ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተገምጊሙ

ድሕሪ እቲ ናዕቢ ዘጋጠመ ክሳራታት እቲ ዝለዓለ ዕንወት ኣብ ልዕሊ መካይን ፖሊስ ከምዝወረደ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ቤት ፍርዲ፡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ኤርትራውያን ዝቐረቡ 86 ክስታት ካሕሳ ናይ ዝዓነወ ንብረት ሰሚዑ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንገለ ካብቶም ጥርጡራት ን12 ወርሒ ክእሰሩ ከም ዝፈረዶም ዝዝከር'ዩ።

ኣቐዲሙ፡ ፖሊስ ኔዘርላንድስ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ፖሊስ፡ ምስቲ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ምጽራይ 16 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።

እቶም ጥርጡራት ኣብ ክሊ ዕድመ 19 ክሳብ 48 ዓመት ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም፡ ኣብ ኣምስተርዳም፣ ኣፕልዶርን፣ ሱጂክ፣ ዲ ጉርን፣ ሄግ፣ ማስትሪችት፣ ኒጅሚገን፣ ሪጅኬቮርት፣ ሮስማሌን፣ ሮተርዳምን ኡትርአትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳር ከተማታት ዝነብሩ’ዮም።

እቲ ብ17 ለካቲት፡ ኣብ ፍረትቨኽ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኦፔራ ዝተራእየ ከቢድ ናዕቢ፡ ክልተ ኤርትራውያን ጕጅለታት ብዝፈጠርዎ ግጭት ዝተላዕለ ኰይኑ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ ምንባሩ መግለጺ ፖሊስ የመልክት።

ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደገፍቲ ዝነበርሉ ማእከል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ይግለጽ።

ኣብቲ እዋን፡ ፖሊስ ብእምኒ ከም ዝተሃርሙን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከም ዝቘሰሉን ጸብጻባት የመልክቱ።

ሓንቲ ካብኣቶም፡ ገጻ ብእምኒ ምስ ተሃርመት ናይ ቅድሚት ስእና ስኢና። እቶም ናዕበኛታት፡ መካይን ፖሊስን ኣውቶቡሳትን ከምኡ'ውን መእተዊ እቲ ኣዳራሽ ብሓዊ ኣቃጺሎም።

ጠበቓ እቶም ፖሊስ “ካብ 400 ክሳብ 500 ዝዀኑ ሰባት ነቲ ኣዳራሽ ብኣባትርን ሓጺንን ኣጥቂዖም” ክብል ኣቕሪቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ፡ እቲ ኵነታት ብቐሊሉ ናብ ምፍሳስ ደም ክቕየር ተኽእሎታት ከምዝነበሮ ገሊጹ ነይሩ።

“ፖሊስ ብዙሕ ነገር ክርእዩ ዝጸንሑ’ዮም፤ እዚ ግን ክትግምቶ ካብ እትኽእል ንላዕሊ’ዩ። ካራን ጐዘሞን ሒዞም ተራእዮም’ዮም። ኲናት እዩ ዝመስል ነይሩ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካናዳ፡ ጀርመን፡ እስራኤል፡ ሆላንድ፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኵለን ኣብ ምትእኽኻባት ኤርትራውያን ረጽሚ ዝመልኦ ግጭታት ርእየን እየን።

እቲ ህይወት መንእሰያት ዝቐዝፍ ዘሎ ሓድሕዳዊ ረጽሚ ንኤርትራውያን ከቢድ ስግኣትን ፍርሕን ፈጢርሎም ምህላዉ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንሰብመዚ እተን ዝርከቡለን ሃገራት ዓቢ ጸጥታዊ ብድሆ ኮይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።