኦት ምሕጋዝ እወታዊ ግብረ መልሲ ዘስዕብ ተግባር እዩ።

እዚ ድማ ማሕበረሰባውን ውልቃዊ ስምዒት ዕግበት የደልድል።

ብተወሳኺ ምላሽ ሕብረተሰብ፡ እስራኤል ልዑል ነጥቢ ንክትረክብ ሓጊዙ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ከም እቲ ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝኣመሰሉ ጽንኩር እዋናት፡ ማሕበረሰብ እስራኤል ጽንዓትን ምትሕግጋዝን ኣርእዩ እዩ።

4. ሽወደን

ሽወደን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ሽወደን ኣብ ዓለም ራብዓይቲ ሕጕሳት ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ - ጸብጻብ ሓጎስ ዓለም ከም ዘመልክቶ እታ ሃገር 7.395 ነጥቢ ኣመዝጊባ።

እዛ ሃገር ብብዙሕ ኣግራብን ቀላያትን ትፍለጥ እያ።

ኣስታት 100 ሽሕ ቀላያት ከምዘለዋ ይንገር።

ኣስታት 70 ሚእታዊት ስፍሓት መሬታ ድማ ብጫካ ዝተሸፈነ'ዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ኵሉ ሰብ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ከም ዝረክብ ዘረጋግጽ ሓያል ስርዓተ ድሕነት ኣለዎ።

ሽወደን ኣብ ማሕበራዊ ማዕርነት እውን ትኹረት ብምሃብ ትፍለጥ እያ።

እዚ ድማ ኣብ ሓጐስ ዜጋታታ ዝንጸባረቕ ነገር እዩ። ብፍላይ ንዓበይቲ ወለዶ፡ ህይወት ወርቃዊት እያ!

ኣብ ሽወደን ህይወት፡ ዕድመ ብዝወሰኸ መጠን እናሓሸት'ያ ትኸይድ።

3. ኣይስላንድ

ኣይስላንድ

ኣብ 2023 ኣብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዝነበረት ኣይስላንድ፡ 7.525 ነጥቢ ብምርካብ ሕጂ'ውን ንተኸታታሊ ካልኣይ ዓመት ደረጃኣ ዓቂባ ትርከብ።

ካብ መንጐ እተን ኣብ ዝርዝር 10 ብሉጻት ዝተጠቐሳ ሃገራት፡ ኣይስላንድ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነኣሰት እያ - 375,436 ሰባት ጥራይ እዮም ኣብታ ደሴታዊት ሃገር ዝነብሩ።

እዛ መስተንክር መሬት ብዘደንቕ መልክዓ ምድሪ እያ ትፍለጥ።

እሳተ ጎመራ፡ ጋይዘራት (ጸጸኒሑ ውዑይ ማይ ንላዕሊ ዝጭንጉዑ ምንጭታት)፡ ዘደንጽው ሰሜናዊ ብርሃንን ገለ ካብቶም መስሕባት እዮም።

እንተዀነ እቲ ኣይስላንዳውያን ካብዚ ዝያዳ ዘሐጕሶም ሓያል ናይ ማሕበረሰብ ስምዒት'ዩ።

ኣይስላንድ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝለዓሉ ማሕበራዊ ደገፍ ዝህቡ ሃገር እያ።

ልግሲ ኣይስላንድ ብመንጽር ምሃብ ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።

ሰባት ብሓደ ዘራኽብን መንፈስ ክብ ዘብልን ምዕቡል ባህላዊ መድረኽ'ውን ኣለዋ።

2. ዴንማርክ

ዴንማርክ

ኣብ ዓለም ሕጕሳት ሕዝቢ ካብ ዘለዎም ሃገራት ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ዴንማርክ እያ።

7.583 ነጥቢ ከምዝረኸበት ድማ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ዴንማርክ እዚ ደረጃ ክትረክብ እዚ ንሓሙሻይ ዓመት'ዩ።

እታ ሃገር መስራቲት ኣባል ብዙሓት ኣገደስቲ ትካላት ዓለም እያ፤ ካብዚኦም ድማ ኔቶ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ቤት ምኽሪ ኖርዲክ ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።

ዴንማርካውያን፡ "ሃይግ" ዝብል ስነ-ጥበብ መሊኾም ኣለዉ፤ እዚ ስነ-ጥብብ ብመሰረቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ህይወት ምቾት፡ ሓጐስን ዝህመትን ምፍጣር ማለት እዮም።

ምስ ኣዕሩኽቲ ቡን ምስታይ ይዅን ወይ'ውን ነቲ ዝሑል መዓልታት ክረምቲ ብምቹእ ኮቦርታን ምቁር መግብን ምሕላፍ፡ ደንማርካውያን ብቐሊል ነገራት ሓጐስ ክረኽቡ ምሂርዎም'ዩ።

ዴንማርክ ብልግሲ እውን ልዑል ነጥቢ ትረክብ ክኢላ እያ።

ነበርታ ጽቡቕ ሚዛን ስራሕን ህይወትን ከስተማቕሩ ዘኽእሎም ጽኑዕ ቁጠባኣ ኣለዋ።

ብፍላይ ብዕድመ ዝደፍኡ ዴንማርካውያን ልዑል ደረጃ ሓጐስ ከም ዘለዎም ይሕብሩ።

1. ፊንላንድ

ፊንላንድ

ኣብ ዓለም እታ ሕጉሳት ህዝቢ ዝነብሩላ ሃገር ፊንላንድ ከምዝዀነት ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም 2024 ይሕብር።

ፊንላንድ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከባ ሕጉሳት ሃገራት ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እዚ ንተኸታታሊ ሻብዓይ ዓመት እዩ።

ኣብቲ ጸብጻብ፡ ፊንላንድ ሓፈሻዊ ነጥቢ 7.741 ረኺባ።

ፊንላንድ ዓዲ ሳንታ ክላውስ፡ ሓራምዝ ተባሂላ ትፍለጥ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፍቕሪ ሳውና ድማ ኣብ ዓለም ፍሉጥ እዩ።

ኣስታት 74 ሚእታዊት ፊንላንድ ብኣግራብ ዝተሸፈነ እዩ።

ብመሰረት'ቲ ጸብጻብ፡ ካብ 10 ነጥቢ 7.741 ብምምዝጋብ እያ ንሻብዓይ ግዜ ደረጃኣ ክትዕቅብ ክኢላ።

ምስጢር ሓጐስ ነበርታ - ፊንላንዳውያን ኣብ ነንሕድሕዶም ጽኑዕ ናይ ማሕበረሰብን ምትእምማንን ስምዒት ይውንኑ።

ብሉጽ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ትሑት ብልሽውናን ንውልቃዊ ናጽነት ዝወሃብ ትኹረትን ኣብ እዋን ብድሆታት ዝሕግዝዎም ረቛሒታት እዮም።

ፊንላንድ፡ ሰባት ብመንግስትን ብጎረባብቶምን ዝድገፍ ኰይኑ ዝስምዖም ሕብረተሰብ ክትፈጥር ክኢላ እያ።

ፊንላንድ፡ ነቶም ሰላምን ተፈጥሮን ሚዛናዊ ህይወትን ዘድንቑ ሰባት ዝኸውን ፍጹም ኣነባብራ ዘለዋ ሃገር ከም ዝዀነት ድማ ብዙሓት ይምስክሩ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ 3.86 ዝረኸበት ኢትዮጵያ፡ ካብ 143 ሃገራት ኣብ መበል 130 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

እዚ ነጥቢ ካብቲ ኣብ 2023 ዝነበረ 3.63 ዝሓሸ እዩ።

ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ፡ ከም ማእከላይ ገምጋም ዝቑጸር ነጥቢ 5.56 ከም ዝዀነ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኢትዮጵያ ግን ኣብ ታሪኻ ክሳብ ክንድ'ዚ ነጥቢ ኣመዝጊባ ኣይትፈልጥን።

ካብ 2013 ክሳብ 2024 ኣብ ዝተኣከበ መረዳእታታት፡ እታ ሃገር ዘለዋ ማእኸላይ ነጥቢ 4.27 ጥራይ እዩ።

ኣብዞም ዓመታት ዝነበራ ደረጃ ክነጻጸር እንከሎ፡ ህዝቢ እታ ዝሓሸ ሕጉሳት ዝነበረሉ ዓመት 2013 እዩ።

ኣብቲ እዋን ዘመዝገበቶ ነጥቢ ኣብ ታሪኻ ዝለዓለ ኰይኑ፡ 4.56 ከም ዝነበረ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

እቲ ዝተሓተ ደረጃ ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ 2023 ዝተመዝገበ 3.63 እዩ።

ኣብ ኤርትራ ክመጽእ እንከሎ፡ ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም 2024 ብዛዕባ እታ ሃገር ዝምልከት ሓበሬታ ኣየጠቓልልን።

ብዛዕባ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ዝምልከት ሓበሬታ ግን እንሆ።

ኣብ ቁጠባ ክመጽእ እንከሎ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ድኻ ሃገራት ኰይና፡ ዜጋታት ድማ ንሕጽረት መብራህቲ፡ ነዳዲ፡ ዝስተ ማይ ዝተቓልዑ እዮም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ምልመላ ሓደ ካብቶም ዘይምችው ኵነታት እዩ።

ኣብታ ሃገር ህጻናት ዝርከብዎም ሰባት ግዱድ ወተሃደራውን ሃገራውን ኣገልግሎት ክህቡ ይግደዱ።

መንግስቲ ድማ ንውሓት ግዜ ናይቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኣይገደበን።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓሳብ ናይ ምግላጽ ይኹን ናይ ኣኼባ ናይ ምክያድ ናጽነት ከም ዘይፍቀድ እዩ ዝንገር።

ብዘይካ ኣብ ውሑዳት ሃይማኖታት፡ ሲቪላዊ መሰላት ናይ ካልኦት ሰዓብቲ እምነት ከም ዘየኽብር'ውን ይግለጽ።