ቃል ሓዘን

ተጋዳላይ ስሌማን ኣደም ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት፡ ብ30 ግንቦት 2025 ኣብ ከተማ ሮትሊንገን፡ ሃገር ጀርመን
ብምዕራፉ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።
ተጋዳላይ ስሌማን ኣብ ከባቢ እቲ ሰውራ ዝጀመረሉ ቦታታት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሃይኮታ ተወሊዱ፡ ምስ ዜና ሰውራ
ኤርትራን፡ ቃልስታቱን ዝዓበየ መንእሰይ እዩ።
ዕድመኡ ንምግዳል ኣብ ዘፍቀደሉ ከኣ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ብተወፋይነት ሃገራዊ ዕማማቱ ኣካየደ።
ኣብ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተመዲቡ ቃልሱ እናቐጸለ እንከሎ፡ ብ1977 ኣብቲ ምስ ስራዊት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ
ውግእ ባረንቱ ብከቢድ ቆሰለ። ብድሕሪ‘ዚ ተሓኤ ንሕክምና ናብ ዒራቕን ግብጽን ሰደደቶ እሞ ኣብኡ ሕክምና ወሲዱ
ክነብር በቕዐ።
ብ1986 ድማ ናብ ሃገር ጀርመን ተሰደደ። ይኹን‘ምበር እቲ ከቢድ መውጋእቲ ዝገደፈሉ ኣሰራት ካብ ሕክምናዊ ክትትልን
ቅጻሊ ስቅያትን ዘድሕኖ ኣይነበረን።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ኣብ ሕክምናዊ ኣልዮት እንከሎ ብ30 ግንቦት 2025 ኣብ መበል
70 ዓመት ዕድሜኡ፡ ካብዛ ዓለምና ብሞት ተፈልየ።
ንተጋዳላይ ስሌማን ኣደም መንግሰተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃበና።
መቓልስቲ ብጾቱ!