ይዅን እምበር ብፍላይ እዘን ብዕድመን ብዓቕምን ከይኣኸላ ዝሰደዳ ደቀንስትዮ፡ ብዘይካ ክብደት'ቲ ጕዕዞ ዘገድዶ ማዕረ'ቶም መሳድድተን ዝገጥመን ንሂወት ዝፈታትን ብድሆ፡ ብሰንኪ ባህሪያዊ ኵነታተን ኣብቲ መስርሕ ስደት ዝገጥመን ብዙሕ ዘይዛረባሉ ጉዳያት ኣሎ።
በቶም ኣሰጋገርቲ ክወርደን ዝኸእል ዓመጽ፡ጥንሲ ክሳብ ሞት ክብጽሕ ዝኸእል ሕማምን እዩ። መዓስ እዚ ጥራይ፡ ኣብ ጕዕዞ ነቲ ወርሓዊ ጽግያት ዝቕበላሉ መንዲል ንጽህና ይዅን ማይ ክረኽባ ስለዘይክእላ ዝተፈላለየ ረኽሲ ከም ዘስዕበለን'ውን ዝተፈላለያ ስደተኛታት ዝገልጻኦ እዩ።
እዚ ዅሉ ተደማሚሩ ነብሰ ጽልኣት ይፈጥረለን'ሞ፡ ኣብቲ ዝደለያኦ ሃገር ምስ በጽሓ'ውን ግዳይ ሞራላውን ስነኣእምሮኣዊን ነውጺ ይዀና።
ይዅን እምበር ድሕሪ ከርተት ዝበዝሖ ጕዕዞ ምናልባት ዕድል ገይረን ናብቲ ዝሓሰባኦ ምስ በጽሓ'ውን እንተዀነ፡ ብሰሪ ሕፍረት ቅልጡፍ ሕክናዊ ሓገዝ ኣይሓታን እየን።
እዚ ስለዝዀነ ድማ ጥዕናዊ ኵነታተን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ምስ በጽሐ ናብ ማእከላት ጥዕና ይጓየያ።
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከብ ሬድሲ ማእከል ጥዕና እትሰርሕ ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ሕርስን ዶ/ር ማርታ ስዩም ኣብታ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝመርጽዋ ዩጋንዳ ብምህላዋ፡ ንኵነታት እተን ኤርትራውያን ብቕርበት እያ ትርድኦ።
'ኣብ እዋን ጕዕዞ ንነዊሕ ዝጸንሓን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ነዊሕ ዝተሓየራን ደቀንስትዮ፡ ነቲ መሰረታዊ ነብሰ ንጽህና ክገብራ ስለዘጸግመን፡ ስእነት ጽሬት ዝወለዶ ረኽሲ ይገብራ። ገለ ፍወሳ ከይረኽባ ነዊሕ ዝጸንሓ ደቀንስትዮ'ውን ናይ ማህጸን ፈሳሲ ጀሚሩኒ ኢለን ይመጻና እየን። ካልኦት'ውን እቲ ዝሓለፈ ነውጺ ስለዝብድሀን ናብ ጭንቅት ይቃልዓ'ሞ እዚ ድማ ምምዝባል ሆርሞናት ስለዘኸትል፡ ብዙሓት ደቀንስትዮና 'ወርሓዊ ጽግያተይ ተመዛቢሉ፡ ፐሬደይ ደው ምባል ኣቢኒ ሰለስተ ሰሙኑ ይፈስስ ኣሎ' ኢለን ሕክናዊ ሓገዝ ደልየን ይመጻ እየን፡' ብምባል ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ንዘለወን ብድሆታት ተረድእ።
ልዋም ዝተባህለት ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ፡ ቀጺላ ናብ ኢትዮጵያ ካብኡውን ብመንገዲ ኬንያ ኣቢላ ዩጋንዳ ነዊሕ ዝተጓዓዘት ኤርትራዊት ስደተኛ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፤
'ኣብ ጕዕዞ ስደት ደቀንስትዮ ኣዚና ኢና ንጽገም። ብፍላይ ናይ ኣዴታትና ክመጻና እንከሎ ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ጕዕዞ ኣዝዩ ነዊሕ ስለዝነበረ ሒዝናዮ ዝተበገስና መንዲል ንጽህና ወዲእና ኣዚና ተሸጊርና ሓሊፍናዮ።' ብምባል ንዓኣን ብጾታን ረኽሲ ሽንቲን ሓሳስያ (ሕማም ቆርበት) ከምዘስዓበለን ብምግላጽ ስሩዕ ሕክምናዊ ክትትል ድሕሪ ምግባራ ከምዝተፈወሰት ተረደእ።

ምንጪ ስእሊ,ዶክተር ማርታ ስዩም
ዝዀነ ይዅን ምልክታት ሕማም ወይ ቃንዛ ኣብ ዝተሰምዓና ብእዋኑ ሞያዊ ሓገዝ ምሕታት ኣብ ጥዕናና ዘለዎ ጽልዋ ዝሰሓት ኣይኰነን።
ይዅን እምበር ዝመጻናሉ ሕብረተሰብ ዓቃባዊ ስለዝዀነ መብዛሕቲአን ደቀንስትዮ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ዓመጽ ተተሓሒዙ ዝፍጠር ጸገማት ጥዕናዊ ሳዕቤናቱን ክዛረባሉን ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓታሉን ኣይደፍራን።
ዶክተር ማርታ፡ "ብዙሕ መስገደልን ጐንጽን ዘለዎ ነገር ሰጊረን እየን ዝመጻ። ዝተፈላለየ ዓይነት ሽግር የጋጥም እኳ እንተዀነ፡ ብዙሕ ግዜ ግን ዓመጽ፡ ዘይተደልየ ጥንሲ ( ካብ ዓመጽ ዝመጸ)፡ ረኽሲ ማህጸንን ዝገጥመን ኣለዋ። ገለ ኣዝየን ንኣሽቱ ስለዝዀና ነቲ ዝገጥመን ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸገማት ኣይጻወርኦን እየን። ስለዝዀነ እቲ ሕሉፍ በደል ዝወለዶ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከስዕበለን ይሪአ እዩ፡" ብምባል ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ናብ ሕክምና ዘምጻኣ ሓደ ምኽንያት እኳ እንተዀነ፡ ተሸፊኑ ዝመጽእ ብዙሕ ጠንቅታት ክህሉ ከምዝኸእል ተብርህ።
"ሓንቲ ተሓካሚት ምናልባት ረኽሲ ማህጸን ገይረ ብምባል ክትመጽእ ትኽእል እያ፤ ግን ንዑኡ ጥራይ ሓኪምካ ምስዳድ እኹል ኣይኰነን። ስለዚ ብዝተፈላለየ ሸነኻት ብምፍታሽ ተወሳኺ ሓገዝ ክኢላ ስነ አእምሮ ድዩ ዘድልያ ወይ ዝዀነ ካልእ ሓገዝ ፈቲሽካ ምስ ትሕግዘን እዩ ምሉእ ጥዕና ክረኽባ ዝኸእላ፡" ብምባል ብዝተኻእለ መጠን ኵሉ መዳያዊ ሕክምናዊ ሓገዛት ንምሃብ ከምዝጽዕሩን ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ,Getty Images
ብዘይካዚ፡ ገለ'ውን ብሰንኪ ዓመጽ ጥንሲ ዘጋጥመን ከም ዘለዋ ዶ/ር ማርታ ትጠቅስ። እዘን ደቀንስትዮ ነቲ ዝተፈጥረ ጥንሲ ብናተን መንገዲ ንምንጻል ፈቲነን ንሓደጋ ይቃልዓሞ ደሓር ናብ ሕክምና ኣብ ዝኸዳሉ፡ ኣካላዊ ቃንዛን ስነ ኣእእምሮኣዊ ነውጽን ተወሳሲኹ ኵነታተን ብግቡእ ከረድኣ ከምዝጽገማ ትገልጽሞ፡ኣብ እቲ ንሳ ትሰርሓሉ ማእከል ጥዕና ሬድሲ ንዅሉ ኣብ ግምት ዘእተወን ዘገናዘበን ሓገዛት ከምዝገብር ተረድእ።
"ገለ ደቀንስትዮ ነቲ ዘጋጠመን ዓቢጠንኦ ስቕ ይብላ እሞ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ናይ ሓዋሩ በሰላ እዩ ዝገድፈለን። ንኣብነት ክቱር ረኽሲ ማህጸን ከጋጥም እንከሎ ንሓዋሩ ናይ ምውላድ ተኸእሎአን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዎ ይኸእል እዩ። ብእዋኑ ሓገዝ ምስ ዝሓታ ግን ኣካላውን ስነ አእምሮኣውን ፍታሕ ስለዘለዎ ከም ሰበን ስድራ መስሪተን ውላደን ክሓቝፋ ዓቢ ተራ ኣለዎ፡" ኢላ ትመክር።
ዶ/ር ማርታ፡ እዘን ደቀንስትዮ እቲ ዘጋጠመን ጸገም ኣብ በይነን ከም ዘይኰነ ክፈልጣ ኣለወን ድሕሪ ምባል፡ እቲ ንሰን ዝሓልፍኦ ዘለዋ ቅድሚአን ብዙሓት ሓሊፈናኦን ፍታሕ ረኺበናሉን ከም ዝዀና ብምዝኽኻር፡ "ሕክምና ኣብ መንጐኻን ኣብ መንጐ ሓኪምን ጥራይ ከምዝዀነ ክፈልጣን፣ ምስጢርና ይዕቅበልና እዩ ምስ ዝበልኦ ሰብ ብምዝርራብ ሓገዝ ሰብ ሞያ ክሓታን፡" ተተባብዕ።