ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዛ ብኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት እትሕመስ ዘላ ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 146 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቝባ ከምዘላ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ፣ ኣብ ሱዳን፣ ብጠቕላላ 874,493 ስደተኛታት ከምዘለዉ ‘ዩ ኣነጺሩ።
እቶም 16.8% ካብዝኣቶም ድማ ኤርትራውያን ‘ዮም።
ልዕሊ 88% ካብቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ከተማታት ዝርከቡ’ዮም።
ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቝቡ ዝርከብ መዓስከር ሸገረብ ኮይኑ፣ ብዝሖም ክሳብ 54 ሽሕ ይበጽሕ።
ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ ዝርከባ መዓስከራት ብድምር ድማ ልዕሊ 116 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቝበን ከምዘለዋ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን፣ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ውሒዱ እኳ እንተሎ ጠቕሊሉ ደው ከምዘይበለ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ጠቒሱ።
ኣብ 2018፣ ብዝሒ ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ልዕሊ 49 ሽሕ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ 2024 ግን ናብ ኣስታት 6800 ወሪዱ።