ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?

ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተቓውሞኦም ከስምዑ ዘይክእሉ ብኣካይዳን ምሕዳራን መንግስቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኤርትራውያን፡ ነቲ ቅድሚ 33 ዓመት እታ ሃገር ናጻ ዝወጸትሉ መዓልቲ ንምዝካር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየዱ መደባት ተቓውሞ ኣብ ዘካይዱሉ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ከይፍጠርን ስለ ዝሰግኡ እዩ።

ገለ ሃገራት ካብዚ ሓለፈን እቲ ጽምብል ናጽነት ኣብ ከተማታተን ከይካየድ ኣጊደን እየን።

ኤርትራ፡ ካብ ጐበጣ ኢትዮጵያ ሓራ ንምዃን መሪር ቃልሲ ኣካይዳ እያ፤ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ውግእ ድማ ናጽነታ ተጐናጺፋ።

ይዅን’ምበር እቲ ቃል ዝተኣተወሎም ናጽነታት ግብራዊ ብዘይ ምዃኑ፡ እቲ ጽምብል ንገሊኦም መሪር-ጥዑም እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ንዝሓለፉ 33 ዓመታት ሃገራዊ መረጻ ከየካየደ እዩ ነታ ሃገር ከመሓድር ጸኒሑ፤ ሕጂ’ውን ገና ይቕጽል ዘሎ።

ኤርትራ ድማ ኣብ ዓለም ቅዋም ዘይብላ እንኮ ሃገር እያ። ኣብታ ሃገር ካብቲ ገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ ወጻኢ፡ ዝዀነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ማሕበርን ኣይፍቀድን።

ኣብ 2001 ናጻ ጋዜጣታት ካብ ዝዕጸዋን መብዛሕትኦም ኣዳለውቲ ጋዜጠኛታት’ውን ካብ ዝእሰሩ ንደሓር፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ፕረስ ተኣጊዱ ይርከብ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብቲ ናይ ዝዀነ ዓቕሚ ዘለዎ ዜጋ ዕጫ ዝዀነ ዘይተገደበ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምህዳም ሓደገኛ ጕዕዞታት ክገብሩን ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሃድሙን ጸኒሖም’ዮም።

በዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዚ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝርከባ ወተሃደራዊ ሕብረተሰባት ኰይና ኣላ።

ኣብ ዲያስፖራ ዝያዳ ኣዝዩ ሱር በተኻዊ ጫፍ ዘለዎ ሓድሽ መልክዕ ተቓውሞ ዝተመስረተ፡ ካብዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት እዩ።

በቶም ኣቐዲሞም ተቓለስቲ ዝነበሩ፣ ከምኡ’ውን ላዕለዎት መራሕቲ መንግስትን ህግደፍን ነበር ዝቘሙ ዝተበታተኑ ተቓወምቲ ጕጅለታት ሰልክይዎም ይመስል።

ኣንጻር እቲ ካብ ሃገሮም ብሓይሊ ከምዘውጽኦም ዝገልጽዎ ስርዓት ክቃለሱ ስለ ዝቘረጹ ድማ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ብዝብል ዝፍለጥ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣቚሞም።

ዓውደ ግንባሮም ድማ ብኤምባሲታትን ብማሕበረኮማት ደገፍቲ መንግስቲን ዝውደቡ ሃገራዊ ጽምብላትን ፌስቲቫላት እዮም።

ታሪኽ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዓቢ ምውህሃድ ማሕበረሰባት ኣሎ፤ እዚ ድማ እቶም ኣብ እዋን ኲናት ዝወጹ፡ ነቲ ቃልሲ ንምድጋፍ ገንዘብ ናብ ሃገሮም ዝሰዱ ዝነበሩን ክሳዕ ሕጂ ጻዕሮም ሓድሽ ሕብረተሰብ ብምፍጣሩ ዝሕበኑን ከይተረፈ ዘጠቓልል’ዩ።

ንነዊሕ እዋን ኣብ ስደት ዝጸንሑ ደለይቲ ፍትሒ ተቓወምቲ ግን፡ ኣብተን ዕቝባ ዝሓተቱለን ሃገራት ከይተረፈ ብህግደፍ ውርደትን ምፍርራሕን ይበጽሖም ከምዘሎ ይዛረቡ።

ደቀስንትዮ ኣብ ወተሃደራዊ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም እታ ኣመና ወተሃደራዊ ዝዀነ ሕብረተሰብ ዝሃነጸት ሃገር እያ

ኣቦ መንበር ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ሮቤል ኣስመላሽ፡ መዛንኡ ቃልሲ ግብረ-መልሲ ከካይዱ ግዜኡ ኰይኑ ከምዝስምዖም ይገልጽ።

ኣብ 2013 ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝሃደመ እቲ ወዲ 27 ዓመት መራሒ ታክሲ፡ “ህዝቢ ብሰላም ተቓውሞኡ ናይ ምግላጽ መሰል ተነፊጉዎ’ሎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ጐስጓሶም “ሰማያዊ ሰውራ” ብዝብል ስም’ውን ይጽዋዕ’ዩ - እዚ እታ ብእንግሊዝ እትመሓደር ዝነበረት ኤርትራ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋሳ ርእሰ-ምምሕዳር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ 1952 ዝተመስረተ ሰማያዊ ባንዴራ ዘመልክት እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ጨናፍር ዘለዎ ኰይኑ፡ ዝዀነ ንመንግስቲ ዝድግፍ ፍጻመ ንኽካየድ ከይፍቀደሉ ይጽዕር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካናዳ፡ ጀርመን፡ እስራኤል፡ ሆላንድ፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኵለን ኣብ ምትእኽኻባት ኤርትራውያን ዓመጽ ዝመልኦ ግጭታት ርእየን እየን።

ገለ ካብቶም ደለይቲ ፍትሒ፡ ንኣባላት እቲ ተቐናቓኒ ማሕበረሰብ ንምብታን ኣእማን፡ ኣባትርን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ካራን ተጠቒሞም እዮም።

ኣብ ተልኣቪቭ እቲ ወጥሪ ብክልቲኡ ሸነኽ ናብ መጥቃዕቲ ተሰጋጊሩ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ድማ ሓደ ተቓላሳይ ሰማያዊ ሰውራ ተቐቲሉ እዩ፤ ኣርባዕተ ቈልዑን በዓልቲ ቤቱን ገዲፉ ንሞት ተቓሊዑ።

ሓደ ደጋፊ መንግስቲ ዝዀነ ሰብ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብኸቢድ ተጐዲኡ ኣብ ሆስፒታል ንህይወቱ ይቃለስ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፖሊስ ለንደን፡ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ካምበርዌል ኣብ ዝርከብ ትያትር ዝካየድ ዝነበረ ንመንግስቲ ዝድግፍ መደብ ብምውራር ሓያሎ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ዝቘሰሉሉ መጥቃዕቲ ብምስታፍ ክድለዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስእሎም ከምዝዘርገሐ’ውን ይፍለጥ።

"ኣብ ልዕሊ እቶም ድሕነት ህዝቢ ንምሕላውን ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበሩ ሰባት ንምክልኻልን ዝተዋፈሩ መኮንናት ፖሊስ ዝተፈጸመ ዓመጽ፡ ካብቶም ገለ ዝረኣኹዎም እቲ ዝኸፍኡ'ዩ" ክብል እቲ ጉዳይ ዝከታተል ዘሎ መርማሪ ገሊጽዎ።

“ክሳዕ ሕጂ ምስዚ ሰልፊ ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ገበናት ከምዝፈጸሙ ዝተጠርጠሩ 44 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእቲና ምዕባለታትና ንቕጽል ኣለና፡ ይዅን’ምበር ገና ንኽንፈልጦም ሓገዝ ህዝቢ ዘድልየና ብርክት ዝበሉ ዘይተታሕዙ ጥርጡራት ኣለዉ፡” ክብል’ውን ወሲኹ ይገልጽ።

ብፖሊስ ዝተታሕዘ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ,AFP

መግለጺ ስእሊ,ኣብ እስራኤል ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝተኻየደ ግጭት ኤርትራውያን ኣዝዩ ደማዊ ነይሩ

ሰበስልጣን ስዊዘርላንድ ግን ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንኽካየድ ፍቓድ ምኽልካሎም፡ ስጉምቲ እቲ ሰማያዊ ሰውራ ገለ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ በቲ ስጕምቲ ከምዝተሰናበደ ብምግላጽ ሰበ-ስልጣን ድልየት “ዓመጽቲ ሸፋቱ” የማልኡ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

ሪጅስዊክ ኣብ ዝተበሃለት ከተማ ሆላንድ እውን ነቲ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ዝካየድ ምትእኽኻባት ኣጊዳቶ ኣላ።

ሮቤል ኣብ መጀመርታ ኣብ ገለ ፍጻመታት ነገራት ካብ ኢድ ወጺኦም ክዀኑ ከምዝኽእሉ እኳ እንተኣመነ፡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ’ውን ዒላማ ከምዝተገበሩ ይዛረብ።

"ኣብ መጀመርታ ነገራት ዘመሓድርን ድሕነት ብሓላፍነት ዝወስድን ኣመራርሓ ኣይነበረን - ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ኣባላትና ግዳይ ዓመጽ ኰይኖም’ዮም" ይብል።

“ሕጂ ግን ኣብ ኵለን ሃገራት መራሕቲ ብርጌድ ንሓመዱ ብዛዕባ ሕጊታት ተቓውሞ ንቕሓት ይህቡ ኣለዉ።”

“ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ብምውህሃድ ተቓውሞና ክንቅጽል ኢና” ክብል ድማ ይውስኽ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ዝቃወሙ ዘለዉ መዛንኡ ጥራይ ከምዘይኰኑ ስለዝፈልጥ እዩ።

ስድራቤቶም ዝያዳ ምስ መንግስቲ ዝተሰለፉ ኣብ ዲያስፖራ ዝተወልዱ ኤርትራውያን ወለዶ’ውን ተጠርኒፎም ኣለዉ።

ገዛኢ ውድብ ህግደፍ፡ ንዲያስፖራ ዝኸውን ክንፊ መንእሰያት ኣቝሙ እዩ፤ እዚ ክንፊ ብሓደ ካብ ሰበስልጣናቱ “ዕጡቕ” ጕጅለ ተባሂሉ ይግለጽ።

ኣብ 2005 ዝተመስረተ ግንባር መንእሰያት ንዲሞክራስን ፍትሕን (YPFDJ) “ብጸላእቲ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ሓሶት” ንምቅላዕ ዝተፈጥረ ምዃኑ ብመንግስቲ ዝውነን መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

ገለ ካብቶም ዝተመልመሉ ኣብቲ ፍሉጥ መዓስከር ታዕሊም ሳዋ ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንምስታፍ ናብ ኤርትራ ከይተረፈ ተጓዒዞም እዮም፤ ይዅን’ምበር ዘይከምቶም ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ ወተሃደራት ካብታ ሃገር ተመሊሶም ክወጹ ይኽእሉ እዮም።

ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ መሰረት ኲናቱ ከራግፍ ዘይከኣለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ 2017 ነዚ ክፍሊ ዲያስፖራ ዘጠቓለለ “ኣርባዕተ ተጻረርቲ ግንባራት” ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓድሽ ስርዓት ምሕደራ ኣተኣታትዩ’ዩ፤

እተን ቀዳሞት ሰለስተ ግንባራት፡ ምብራቓዊ፡ ማእከላይን ምዕራብን ኰይነን ብመገዲ ሰለስተ እዚታት ሰራዊት ዝተወደባ እየን።

እቲ ራብዓይ ግንባር ብመሰረት ናይ ትግርኛ ኣሕጽሮተ-ቃሉ 4ጂ (4G) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ብኤምባሲታት ኤርትራን ብጨናፍር ግንባር መንእሰያት ንዲሞክራስን ፍትሕን (YPFDJ) ዝተወደበን ዝተዋደደን እዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ካሊፎርንያ ዝነብር ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽላይ ንገዛእ ርእሱ ደጋፊ ግንባር መንእሰያት ንዲሞክራስን ፍትሕን ዘይኰነስ ሃገራዊ ምዃኑ ይገልጽ። ንሱ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዲያስፖራ ከም “ቍጠባዊ ዞባ” ከምዝሓስቦ ገሊጹ።

እቲ ወዲ 53 ዓመት በዓል ሞያ ባንክ፡ እቶም ብመንፈስ ሃገራውነት ሓዋላ ዝልእኩ ሰባት፡ ንህግደፍ ዕዉር ተኣማንነት ከምዘለዎም ጌርካ ምርኣይ ጌጋ ምዃኑ ይዛረብ።

ዳኒኤል ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ተዛሪቡ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ኤርትራ ኣብ እትርከብ ሰሜናዊት ግዝኣት ኢትዮጵያ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ግን ሃገራውነቱ ከምዝተበራበረ ይዛረብ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ 2021 ኣንጻር እቲ ግጭት ሰልፊ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ኲናት ትግራይ ንኣረኣእያታት ኤርትራውያን ዲያስፖራ ዝያዳ መቓቒልዎ እዩ - እዞም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ 2021 ኣንጻር እቲ ግጭት ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራ ኣብ ግጭት ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይና ኣንጻር ተጋደልቲ ህወሓት ዝተቓለሰት ክትከውን እንከላ፡ ህወሓት ኣብ ሓደ እዋን ገዛኢ ኢትዮጵያ ዝነበረን ኣቐዲሙ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ንዝተኻየደ ኲናት ዶብ ብኤርትራ ዝውቀስን ውድብ እዩ።

"ኣብ እዋን እቲ ግጭት፡ ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ብዘየገድስ፡ ብድሕሪ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዕጡቓት ሓይልታቱን ረብሓታት ሃገርን ተሰሊፊፎም’ዮም" ክብል ዳኒኤል የረድእ።

“እዚ ናይ ሓድነት ምርኢት’ዚ፡ ኣብ መዓልቲ ናጽነትን ካልኦት ሃገራዊ በዓላትን ተፈታውነት ከምዝዓቢ ገይሩ፡ ጽምብላት እውን ዝያዳ ህያውን ሃገራውን ኰይኖም፡” ይብል።

ይዅን’ምበር፡ መብዛሕትኦም ሰማያውያን ሰውራውያን፡ ካብ ምልመላ ውትህድርና ሃዲሞም፡ ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፋ ይቃወሙ ነይሮም።

"ነዚ ዝበረኸ ሃገራዊ ሓድነት ከም ግብረመልሲ፡ ሱር በተኻዊ ተቓወምቲ ናብ ዓመጽ ኣምሪሖም... ኣእማን ምድርባይ፡ መካይን ምንዳድ፡ ንብረት ምዕናውን ንመኮንናት ፖሊስ ምጥቃዕን" ከምዝጀመሩ ዳኒኤል ይገልጽ።

ግንባር መንእሰያት ንዲሞክራስን ፍትሕን ምስ ዝዀነ ይዅን ጸረ ዓመጽ ምትእስሳር ኣለዎ ኢሉ ኣይኣምንን፤ የግዳስ ነቶም ተቐናቐንቶም ይወቅስ።

ከም ሓባራዊ መስራትን ኣቦ መንበርን ዋን ኔሽን ዝተባህለ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ ዝጣበቕ ትካል፡ ኣብ መላእ ዓለም በዓላት ኤርትራ ክስስኑ ክርኢ ቆሪጹ ተላዒሉ ኣሎ - ምስራዝ ጽምብላት ድማ ከም ንተግባራት “ኣኽረርቲ” ዝወሃብ ምላሽ ኣይርእዮን።

“እቲ መፍትሒ ነዞም ተግባራት ኢድካ ምሃብ ኣይኰነን፤ ሕግን ስርዓትን ክስዕር ኣለዎ።”

“እቶም ገበናት ብምፍጻም ሕጊ ዝጥሕሱ ብተግባሮም ክሕተቱ ኣለዎም” ይብል።