መዓስከር ኣለምዋጭ -- ኤርትራዊ ስደተኛ ብዕጡቓት ተቐቲሉ

ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ ዕጡቓት ናብቲ ኤርትራውያን ተዓቝቦምብሉ ዘለዉ ብምምጻእ፡ ንሓደ ካብቶም ተዓቈብቲ ናብ በረኻ ወሲዶም ከም ዝቐተሉ፡ መቕርቡ ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ሓሙስ ካብቲ መዓስከር በቶም ዕጡቓት ዝተወስደ ስደተኛ፡ ብቐዳም’ዩ ኣብ በረኻ ተቐቲሉ ተረኺቡ።