ኤርትራ፡ ኣብ 100 ዓመተን 100 ውሉዳት ዝፈረያ ወላዲት ወይዘሮ ሓጉሽ ሃይለ

ኣጋጣሚ ኰይኑ በዓል ቤተን ኣቦይ ሃብተ ፍታው እውን ፍሉጥ ማሰኛ ኰይኖም ኣብ መርዓን ደርዓን ዓድን ጐደቦን፡ ወለዶን ተግባርን ሰብ ውራይ እናጸብጸቡ ሞያኦምን ቅያኦምን ዝነግሩ ኣቦ እዮም።

ኣብ ሓመድ ድበን ቀብርን እውን ልክዕ ከምኡ ሞያን ተግባርን መዋቲ እናጠቐሱ፡ ብመልቀሶም ንወለዶታት ዝዝከር ዛንታ ዝነግሩ መላቓሳይ እውን እዮም።

ኣደይ ሓጉሽ እውን ከምቲ ናይ በዓል ቤተን እኳ ኣይኹን እምበር ንሰን እውን ኣብ ጽንብላት ዓድን ውራይን ብግጥምን ዜማን ሓሳበን ካብ ምግላጽ ድሕር ዘይብላ፤ ንዓዲ ኣብ ዝምልከት ኣኼባታት ደፊረን ርእይቶአን ዘቕርባ ዓመጽን ዓሎቕን ዘይፈትዋ ደፋር ኣደ ነይረን። ንቤተን ተላኢኾም ምስ ከዱ ግማዕ ሃንዘአንን ቅጨአንን ዝበልዑ ቖልዑ ዓዲ፡ ነደይ ሓጉሽ ብፍቕሪ እዮም ዝዝክሩወን።

ተወሊደን ኣብ ዝዓበያሉ ማእከል ዓዲ ድግሳ፡ ካብ ዓዲ ሽም ምሕረት፡ ናብ ዓዲ ሽም ጴጥሮስ (ጴጥሮሽ) እንዳ ሃብተ ፍታው ኣትየን 12 ከብደን ዝወለዳ ኣደይ ሓጉሽ ካብ እግሪ በዓል ቤተን ከይበዀራ ቆፈአን ዘህጠራ ጻዕራም ሓረስታይ ነይረን።

ብማሕረስን ጉስነትን ኣብ ዝነባበር፡ እሞ ኸኣ ርቡሕ እቶት ኣብ ዘይርከቦ፡ ጎቦታት ዝበዝሖ ቃጽዖታት መሬት፡ ጫዂርካን ፍሒርካን ደርዘን ቈልዑ ከተዕቢ ቀሊል ኣይኰነን። ግን ከኣ እቲ ሕብረተሰብ፡ ጋሕጋሕ ንግሆ ወፊሩ፡ ጸሓይ ዕራብ እናኣተወ፡ ነታ ዝርካባ መሬቱ ደኲዑን ኣለሳሊሱን፡ ብኸቢድ ጻዕርን ድኻምን ንሓድሕዱ እናተሓጋገዘ ደቁ ከዕቢ ኣይተጸገመን።

ክልተ ካብቶም ኣደይ ሕጉሽ ዝወለደቶም ደርዘን ቈልዑ፡ እታ ሓንቲ ኣብ ሕጻንነታ እቲ ሓደ እግሪ ኣብ ምትካሉ'ኳ እንተሞቱ ነቶም 10 ቘልዑ ግን፡ ሓቝፈን ሓዚለን ኣጥብየን ዓንጊለን ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሐናኦም። ሓሙሽተ ካብቶም ዓሰርተ ደቀን ከኣ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተባርዐ ህዝባዊ ሰውራ በብዕድመኦም ናብ ቃልሲ ወፊሮም።

ኣብ 1975 ህብትዝጊ ናብ ተሓኤ ተስፋማርያም ከኣ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፎም። ዳሕራይ ህብትዝጊ ኣብ 1977 ካብ ተሓኤ ምስ ዝተፈልዩ ብፋሉል ዝጽውዑ ጕጅለ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢሩ። ግርማይን ሄዋንን ከኣ ኣብ 1978 ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፎም። እታ ዝነኣሰት ምዕባይ ሕሳስ ልደ ሓፍቶም ኣጃ ከኣ ኣብ 1989 ተጸንቢራቶም።

እተን 12 ቘልዑ ፈርየን 10 ካብኦም ዘዕበያ ኣደይ ሓጉሽ፡ ሓሙሽተ ደቀን ገዲፎምወን ምስ ተጋደሉ ከምዝቘረራ ኣይሓብኣን። ብፍላይ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓዲ ዝተረፉ ናእሽቱ ደቀን፡ ብርሃነ፡ ኣብ ስደት ብሓደጋ መኪና ምስ ዓረፈ ኣዝየን ጒህየን።

ኣብ ውግእ እንተዘይኰይኑ ኣብ ስደትስ ሞት ከጋጥም ኣይተጸበያን እምበር፡ እቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ክሃምም ዝሰምዐኦ ዝነበራ ደብዳብ መዳፍዕን ነፈርትን ኣብ ዕጨ እምኒ ጥራሕ ከምዘይዓልብ ኣጸቢቐን ይርደኣ ነይረን እየን።

ኣደይ ሕጉሽ ከበሮ እናሃረማ

ምንጪ ስእሊ,ግርማይ ሃብተ

ሓደ መዓልቲ እቶም ተመራሪሖም ዝወፈሩ ደቀን፡ እንተዀነ፡ ኵሎም ካብኡ ተረፈ ከኣ ገለ ካብኣቶም ዓወት ሒዞም ክምለሱወን ፈጣሪ “ምቕሊ ክህበን” ለይትን ቀትርን ነቢዐን ጸልየን። ነተን ከምአን ዘዝወለዳኦም ደቀን ዘፋነዋ ኣደታት እናተባብዓ ከኣ ደሃይ ሰውረአን እናተጸናጸና ንናጽነት ተጸብየን።

ኣደይ ሓጉሽ፡ ደጊም ደቀይ ዓዲ ኣትዮም እዮም፤ ተማሂሮም ስራሕ ሒዞም ክሕግዙኒ እዮም፤ ኣብ ዝበላሉ እዋን እዮም ክልቲኦም ዓበይቲ ደቀን ኣብ 1975 ናብ ሰውራ ተሰሊፎም።

ኣብቲ እዋን ተስፋማርያም ወደን ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ኣብ ጉምሩክ ተቘጺሩ ስለዝነበረ ድሮ ንቡነ-ሽኮርኪ ክብለን ጀሚሩ ነይሩ። እንተዀነ ነዊሕ ከይጸንሐ ህዝባዊ ሰውራ ይነዓዓብ ስለዝነበረ ንሱን ምንኣሱ ሓውን ህብትዝጊ ተመራሪሖም ወፊሮም።

ኣብ ፈለማ ሰብዓታት ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ኣብታ ኣደይ ሓጉሽ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ዓዲ፡ ልዑል ፍሪኴንሲ ዘለዎ፡ ካብ ነዊሕ ርሕቀት ናይ ርክብ ሲግናል ተቐቢሉ ዘመሓላልፍ ማይክሮዌቭ ስለዝተኸለ፡ ኣብ ድግሳ ነቲ ኣንቴና ዝሕልው ወተሃደራት ብቐዋሚ ዓስኪሮም ነበሩ።

እቲ ደቁ ናብ ሰውራኡ ዘሰለፈ ህዝቢ እታ ዓዲ ከኣ ወትሩ ነቶም ዝተፈልየ ቋንቋ ዝዛረቡ፡ ኣብ መሬቱ ዝሰፈሩ ከም ባዕዳውያን ዝርእዮም ምስ ደቁ ዝዋግኡን ዝቃተሉን ወተሃደራት ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ጠቕሊሎም ካብ ዓዱን ሃገሩን ዝወጽእሉ ግዜ ይጽበ ነይሩ።

እቶም ወተሃደራት፡ ካብ ነብሲ ወከፍ ቤት፡ ናብ ቃልሲ ውላዱ ከምዘሰለፈ ስለዝፈልጡ፡ ንህዝቢ እቲ ዓዲ ብጥርጠራ ክርእዩዎ ግድን እዩ። ኣደይ ሓጉሽን እቶም ከምአን ደቆም ናብ ቃልሲ ዘሰለፉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣብ ከብዲ ዓዲ ዘየናሕስየሎም ጸላኢ ስለዘስፈሩ ወትሩ ብፍርሕን ስክፍታን እዮም ዝወፍሩን ዝኣትውን ነይሮም።

ሓደ መዓልቲ ከኣ ተጸራሪጐም ካብታ ዓዲ ክእለዩ እናተመነዩ፡ ካብ ሳሕልን ባርካን ሰብን መሬትን በብቕሩብ ሓራ እናውጽአ ናብ ከበሳታት ዝገስገሰ ሰውራ፡ ብዘይካ ከተማታት ኣስመራ፡ ዓሰብን ዓዲ ቐይሕን ኣብ ማእከል ከኣ ባረንቱ እንተዘይኰይኑ ዝሰፍሐ መሬት ኤርትራ፡ እንኰላይ ነታ ኣደይ ሓጉሽ እትነብረላ ዓዲ (ንድግሳ) ሓራ ስለዘውጸኣ መላእ ኤርትራ ሓራ ክትከውን እሞ ዝወፈሩ ደቀን ክምለሱወን ልዑል ባህጊ ነበረን።

ግርማይ ሃብተ

ምንጪ ስእሊ,ግርማይ ሃብተ

መግለጺ ስእሊ,ግርማይ ሃብተ

እንተዀነ፡ ነቲ ዝተረኽበ ተዛማዲ ናጽነት ኣስተማቒረን ከይጸገባኦ፡ ካብ ሕብረት ሶቭየት ልዑል ናይ ኣጽዋርን ሎጂስቲክን ሓገዝ ዝረኸበ ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ሓምለ 1978፡ ንሰውራ ኤርትራ፡ ውድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን፡ ተቘጻጺረንኦ ካብ ዝነበራ ቦታታት ኣልቂቑ ንባርካን ሳሕልን ኣርሒቑወን።

ኣብ ምዝላቕ ሓምለ 1978፡ መንእሰያት ድግሳ ንሜዳ ክወርዱ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ምስተኣኻኸቡ፡ ግርማይን ሄዋንን እውን ኣብ ክልተ መስርዕ ፊተ ፊት ተሰሪዖም ክነቕሉ ተዳለው። ሽዑ፡ ግርማይ ነታ ምስኡ ትብገስ ዝነበረት ሄዋን ሓፍቱ፡ “ኣቲ ሄዋን ሓፍተይ በጃኺ እባ ትረፊ ንስድራና ረኣዪ!” ክብል ሓተታ።

ሄዋን፡ ምንኣሳ ሓዋ ናብ ቃልሲ እናወፈረ፡ ንሳ ክትተርፍ ስለዘይደለየት፡ “ንስኻ ትረፍ፡ ኣነ ክኸይድ’የ” ኢላ ክትልምኖ ዝሰምዐት ወላዲታ ኣደይ ሓጉሽ፡ “ደሓን እዞም ደቀይ ክልቴኹም ኪዱ፤ ንሕና ንዀኖ የብልናን ምስ ህዝብናን ዓድናን ኣሎና” ምስ በላኦም፡ ወላዲኦም ኣቦይ ሃብተ እውን ንበዓልቲ ቤቶም ደጊፎም “ደሓን ኪዱ እዞም ደቀይ ጽኑዕ ርገጹ!” ኢሎም ከምዘጸናንዑዎም ሽዑ ምሰኦም ዝተበገሰ ወዲ ዓዶም ተጋዳላይ ታደሰ ኪዳነ ይዝክር።

ካብኡ ሓሊፎም እውን፡ ካልኦት ደቆም ዘፋንው ዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ፡ ነቲ ብሸነኽ ግርሁ ስርናይ ዝሃምም ዝነበረ ናይ ከቢድ ብረት ተዅሲ ሰሚዖም፤ “እዚ ዅሉ ዝሃምም ዘሎ ብረት፡ መዓስ ኣብ ዕጨ እምኒ ጥራሕ ክወድቕ ኰይኑ፡ ኣሕዋትኩም ዝትክኦም ክደልዩ እዮም እሞ ኣጆኹም!” ክብሉ ኣበራትዑዎም።

ካብ ሽዑ ንደሓር ሰውራ ኤርትራ ንሳሕል ስለዘርሓቐ፡ ኣብቲ ከባቢ ብጸልማት እናተንቀሳቐሱ ምስ ህዝቢ ዝሰርሑ ተጋደልቲ ዝረኸቦም ዘበለ፡ ደሃይ ደቁ ዘይሓትት ወላዲ ኣይነበረን። ናይ ኵሎም ምላሽ ግን፡ “ጽቡቕ ኣሎ/ላ ኣብ ሳሕል ኣለው!” እትብል ሓንትን ፍልጥትን ዘረባ እያ ነይራ።

እቲ ህዝቢ ግን ኵሉ ተጋዳላይ ኣብ ሳሕል ክህሉ ከምዘይክእል ስለዝርዳእ፡ “ናጽነት ተረጋጊጹ” ኰነ ክሳብ ዝበሃል፡ ደሃይ ደቁ ክሰምዕ ብሃንቀውታ ይጽበ ነበረ። ኣደይ ሓጉሽ ከኣ፡ ክሳብ ግርማይ ወደን ኣብ 1987 ካብ ሳሕል ናብ ከበሳ ዝንቀሳቐስ፡ “ኣብ ሳሕል ይህልው ይዀኑ!” ዝብል ተባራሪ ወረ እንተዘይኰይኑ፡ ደሃይ እቶም ሰለስተ ደቀን እውን ንወረ ኣይሰምዓን።

ሽዑ ግን እታ ግርማይ ዝነበራ ኣሃዱ፡ ካብ ሳሕል ንከበሳ ከምዝደየበት ብወረ ወረ ኣብ አእዛን ኣደይ ሓጉሽ ምስበጽሐ፡ ዝሓዘት ሒዛ “ግርማይ ተራእዩ!” ናብ ዝበሉዋ ከባቢ ትነጥብ ነይራ። ኣብ ኵሉ ዝኸደቶ ግን፡ “ሎሚ ለይቲ ከይዶም፡ ትማል ንግሆ ተበጊሶም፡ ብቕሩብ ተመሓላሊፍኩም!” ዝብል ምላሽ እናተዋህባ እውን ድኻማ ኣይጸብጸበትን።

ንሓንሳብ ምድረ ሰማይ ኣጸልሚቶም፡ ካብ ዝባንቡር ዓረት፡ ብሓላይን ማይ ሓራሳትን መጺኦም፡ ብማእከል ድግሳ ሓሊፎም፡ ጸሊም ጽርግያ ቆሪጾም ናብ መረታን መጽሐን፡ ናብ ቆላን ሃዘሞን ዝሓልፉ ተጋደልቲ እናኽትርኢ፡ ኣብ መሶባ ዝጸንሐ እንጌራ ሒዛ ደድሕሪኦም ትጐዪ ነይራ። ብአዒንታን ሕልናኣን ከኣ ምስተን መሳርዕ ሓይልታት ደቃን ደቂ ዓዳን ከይህልው ኣትኲራ ትጥምቶም።

ንጽባሒቱ፡ ናብ ንጥፈታት ሕርሻ ናብ ዋኒና ምስ ወፈረት ከኣ በቶም ዝረኣየቶም ተጋደልቲ እናስተንተነት ብዜማ ናፍቘት ናብ ቃልሲ ምስ ዝወፈሩ ደቃ ብሓሳብ ትራኸብ ነይራ። ናይ ዝቐደሙ ደቃ ናፍቘት እናሳቐያ ከኣ ኣብ 1989 እታ ኣብ ገዛ ተሪፋ ዝነበረት ኣጃ ጓላ ምስ መዛኖኣ ገዲፋታ ንሳሕል ወፊራ።

ድሕሪኡ ኣደይ ሓጉሽ፡ “ኤርትራስ ፍርቂ ማህጸንና እምበር ተማቒላቶ” ክትብል ኣስተማሲላ። ድሕሪ ዓመት ተጋደልቲ ደቃ ንከተማ ባጽዕ ምስተቘጻጸሩዋ ካብ ዓዲ ረድኤት ክትቅበል ንዓደሮሶ ምስ ከደት፡ ግርማይ ወዳ ኣብ ፎሮ ከምዘሎ ብወረ ወረ ሰሚዓ ብኡ ኣቢላ ምስ ተጋደልቲ ንፎሮ ቀጸለት። ኣብ መገዲ ኣሳእና ስለዝጠለማ ከኣ አእጋራ ብእሾኽን ዕንቅፍትን ተጀላሊዑ፡ ጀለብያ ክዳና ብቘጣቚጢ ቀንጠብ ተቐዳዲዱ ጥራሕ እግራ ንፎሮ ኣተወት።

በዓል ቤተን ኣቦይ ሃብተ ፍታው እውን ፍሉጥ ማሰኛ ኰይኖም ኣብ መርዓን ደርዓን ዓድን ጐደቦን፡ ወለዶን ተግባርን ሰብ ውራይ እናጸብጸቡ ሞየኦምን ቅየኦምን ዝነግሩ ኣቦ እዮም

ምንጪ ስእሊ,ግርማይ ሃብተ

መግለጺ ስእሊ,በዓል ቤተን ኣቦይ ሃብተ ፍታው እውን ፍሉጥ ማሰኛ ኰይኖም ኣብ መርዓን ደርዓን ዓድን ጐደቦን፡ ወለዶን ተግባርን ሰብ ውራይ እናጸብጸቡ ሞያኦምን ቅያኦምን ዝነግሩ ኣቦ እዮም

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝተራኸቡ ኣደን ወድን ብናፍቘት ተሓቛቚፎም። ግርማይ፡ ናፍቘቱ ክጻወር ስለዘይከኣለ ዳሕራይ ካብ ወላዲቱ ፍልይ ኢሉ ከምዝነብዐ ይዝክር። ኣደይ ሓጉሽ ግን እቲ ዅሉ መገዲ ተጓዒዛ ንውላዳ ስለዝረኸበት ብሓጐስ ደሚቓ ነይራ።

ሽዑ፡ እተን ተጋደልቲ ደቀንስትዮ፡ አእጋራን ነብሳን ሓጺበን፡ ሓኻኺመን ዓንጊለናኣ። ኣደይ ሓጉሽ ግን ዋላ እውን ጥሜትን ድኻምን እንተነበራ፡ እቲ ክቱር ሓጐስ ንሸውሃታ ስለዘዕገቦ፡ ብዘይካ ሓረሮ ቡን ካልእ ኣይተራእያን።

ህዝቢ ኣብ ዝነብሮ ቦታ እንተዓስኪርካ ዝደለኻዮ ስለዘይሰኣን ቡን ኣፍሊሐን ወልፋ ኣርወያላ። ንጽባሒቱ ከኣ እቶም ሓለፍቲ ወዳ፡ ካብ ዱካናት ፎሮ፡ ሸበጥ ባጽዕን ሽፎንን ዓዲጎም ከዲኖሙዋ።

ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ ግርማይ ንሓለፍቱ ኣፍቂዱ ንወላዲቱ ንዓዲ ዝማልኡዋ ደቂ ዓዲ እንተረኸበ ሒዙዋ ንባጽዕ ነቐለ።

ኣብ ባጽዕ እተው ምስ በሉ ከኣ ኣብታ ከተማ እንዳ ስእሊ ከፊቱ ዝነባበር ዝነበረ ቤተሰብ ስለዝረኸቡ፡ ንግርማይ ናይ ሲቪል ክዳን ከዲኑ ምስ ኣደኡ ሓንቲ መዘከርታ ስኢሉዎም። ሽዑ ኣብ ድግሳን ከባቢኣን ሰራዊት ደርግ ዓስኪሮም ስለዝነበሩ፡ ኣደይ ሓጉሽ ስእሊ ወዳ ሒዛ ንዓዲ ክትምለስ እንከላ ኣሸበሸብ ወተሃደራት እንተረኺቦማ ኣብ ሽግር ከይትወድቕ ንተጋዳላይ ግርማይ ናይ ስቪል ክዳን ከዲኖም ስኢሎምዎ።

እንተዀነ ካብ ባጽዕ ቅድሚ ምብጋሳ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ እታ ከተማ ብነፈርቲ ውግእ ክትድብደብ ጀመረት። ኣደይ ሓጉሽ ከኣ ነቲ ካብ ሰማይ ዝዘንብ ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ምስ ህዝቢ ባጽዕ እዝግዮ እናበለት ካብ ቀረባ ርሕቀት ተመልኪታቶ።

ደብዳብ ነፈርቲ፡ ነደይ ሓጉሽ ንኻልኣይ ግዜኣ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብ ሓምለ 1978፡ ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከብዲ ዓዳ ኣብ ዝተሰናደአ ህዝባዊ ባይቶ ክሳተፍ ካበየ ከባቢኡ ዝመጽአ ኣሽሓት ህዝቢ፡ ካብ ሰማይ ሓዊ ስለዝነስነሳሉ ብዙሕ ህዝቢ ሞይቱን ቆሲሉን’ዩ።

ሽዑኡ ኣብቲ ፍጻመ ዝተጐድኡ መቕርባን ደቂ ዓዳን ብንብዓት ቀቢራ ንሓዘንተኛታት ኣጸናኒዓ እያ። ኣብ 1990 ከኣ ህዝቢ ባጽዕ ኣብ ከተማኡ ብነፈርቲ ውግእ ክበሳበስ ምስ ረኣየት ምስቶም ግዳያት ዝርንዝሕ ነቢዓ።

ሽዑ ኣብ ግንባራት ጊንዳዕ ከቢድ ውግእ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ግርማይ ናይ ዓባይ ራድዮ ኦፕሬተር ስለዝነበረ፡ ንጋሽኡ ኣፋንዩ፡ ቀልጢፉ ናብ ስርሑን ብጾቱን ክምለስ ስለዝነበሮ፡ ንወላዲቱ፡ ንባሕሪ ክሓርሱ ምስ ዝወርዱ ደቂ ዓዳ ምርኻብ ዝሓሸ ፍታሕ ኰይና ተራእዩዎ፡ መኪና እናለመኑን ዝበዝሕ ብእግሮም እናተጓዕዙን ሒዙዋ ኣበስርጋ ድግሳ ናብ ዝበሃል ቦታ ወሰዳ።

ኣደይ ሓጉሽ ነቲ በረኻታት ከም ኣጻብዕቲ አእዳዋ ስለእትፈልጦ ንግርማይ ንሳ እያ መሪሓቶ። ኣብቲ ቦታ ዝፈልጡዎም ደቂ ዓዳ ስለዝረኸቡ ከኣ ምስኣቶም ኣራኺቡዋ ንቦታኡ ተመልሰ።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ ግንባራት ጊንዳዕን ደቡብን ኣብ ግንባር በይሉል ከኣ ብደንከል ከቢድ ውግእን ምርብራብ ድሕሩ ምክያዱ ስርዓት ደርግ ተሳዒሩ መላእ ኤርትራ ናጻ ምስ ኰነት ምስቶም ካብ ብሱል ጥረ ዝወጽኡ ደቃ ግርማይን ኣጃን ገጽ ንገጽ ተራኸበት።

ኣብ ሰነ 1992 ከኣ ሰለስተ ካብቶም ሓሙሽተ ደቃ፡ ኣብ ዝተፈለላየ ዓውደ ውግኣት ከምዝተሰውኡ ኣብ ማእከል ዓዲ ኣብ ዝተተኽለ ዳስ ሓዘንን ሓበንን ምስ ህዝባ ተረድአት። ሽዑ እውን “እንቋዕ ደኣ ናጽነት ተረኽበትን ምቕሊ ረኸብኩን እምበር ደጊም ሞት ከም ኣዳም!” ክትብል ንዅሉ ኣብ ከብዳ ገይራ፤ ንበይና ክትከውን እንከላ ኣጸምው ኣቢላ ነቶም በራውር ደቃ ትበኽየሎም ነይራ።

ዳሕራይ ግን ኣደይ ሓጉሽ ድሕሪ ናጽነት ብዝሰዓበ ምሕደራን ኣድልዎ ፍትሕን ኣይተሓጐሰትን። እቲ ትጽበዮ ዝነበረትን ኣብ ባይታ ዝዀነን ምግጣም ስለዝኣበያ ብዙሕ ትጉሂ ነይራ። ብፍላይ ነቲ ደሃዩ ምስ ሰምዐት ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ክተደልዮ ኰለል ትብል ዝነበረት ን14 ዓመታት ተጋዲሉ ዝኣተወ ግርማይ ወዳ ብዝፈልጦን ዘይፈልጦን ምኽንያት ግዳይ ማእሰርትን ግፍዕን ኰይኑ ካብ ሃገሩ ነፊጹ ንኽወጽእ ምስተደፍአ ኣዝያ ሓዚናን ኣስተንቲናን።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እታ ዘይትጸዓድ፡ ንሰውራኣ ብደቃን ጉልበታን ብንዋታን ንብረታን ዘገልገለት ሕብንቲ ወላዲት ሽምግልና ተወሲኹዎ ብሓዘንን ናፍቘት ደቃን ክትቁዝም ሓይላ ደኺሙ ዓዲ ውዒል ኰይና ኣብ መወዳእትኡ 22 ነሓሰ 2024 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየት።

እቲ ኣብ ቃልሲ ሰለስተ አሕዋቱ ቀቢሩ፡ ኣብ 1990 ኣብ ፎሮ ጥራይ እግራ ምስ ረኸባ፡ ክሳብ ዕለቱ ዝኣክል “ኵላትና ደቅኺ ኣሎና ኣጆኺ!” እናበለ ዘጸናንዓ ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ ዝኽርን ናፍቘትን ዘለዎ ተጋዳላይ ወዳ ኣብ ቀብራ ክውዕል ኣይተዓደለን። ኣብ 101 ዓመታ 100 ውሉዳት ዝፈረየት ወላዲቱ ብንብዓት ሓበን ክፋነዋ ዘይምኽኣሉ ግን ብልቡ እናተሰምዖ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ገነት ይምነየላ።