እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ዳርባ ቃላት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን

ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስታትን ነቐፌታታትን ዝሓዘለ እንካን ሃባን ክስማዕ ጸኒሑ'ሎ።ነቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተሰምዐ መግለጺ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባትሉ ነይራ። ዓይሻ መሓመድ ብቐዳም 31 ግንቦት 2025 ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ "ሃገር ኢልካ ንኽትጽውዐን ዘጸግማ ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክንድ'ዚ ክዛረባ ምፍታነን ዝተለምደ ባህሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡" ክትብል ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ዝመስል ምላሽ ሂባ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብወገኑ ኢትዮጵያ ብልቓሕ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን ንድኻታት ሃገራት ዝግበር ድጐማን'ያ ትነብር ክብል ቀጥታዊ መልሲ ሂቡ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ሰልፊ ብልጽግና ደገፍቲን/ዘለፍቲ ዝዀነ ናይ ኤርትራን ኵሉ ኤርትራዊን ኣብ ምክፋእ ተጸሚዶም ኣለዉ" ይብል ሚኒስተር የማነ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ መግለጺ።

"ጠንቂ ናይቲ ዘይምርግጋእ፡ ካብቲ 'ኣፍደገ ባሕሪ ምውናን' ዝብል ዘይዓግብ ድሌትን ኣእምሮኡ ዝሰሓተ ዘብዘብን ዝነቅልን ዘመኽንን እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ህርፋን ልኡላዊ መሬት ጐረባብታ ዝምርኮስ'ዩ።"

እቲ ምርግጋእ ተሓሪምዎ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዘላቒ ምዕባለ ከረጋግጽ ዓቕሚ ከም ዝለዎ ዝጠቐሰ እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን፡ "ኣብ መሰረታዊ ኣዕኑድ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተመርኮሰ ዘላቒ ዞባዊ ሰላም ኣብ ዘለዎ ኵነታት ጥራይ'ዩ ክረጋገጽን ውሕስነት ዝረክብን" ኢሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሓደ ገዲም ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ነቲ ምንህሃር ተሓዊስዎ'ሎ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ሓደ 'ሆርን ረቪው' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ኤርትራ ወተሃደራታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከተውጽእን ኣብ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ምትእትታው ደው ከተብልን ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብረላ ጸዊዑ።

"ነቲ ዝቕጽሎ ምጥሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ልኡላዊነትን ሓድነትን ሃገረ ኢትዮጵያ ተጻዋርነት ኣይክህሉን'ዩ" ክብል'ውን እቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ቀዋዊ ኣባል ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ዝኾነ ኣምባሳደር ነበር የጠንቅቕ።

ኤርትራ ግን፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓይልታታ ኣብ ልኡላዊ መሬቶም ከምዘለዉ'ያ ክትገልጽ ጸኒሓ። ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ክስታት ድማ፡ ነቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝሓዞ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ዝተዋህባ ቦታታት ዝምልከት'ዩ ብምባል'ያ ኣስመራ ትምልስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ብሕጊ ዝተዋህቦ ግዝኣታት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ዝተታሕዘ ከባቢታት ኢትዮጵያ እንተልዩ ዘጻሪ ኣካል ብምቛም ክምርምሮ ምዃኑ ምስወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።

መራሕቲ ህወሓት ዝርከብዎም ሰብመዚ ትግራይ'ውን ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ሓያለ ከባቢታት እታ ክልል ከምዘለዉ'ዮም ክዛረቡ ዝስምዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝህቦ ደገፍ'ውን ደው ከብሎ ዲና ሙፍቲ ተማሕጺኑ'ሎ።

"ብቓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብንጡፍ ተግባር ንኹሎም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ዝበሉ ምእዙዛትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝህቦ ንብረታዊ ደገፍ ኣዕናዊ ውጽኢት ክህልዎ እዩ" ክብል ዘጠንቀቐ እቲ ኢትዮጵያዊ ኣባል ፓርላማ ፕረደዚንት ኢሳይያስ "ንኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ዘይምርግጋእ ከእትወን ክፍቀደሉ የብሉን" ኢሉ።

"ናይ ሕጂ ፕሮጀክቱ፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘለዉ ሚሊሻታት ናብቲንሱ ዝምርሖ ልፍንቲ ከምዝሓብሩ ብምግባር፡ ነቲ ግዙእ ሓይልታት ወጺኢ ገይሩ ዝርእዮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዕላው እዩ" ክብል'ውን ዲና ከሲሱ'ሎ። ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምእትህቦም ግን ብዝርዝር ኣይጠቐሰን።

እቲ "ውልቀመላኺ" ክብል ዝገለጾ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ማሕበረ-ቁጠባዊ ብደሆታት ሃገሩ ኣብ ክንዲ ዘተኩር ብዛዕባ "ዞባዊ ምስጢራት፡ ግጭታትን ሽርሕታትን" ዝያዳ ከምዝግደስ ብምውቃስ ድማ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ስደት ምውሓዞም'ውን መርኣያ ፍሽለት ምምሕዳር እቲ ፕረዚደንት ምዃኑ ይገልጽ።

ኢሳይያስ ኣፍወርቂ

ምንጪ ስእሊ,Shabiat

እቲ ኣብ 2018 ድሕሪ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ናብ ንቡር ዝተመልሰ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ከንቈልቁል ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝተኸፍተ ሃንደበታዊ በሪ ሰላም ንዓለም ዘገረመን ነቲ ፈለማ ቆጽሊ ኣውሊዕ ዘርጊሑ ዝተባህለ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሽልማት ኖበል ክወሃብ ዝገበረን'ዩ ነይሩ።

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን ዝተራእየ ምዉቕን ጥቡቕን ዝምድና ግን፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ናብ ዘላቒ ክልተኣዊን ዞባዊን ምርግጋእ ዘይኮነስ ቀልጢፉ'ዩ ናብ ኣዝዩ ደማዊ ኲናት ኣምሪሑ።

ኣብ ሕዳር 2020 ክልቲኦም መራሕቲ ብሓባር ሓይልታቶም ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ተዋጊኦም ብዝተፈጸመ ግፍዕታትን ምግሃስ መሰላትን ድማ ተዀኒኖም።

ነቲ ኲናት ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍራሙ ግን ዝምድናኦም ብቐጻሊ ክሕርፍፍ ተራእዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ከስምዖ ዝጸንሐ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ "ተፈጥሮኣዊ መሰል" ሃገሩ ንኤርትራን ዝምልከተን ገለ ሃገራት እቲ ዞባን ከስግአን ጀሚሩ።

እተን ናይ ባይታ ዶባተን ዓጽየን ንልዕሊ 5 ዓመታት ዝጸንሓ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ መስከረም 2024 ነታ እንኮ ተራኽበን ዝነበረት በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምብታኸን እቲ ዝምድና ናብ ወጥሪ የምርሕ ከምዘሎ ዘረጋገጸ'ዩ ነይሩ።

ኤርትራ ንኢትዮጵያ ገዲፋ ምስ ግብጽን ምስታ ስግኣት ኣዲስ ኣበባ ዘሻቐላ ሶማልያን "ስሉሳዊ" ሽርክነት ምግባራ'ውን እቲ ኵነታት ናበይ የምርሕ ምንባሩ ዘነጸረ ፍጻመ'ዩ።

ብመንገዲ መንግስታዊ ናይ ዜና ማዕከናተን ይዅን ዘይስሩዕ ርእይቶታት ሰበስልጣናተን ድማ ሓሓሊፈን ብግሉጽን ጉልቡብን ቃላት ክጠቓቕዓ ጸኒሐን።

ካብኡ ሓሊፈን'ውን ናብ ቀጥታዊ ክስታትን ግብረመልስታትን ክኣትዋ ተራእየን።

ኣብ መወዳእታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያሰ ኣብ መበል 34 ዓመት ጽንብል ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ምትፍናን ወግዓውነት ኣልቢስዎ።

"ንተጻብኦ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፍሓስ ዘሎ ቅሉዕን ስዉርን ሸርሕታትን'ውን ዘይፈለጠ የሎን፣ እንታይ'ዩ እቲ መደምደምታ? ተበጊሱ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ በኒኑ'ዩ" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ገሊጽዎ።

"ዝተፈላለየ መኣዝናት፡ ናይ ማያት፡ ናይ ኒልን ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ባሕሪ መስኮት፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ዘይውክል 'ኦሮሙማ' ስነሓሳብ፡ ኩሻውያንን ሴማውያንን ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ናይ ኢትኒካት ሓድሕድ ኲናት፡ ህዝቢን መሬትን ዓፈር ከም መድረኽ መጻወቲ ምምዝማዝ ወዘተ፣ እቲ ዕንደራን ምህውታትን ኣብ መወዳእታ ህድማ ንቕድሚትን ጥራይ'ዩ ክበሃል ዝከኣል፡" ክብል ተዛሪቡ።

"እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ኲናታት - ሓንቲ ዘይኰነ ብዙሕ ኲናታት - ንምብራዕ ዝጓረት ዘሎ ቴክኖሎጂን ኣጽዋርን ምስ ዘሰንዮ ሕሱር ጃህራን ፈኸራን ምዝጉብ'ዩ፡" ይውስኽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ።

ብፍላይ ናብ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዘነጻጸረ ተሪር ነቐፌታ ብምቕራብ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ተፈጢሩ ዝነበረ "ትስፉው ናይ ህዝቢ ሃንቀውታ" ብምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ከምዝበርዓነ ተዛሪቡ።

"ኣብ ውሽጢ ናይ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ጥራይ፡ ብሽም ብልጽግና ከም ሓድሽ ወኪል ወይ ተገዛኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዊጆሞ ዘለዉ ኲናታት ናይ ጭንቀቶም መርኣያ እዩ"።