ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተቐቲሉ

ኣሌክ ዮሴፍ ብርሃነ ዝተባህለ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ቤተሰብ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብረቡዕ ምሸት ከባቢ ሰዓት 9 ከም ዝተቐትለ ዝተነግረ መንእሰይ፡ ኣብ ገዛኡ ደቂሱ እንከሎ ጐረቤቱ ሰረቕቲ ኣትዮምም ናይ ርዱኡና ኣውያት ድሕሪ ምግባሮም፡ ክረድእ ምስ ወጸ ዕጡቓት ጥይት ተኲሶም ከምዝቐተልዎ ኣብቲ መዓስከር ዝርከብ ቤተሰብ ግዳይ ሓቢሩ።

"ጐረቤቱ ሌባ ሌባ ኢሎም ኣውያት ምስ ገበሩ፡ ካብቲ ዝደቀሰሉ ክረድእ ገና ካብ ገዛኡ ውጽእ ክብል እንከሎ ተኲሶም ሃሪሞሞ። እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ቦታ ስለዝበሩ ኵሉ ሰብ ፈሪሁ ኣየልዓሎን፤ በዚ ድማ ብዙሕ ደም እዩ ፈሲሲዎ።

"ናብ ሕክምና ንምውሳድ'ውን ኣምቡላንስ ስለዘይረኸብና ገንዘብ ኣዋጺእና ኢና ወሲድናዮ። ብምባል ድሕሪ ክንደይ ላዕልን ታሕቲን ናብ ሕክምና'ኳ እንተበጽሐ ክድሕን ኣይከኣለን፡" ይብል።

መዓስከር ኣለምዋጭ

ምንጪ ስእሊ,SM

ንድሕነቱ ስሙ ዘይጥቀስ ቤትሰብ ግዳይ 'መጨረሽቱኡ'ውን ምስ ሞተ ክልተ ሰብ ጥራይ እዮም ዝቐብርዎ ኢሎም ኣብዮምና' ብምባል ድሕሪ ነዊሕ ለመና 6 ሰብ ተፈቒድዎም ክቐብሩ ከምዝኸአሉ ብምረት ይገልጽ።

እቲ ስጋኣቶም ግን ከም ባህሎምንን ወግዖምን ዘይምቕባሮም ጥራይ ዘይኰነስ ብልክዕ ኣበይ ከምዝተቐብረ ዘይምርኣዮም ምዃኑ ሓቢሩ።

"እቶም ተኸፊሎም ዝቐብሩ ሰባት ኣብ ደገ ክትጸንሕ ስለዝግድዱኻ፡ ጽባሕ ንግሆ መቓብር ውላዶም ክረእዩ ስድራቤት ምስ ዝመጹ፣ ከተልልዮ ዘይትኽእል ምዃኑ'ዩ ዝዓበየ ስኽፍታና እዩ፡" ይብል።

እቲ ግዳይ ተኸታሊ እምነት ካቶሊክ ብምንባሩ ኣብ ዳባት መቓብር ካቶሊክ ሰለዘየለ፡ ኣብ ጐንደር ክቕበር ተገይሩ።

እዞም ግዳይ መጭወይትን መቕተልትን ዝዀኑ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣለምዋጭ ንስደተኛ ውሑስ ዘይምዃኑ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተ ጠርዑ፡ ሰማዒ ከምዘይረኸቡ ብዙሓት ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ ተቐቲሉ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ መሰካኽር ዓይኒ ቅትለት ኤርትራውያን መፍትሒ ምስ ዘይግበረሉ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ናይ ሕጂ ቅትለት'ውን ኣብ ኣስታት ክልተ ሳምንታት ዘጋጥም ዘሎ ብምዃኑ ኵሉ ስደተኛ ኣብ ፍርህን ሽቝረራን ከምዝሸመሞ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ይገልጹ።

መዓስከር

ምንጪ ስእሊ,Fanabrodcasting

እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ "ሓላዊ የብልና ተሓታቲ የብልናን፣ ገሊኦም ሰንኪሎም ገለ ተቀቲሎም። ንፖሊስ፡ ወረዳ ከምኡ'ውን ን ኣራ ሓቢርናዮም ከነብቅዕ ዛጊት ዝተወሰደ ስጕምቲ የለን፡" ብምባል ፖሊስ ንባዕሎም ስግኣት ከምዘለዎም ከምዝገለጹሎም ይሕብሩ።

ኣሌክ (መዋቲ) ገና ትሕቲ ዕድመ እንከሎ እዩ ካብ መበቆል ዓዱ መነዅሰይቶ ናብ ስደት ኣምሪሑ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበረ መዓስከር ማይዓይኒ ምስ ጓል ሓፍቱ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ናብቲ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተደኰነ መዓስከር ኣለምዋጭ ግዒዙ፤ ጸገም ጥዕና ስለዝነበሮ ግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ክቕመጥ ጀሚሩ።

ይዅን እንበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ግፋን ማእሰርቲን ክዀኑን ካቡኡ ሓሊፎም ናብ ኤርትራ ብኣስገዳድ ይስጐጕን ብምህላዎም፡ እቲ መንነት ወረቐት ስደተኛ ግዜኡ ስለዝሓለፎ ከሕድሶ ብምባል እዩ ናብ መዓስከር ኣለምዋጭ ከምዝተመልሰ መቕርቡ ይግለጽ።

ካብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ድማ ኣብቲ መዓስከር ጸኒሑ።

እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስደተኛታት ወረቐት ስደተኛታት ዕለቱ ምስ ዘሕልፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይኖም ከሐድስዎ ዘይተአደነ ገንዘብ [ጉቦ] ከምዝሕተቱ እዮም ዝገልጹ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሕደስ ይኸእል እዩ፣ ግን ክሳብ 170 ሽሕ ብር ከፊሎም ዘሐደስዎ፣ ክንድኡ ከፊሎም'ውን ዝተሰንዐ ስለዝሃብዎም ፕሮሰስ ምስ ጀመሩ ዝተሰናኸሉ ሰባት ናብዚ መዓስከር መጺኦም ኣለዉ፡" ይብል ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ስደተኛ።

ኣብ መዓስከር ዳባት ምንባር ግን ናብ ሞት ጥራይ ዘይኰነስ ንዝተፈላልያ ደቀንስትዮ እውን ግዳይ ዓመጽን ክትራንን ብምግባር ኣብ ፍርሒን ስጋኣትን ክንብሩ ጌርዎም ኣሎ።

"ኵሉ ኤርትራዊ ስደትኛ ኣብ ጸበባ እዩ ዘሎ" ዝበለ'ቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስደተኛ፡ "ሰብ ይጭወ፡ ይቕተል፡ ይዕመጽ ኣሎ፣ ዘሚቶም እንተዝኸዱ ደሓን ምዀነ ግን መጺኦም ዝዀነ እንተዘይረኺቦምልካውን 'ስለምንታይ ዘይሓዝካ ኢሎም ቀቲሎምኻ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ስለዚ ክሰምዑና ዝኸእሉ ኣካላት፡ ካብዚ ቦታ ከውጹና ንምሕጸን፡" ይብል።

"ደቅናን ኣንስትናን ኣብ ገዛ ምሳና እንከለዉ ብፍርሂ ኣብ ዘይንድቅሰሉ ኵነታት ኢና ዘሎና። ዘዝወለድናዮም ንሞት ኰይኖም፡ብምባል" ዝምልከቶም ኣካላት ዝሓሸ ውሑስ ናብራ ክነብሩ ናብ ዘኽእሎም ቦታ ከግዕዝዎም ይምሕጸን።