ኤርትራ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበረላ እገዳ ክናዋሕ ምውሳኑ ኰኒና

"ኣብ ቀርኒ [ኣፍሪቃ] ንዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ዕላማታት" ናይቲ ሕብረት ንምትግባር ዝወጸ'ዩ ዝበለ እቲ መግለጺ "ግጉይ ሕጋዊ ኣገባባት መሰረት ብምግባር ዝወጸ ስኑዕ ክስታት'ዩ" ክብል ነጺግዎ።

እቲ ፈለማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2021 ዝተወሰነ እገዳታት፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝተሓሓዝ ምዃኑ እቲ ሕብረት ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ብቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተወሰነ እገዳ ብቐንዱ ንሃገራዊ ትካል ጸጥታ ኤርትራ ዒላማ ዝገበረ'ዩ።

"እቲ ብጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሃገራዊ ድሕነት መንግስቲ ኤርትራ ንዝተፈጸሙ ከበድቲ ሰባዊ መሰላት ተሓታቲ" ምዃኑ እቲ እገዳ ይጠቅስ።

"ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ዘይሕጋዊ ምርሻን፡ ምስዋር ሰባትን ስቅያትን ብኣባላቱ ተፈጺሞም" ክብል'ውን እቲ ቤትምኽሪ ይኸስስ።

ዒላማ ናይቲ እገዳ ዝኾኑ ውልቀሳባትን ኣካላትን፡ ኣብ ግዝኣት ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዎም ሃብቲ ክድስክል ዝገብር'ዩ።

እቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝቐጸለን ኲናት ትግራይ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን'ዩ እቲ እገዳ ተወሲኑ። ኣመሪካ'ውን ኣብቲ ዓመት ኣብ ልዕሊ ብ/ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፡ ሰራዊት ኤርትራን ትካላት ህግደፍን እገዳ ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር።

እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለጺኡ፡ "ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንሰባዊ መሰላት ዝተወለደት ሃገር'ያ። ምሉእ ምኽባር ሰባዊ መሰላት፡ ብዝሰፍሐ መልክዑ- ፖለቲካዊ፡ ሲቪካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን፡ ማእከልን ቀንዲን ፖሊሲ" መንግስቲ ኤርትራ'ዩ ክብል ሞጒቱ።

እገዳ ሕብረት ኣውሮጳ እታ ሃገር ንዘመዝገበቶ "ዓቢ ገስጋስ" ሰባዊ መሰላት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ነቒፉ።

እንተኾነ ግን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ይኹና ተሓለቕቲ መሰላት ዘቕርብዎ ቀንዲ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት እታ ሃገር ከምዘይተመሓየሸ ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ብሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተሰወሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር፡ ጀነራላት፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ተራ ዜጋታትን ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ይርከቡ።

ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ ማእሰርቲ'ውን ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ጥራይ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መራሕትን ሰዓብትን ዝተኣገዳ ወንጌላወያን ኣብያተ-ክርስትያን ካብ ገዝኦም እናተኣርዮ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ተዳጒኖም ከምዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት ሃይማኖት ይሕብሩ።