ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝነገሱሉ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ

ኢትዮጵያ ኸኣ 3 ነሓስ ኣዋህሊላ።

ኣብ ናይ ዓበይቲ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸወን እንከሎ ሚልክያስ ማእከለ ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ኮይኑ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኣድያም ዳዊት ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ።

ኣብ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ኬቨን ተኽለማርያም፡ ሴም እዮብን ናሆም ኤፍሬም ንጸወታ ምሉእ ብምሉእ ብምዕባላል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውጻእ ሰለስተ መዳልያታት ኣምጺኦም።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 18 ዓመት'ውን ኤርትራ ብመንገዲ ናርዶስ ጸጋይን ኤልዳና በረኸትን ወርቅን ነሓስን ኣምጺኣ።

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሓናፊጾም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ርዋንዳ ቀዳማይቲ ክትከወን እንከላ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቕደም ተኸተል ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺአን።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር'ውን ኤርትራውያን ሱዛን ፍስሃን ኣድያም ዳዊትን ወርቅን ብሩርን ክረኽባ እንከላዋ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ምዕራፍ ገብረእግዝኣብሄር ነሓስ መዳልያ ረኺባ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝነገሰሉ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ

ኣብ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኬቨን ተኽለማርያምን ናሆም ኤፍሬም ወርቅን ነሓስን መዳልያ ኣምጺኦም።

ኣብ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቤትኤል ኤፍሬም ወርቂ ከተምጽእ እንከላ ኢትዮጵያዊት ጽገ ካሕሳይ ነሓስ መዳልያ ኣምጺኣ።

ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ኣብ 2022 ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርም ኣል ሸኽ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ኩሉ ውድድራት 15 መዳልያታት ዝሓዘትሉ ከም ክብረ ወሰን ተታሒዙ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ 2024 ከኣ ኣብ ኩሉ ውድድራት፡ ኤርትራ 16 መዳልያታት ብምውህላል ንኽብረ ወሰና ባዕላ ኣማሓይሻቶ ኣላ።

ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024 ካብ ናይሮብን ካብ ካምፓላን ናብቲ ቦታ ዝተጓዓዙ ኤርትራውያን ደገፍቲ ኣቃልቦ ኬንያውያንን ኣካየድቲ እቲ ውድድርን ስሒቦም ቀንዮም።

ኢትዮጵያ ኸኣ 3 ነሓስ ኣዋህሊላ
መግለጺ ስእሊ,ኢትዮጵያ 3 ነሓስ ኣዋህሊላ
ደገፍቲ
መግለጺ ስእሊ,ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024 ካብ ናይሮብን ካብ ካምፓላን ናብቲ ቦታ ዝተጓዓዙ ኤርትራውያን ደገፍቲ ኣቃልቦ ኬንያውያንን ኣካየድቲ እቲ ውድድርን ስሒቦም ቀንዮም
ተዓወትቲ ብሓባር
መግለጺ ስእሊ,ኣብዚ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ኬንያ ከተማ ኤልዶረትን ኢተንን ክካይድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024፡ ኤርትራ ኣብቲ ጸወታ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩር 4 ነሓስ ብምርካብ ብድምር 16 መዳልያታት ብምውህላል ብብዝሒ መዳልያታት ቀዳመይቲ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማቶ
ደገፍቲ
ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሓናፊጾም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ርዋንዳ ቀዳማይቲ ክትከወን እንከላ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቕደም ተኸተል ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺአን
መግለጺ ስእሊ,ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሓናፊጾም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ርዋንዳ ቀዳማይቲ ክትከወን እንከላ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቕደም ተኸተል ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺአን
ኣብ ናይ ዓበይቲ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸወን እንከሎ ሚልክያስ ማእከለ ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ኮይኑ
መግለጺ ስእሊ,ኣብ ናይ ዓበይቲ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸወን እንከሎ ሚልክያስ ማእከለ ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ኮይኑ