ሕሜቲ ኣብ መግለጺኡ፡ "ወላሂ ኵሎም እቶም ግብረሽበራውያን ሓይልታት፣ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ - ከይተረፈ ሱዳን እዩ መፈጠሮም፡" ኢሉ ብምጥቃስ፡ "እቲ ዝሕግዞም ሰብኣይ ኣፎርቂ [ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ] ኣብ ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ከምዘለዎም ይፈልጥ እዩ" ኢሉ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ብእስላማዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝካየድ ኣመልኪቱ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝተጐናጸፎ ዓወትን ተኣሳሲሩን ብሓፈሻ ንጀነራል ኣልቡርሃን ዘለዋ ደገፍን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ስማ ክለዓል ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነዚ ኣመልኪታ ብወግዒ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ክልተ ዓመቱ ኣብ ዝደፈነሉ ዝሓለፈ ሚያዝያ ንኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ብዘይካኡ ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን እውን ኤርትራ ንዝገበረትሎም ደገፍ ከመስግኑ ተሰሚዖም እዮም።
እንተዀነ እቲ ካብ ኤርትራ ዝተገብረ ደገፍ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣይተገልጸን።
ሕሜቲ ኣብዚ ናይ ሕጂ መግለጺኡ፡ "ዕሱባት ካብ ኤርትራ ኒጀርን ጫድን ኣምጺኦም ኣለዉ፤ንሳቶም ድማ ኣብ ኡምዱርማን እዮም ዘለዉ፡" እውን ኢሉ።
ንሱ ከም ዝኣመቶ፡ 'እቶም ደገፍ ኤርትራ'ውን ዘለዎም ምስ ሰራዊት ሱዳን ወጊኖም ዝገጥምዎ ዘለዉ ጕጅለታት ዓቢይ ወተሃደራዊ ኢንዳስትሪታት' ከም ዝሃነጹን፡ እዚ ድማ ኣቐዲሙ ኣብ መንጐ ኦሳማ ቢንላደንን ኢራንን ብዝተበጽሐ ስምምዕን ምወላን ምዃኑ ሓቢሩ።
ምስኡ ተተሓሒዙ እቲ ኣብ መደበር ሓይሊ ኣየር ዋዲ ሰይድና ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ድማ ብኢራን ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ።
እቲ ሰላም ከም ዝደሊ ግን ድማ፡ ናብቲ ዝሞተ እዩ ዝበሎ ብመንጐኝነት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ-ሰላም ጅዳ ደጊም ከምዘይምለስ ዝሓበረ ጀነራል ዳጋሎ፡ ንግብጺ እውን ከሲሱ እዩ።
ግብጺ፡ ዝተፈላለየ ኣጽዋራትን ነፈርትን ከም ዘዕጠቐት ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ፖርት ሱዳን ብሓይልታቱ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ድሮን ብሰንኪ ዘውረዶ ዕንወት ድማ ነቲ ግብጺ ኣጽዋራት እተሕልፈሉ ዘላ - ብመሬት ከይተረፈ ትጥቀመሉ ዘላ - መስመራት ንፈልጦ ኢና፤ ነዚ ድማ ኣጥቂዕናዮ ኢና ኢሉ።
ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ፡ እዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ዝተፈላለያ ሃገራትን "ግበረሽበራውያን" ዝበሎም ጕጅለታትን ዘሳተፈ፡ ዓለምለኻዊ ተገዳስነት ዘድልዮ ሰፊሕ ኲናት ምዃኑ'ኳ እንተኣመተ፡ እቲ ንሱ ይረኽቦ ኣሎ ዝበሃል ገዚፍ ደገፍ ኢማራት ዓረብ ግን ኣይጠቐሰን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ጐድኒ ዳዕመ-ሰሪዕ ደው ከም ዝበለትን ብዝተፈላለየ መስመራት ጐረባብቲ ሃገራት ኣቢላ ዘይተኣደነ ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ናውቲን ተቐብሎም ከምዘላን ክትክሰስ ጸኒሓ እያ።
ኢማራት ግን ነዚ ክሲታት ትነጽጐ።