ፖሊስ ለንደን፡ ‘ብገበን ዕግርግር ዝተጠርጠሩ’ ኤርትራውያን ይሃድን ኣሎ

ብ30 ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካምበርወል ደቡብ ለንደን ኣብ ዝተፈጥረ ባእስን ዕግርግርን ብገበን ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ይድለዩ ከምዘለዉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ትማሊ ዝተዘርግሐ፡ ነዞም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ህዝቢ ዝጽውዕ መግለጺ ፖሊስ፡ ኣብቲ ዕግርግር፡ ልዕሊ 100 ሰባት - ገሊኦም መሳርያታት ኣባትርን ካልእን ዓጢቘም ነቲ ኣዳራሽ - ላይትሃውዝ ከምዘጥቅዑ ይኸስስ።

ድሕነት ህዝቢ ንምዕቃብ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኣባላት ፖሊስ በቶም ሰልፈኛታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወሎምን ብሰንኩ ድማ ኣርባዕተ ኣባላት ክሳብ ሃለዋት ምጥፋእ ዝበጽሐ ነባሪ መጕዳእቲ ከም ዝወረዶምን መግለጺ ፖሊስ ወሲኹ የመልክት።

ነቲ መርመራ ዝመርሕ ዘሎ ቀንዲ መርማሪ ገበን ስያን ቶማስ፡ “ኣብቲ ዕለት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ተረኺቦም ንህዝቢ ንምክልኻል ዝወፈሩ ኣባላት ፖሊስ ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ዛጊት ካብ ዝረኣኹዎ እቲ ዝኸፍአ እዩ፡” ክብል ገሊጽዎ።

መርማሪ ቶማስ ወሲኹ፡ “ምስዚ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ ገበናት ዝተጠርጠሩ 44 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእቲና ኣለና፤ ምዕባለታት እናርኣና መርመራ ንቕጽል ኣለና። ይዅን’ምበር ንኸነለልዮምን ኣብ ቀይዲ ከነወዕሎምን ሓገዝ ህዝቢ ዘድልየና ብርክት ዝበሉ ጥርጡራት ኣለዉ” ኢሉ።

ብዝተፈላለየ መገድታት ዝተረኽበ ኣሳእል ሓሙሽተ ጥርጡራት ድማ፡ ፖሊስ ለንደን ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ዘርጊሑዎ’ሎ።

ብቲ ዕለት ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ተቓወምቲን ደገፍትን መንግስቲ ንዝተፈጥረ ዕግርግር ንምህዳእን ድሕነት ሰባት ንምሕላውን ብርክት ዝበለ ሓይሊ ፖሊስ ከምዝተዋፈረ፡ ኣብቲ እዋን ፖሊስ ገሊጹ ነይሩ።

ሽዑ ንሽዑ ድማ፡ ንኣባላት ፖሊስ ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት ድሕነትን ብምህራምን ኣብ ሰብን ንብረትን ዕንወት ብምውራድን ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተታሕዙ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ፖሊስ፡ ምስቲ ዕግርግር ብዝዝተኣሳሰር ዘደልዮም ዘሎ ኤርትራውያን
መግለጺ ስእሊ,ፖሊስ፡ ምስቲ ዕግርግር ብዝተኣሳሰር ዝደልዮም ዘሎ ኤርትራውያን

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን፡ ፖሊስ ኔዘርላንድስ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ እዩ፤

ኣብ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ክግበር፡ ዝተፈላለየ ኣገባባት ርክብን ተሌፎናትን ወግዓዊ ብምግባር ጸዊዑ ከምዝነበረ እውን ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ከተማታት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካናዳን ዕግርግርን ምትፍናን ክርአ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መስከረም 2023 ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን ከተማ ሽቱትጋርት ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ብውሕዱ 26 ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ዓሰርተታት ሰባት ቆሲሎም እዮም።

ብሰንኩ ድማ ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ እቶም ዕግርግር ዝፈጠሩ ኤርትራውያን 125 ገበናዊ ክስታት ከምዝመስረተ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ብዙሓት ከም ዝተኣስሩን ገለ ድማ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ከምዘለዉን ይንገር።

ብዘይካኡ፡ ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ እውን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዕግርግር ብዙሓት ሰባት ተጐዲኦም ነይሮም። እቲ ናዕቢ ንኣፍሪቃውያን ሓተትቲ ዕቝባን ስደተኛታትን ድማ ዝጸለወ ምንባሩ ይግለጽ።

ኣብ ካናዳ እውን፡ ኣብ መስከረም ኣብ ካልጋሪ ኣብ ዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር ኤርትራውያን፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከም ዝወረደ ብምግላጽ፡ ፖሊስ፡ ኣብቲ ኵነታት ‘ብዝተፈላለየ ተራ’ ዝተሳተፉ ዝበሎም 16 ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኤርትራዊ ኣጋጣሚታት ዝርአ ዘሎ ዕግርግር፡ እቶም ኣብ ሃገሮም ካብ ዝወርዶም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣመና ድሩት ዕድላትን ኣምሊጦም፡ ንዝሓሸን ናጻን ህይወትን መጻኢን ብኽንደይ መከራ ኣብዘን ሃገራት ዝበጽሑ ኤርትራውያን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ መንግስቲ ተቓውሞኦምን ቍጥዐኦምን ዝገልጹሉ ዘለዉ ኣገባብ ኰይኑ’ሎ።

እንተዀነ እቲ ከምዚ ዝበለ ናዕቢን ዕግርግርን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ይዅን፡ ነቶም ኣንጻር ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎም ሕሉፋት የማናውያን ፖለቲከኛታት፡ ንምጕቶም ዘራትዕ ፍጻመታት ምዃኑ ክግለጽ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንርእይቶኡ ቢቢሲ ዝተወከሶ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ መቕጻዕቲታት፡ “ ብውልቀሰባት ደረጃ፡ ኣብ መዝገቦም ዝሰፍር ነገራት፡ ኣብ ህይወቶምን ስርሖምን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ፡” ድሕሪ ብምባል፡ ብኻልእ መዳይ ግን እዚ ጉዳይ፡ “እቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምብዛሕ ስደተኛታትን ካልእ ኵነታትን ኣቓልቦ ክወሃቦ፡” ድርኺት ክፈጥር ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን ይግምግም።

መራኸቢ መስመራት ተሌፎንን ኣድራሻን ወግዓዊ ገይሩ ዘሎ ፖሊስ ለንደን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ በዚ ጉዳይ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት 44 በጺሖም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ እቶም ተደለይቲ ካብዚ ቍጽሪ ኣመና ብዙሓት ምዃኖም ብምጥቃስ ምድላይን ምእሳርን ክቕጽል ምዃኑ ኣተንቢሁ፤ ምትሕብባር ህዝቢ ጸዊዑ’ሎ።