ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?

ኣብ ኵነተ-ኲናት ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2018 ደጊም፡ 'በሪ ሰላም ተኸፊቱ' ኣብ ዝተባህለሉ እዋን ዳግማይ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ (ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ) ተሸሚማ፡ ህይወት ብዙሓት መንእሰያታ ከፊላ።

ሕጂ'ውን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና ላሕሊሑ ካልእ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት ተፈጢሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዝምድናታት ተቐያይሮም፡ ገሊኦም ኣብ ረጽሚ፡ ገሊኦም ኣብ ምትፍናን፡ ገሊኦም ድማ ሓድሽ ምሕዝነት ኣብ ምፍጣር ይርከቡ።

ኲናት ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሃዲኡ፤ ሻምብቆታት ብረት ከይዝሓለ ግን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓድሽ ግጭት ተወሊዑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ግን እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ'ዩ። ዋላ'ኳ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኲናት ከም ዘየድሊ ዝገልጹ እንተዀኑ፡ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ብመንገዲ መንግስታዊ ማዕከናት ዜናታተን ዝለዋወጥኦ ዘለዋ መግለጺታት እቲ ኵነታት ይዓርግ ከም ዘሎ ዝእምት'ዩ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ እዚ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ዘጽንት ዘሎ ኲናት ብስም 'ሃገራዊ ድሕነት' እዩ ዝእወጅ። እዚ ግና ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? እዚ ቀዛፊ ዓንኬል ኲናትከ ብኸመይ'ዩ ክብተኽ ዝኽእል?

ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ከም 'ከውሊ'

ወተሃደር

ውሕስነት ሃገራዊ ድሕነት ምስ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ሃገር ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ብዙሓት ክኢላታት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ዝሰማምዕሉ'ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰበስልጣን ኤርትራ ግን፡ እታ ሃገር ካብ እግሪ ተኽላ ጀሚሮም ግዳይ ጅኦፖለቲካዊ ባህግታቶም ክገብሩዋ ዝደልዩ ሓይልታት ወጻኢ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ክትጸንሕ ከም እትገደደት'ዮም ዝምጕቱ።

ሰበስልጣን ኤርትራ ከም ዝብሉዎ፡ ከምዚ ዝበለ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ብምህላዉ'ያ እታ ሃገር፡ ብኸምዚ እትኸዶ ዘላ ስርዓተ-ምሕደራ ክትክተል ተገዲዳ ዘላ።

እንተዀነ፡ እዚ ምጕት'ዚ መኸወሊ ፖለቲካዊ ስልጣን እቲ ገዛኢ ስርዓት ምዃኑ'ዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝገልጹ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ዝነበረ ዘርኣስላሰ ሽከር ብዛዕባ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ክዛረብ እንከሎ፡ ዋላ'ኳ ናይ ወጻኢ ስግኣት ክህሉ ባህርያዊ እንተዀነ፡ እቲ ዝዓበየ ስግኣታት ብቐንዱ ካብ ውሽጢ ዝምንጩ ምዃኑ'ዩ ዘብርህ።

ሓድነት ህዝቢ መሰረት ውሕስነት ሃገራዊ ድሕነት ምዃኑ ዝኣምን ዘርኣስለሰ፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ተጻዋርነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ምህላዉ፡ "ጠንቂ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት'ዩ፡" ይብል።

"እታ ሃገር ደቃ ሓቚፋ ኵሉ ብሓንሳእ ክነብረላ ዝኽእል እንተ ዘይኰይና፡ ሃገራዊ ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ማለት'ዩ።"

ንቕዋምን ሕግታትን ሃገር ዝግዛእ ፖለቲካዊ ፍልልያት ከተአንግድ ዘይትኽእል ሃገር ሓድነትን ጥምረትን ህዝባ ስለ ዘይተኽብር፡ ምግምማዕ ሕብረተሰብ ፈጢሩ ናብ ውሽጣዊ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት የምርሕ ይብል እቲ ምሁር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት።

ድሕሪ'ቲ ዕድመኡ 80 ዓመት ዝገማገም ዘሎ ፕረዚደንት ዝህሉ መጻኢ ዘጨንቘም ኤርትራውያን'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። እቲ ንሱ ኣቦ መንበሩ ዝዀነ ህግደፍ ከም ውድብ ምድኻሙ'ውን ነታ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ሓዲግ ኣትሪፉዋ ምህላዉ'ዮም ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ዘመልክቱ።

ኣብታ ቅዋም ዘይሰርሓላ ኤርትራ፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ስቪካዊ ማሕበራትን ናጻ ፕረስን እጕድ'ዩ።

ወተሃደራዊ ምርኢት ተዓለምቲ ኣብ ሳዋ

ምንጪ ስእሊ,MOI/twitte

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ዝዀነ ሃገራዊ ምርጫ'ዩ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ።

ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን፡ እቲ ዝበሃል ስግኣት፡ "ነቲ ኵነተ-ኣእምሮ ናይቲ ህዝቢ ኣብ [ኲናት] ንምጽማድ'ዩ። ኣብ ክንዲ ንምዕባለ፡ ንትምህርቲ ንብልጽግና፡ ንደሞክራሲ፡ ኣመሪካ መጻትካ፡ ወያነ ደገመትካ እናበለ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ካብ ግጭት ናብ ግጭት እናሰገረ 'ህድማ ንቕድሚት' ብዝብል መትከል፡ ንርእሱ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ'ዩ፡" ይብል።

ኣመሪካ እትርከበን ዓበይቲ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ብወግዒ ልኡላውነታ ድሕሪ ምእዋጃ ብኡንብኡ ከም ሓዳስ ሃገር ኣፍልጦ ሂበንኣ እየን። ስለዚ፡ ጸረ-መንግስቲ ኢሳይያስ እንተ ዘይኰኑ ጸረ-ኤርትራ ከም ዘይኰኑ ዘረጋግጽ'ዩ ይብል ክፍለዮሃንስ (ጎርደን)።

"ሓንቲ ሃገር ሃገራዊ ድሕነታ ከተረጋግጽ እንተ ደኣ ኰይና ነቶም ሃገራውያን መሰሎም ክትሕልወሎም፡ ከም ዜጋታት ክትሓቚፎም ኣለዋ። ግቡኦም ክፍጽሙ እንተዀይኖም መሰሎም ክሕለወሎም ኣለዎ።"

ኣብ 2009 ሓደ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ምርጫ ክንገብር እንተዄንና ንሕና፡ ህዝብና ቅድሚ ምርጫ ክፍጠረሉ ዘለዎ ጸጥታዊ ምርግጋእን ውሕስነትን ኣሎ፡" ብምባል "ነዚ ስግኣት'ዚ ኣብ ምውጋድ ክንሰርሕ ከለና ምርጫ ቀዳማይ መስርዕ ክሕዝ ኣይክእልን'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ክፍለዮሃንስ ግን፡ "እዛ ሃገር እዚኣ እንድሕር ናይ ኵሉ ሃገራዊ ዘይኰይና፣ ኵሉ ሃገራዊ ብዝወከሎ [ባይቶ] ዘይትዝትን ዘይትውስንን እንተ ኰይና፡" ሃገራዊ ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣቱ'ዩ ዝገልጽ።

እታ ሃገር ኵሎም ዜጋታታ ብማዕረነት ዝነብሩላ ኣብ ክንዲ ትኸውን ውሑዳት ሰበስልጣን ከም ድልየቶም ዝገብሩላን መቺኡዎም ዝነብሩላን እንተዀይና፡ ብዛዕባ ሃገራዊ ድሕነት ዘይኰነ ብዛዕባ ጕጅለኣዊ ድሕነት'ያ ትግደስ ክብል'ውን ይነቅፍ።

"ስለዚ ቅዋም፡ ባይቶ፡ ከምኡ'ውን ኵሉ'ቲ መንግስታዊ ቅርጽን ነቲ ሃገራዊ ሓድነት ዘደልድል ንሃገራዊ ስግኣት ከኣ ዝከላኸል ደኣ'ምበር፡ ንሱ ኣንጻር ሃገራዊ ሓድነትን ሃገራዊ ድሕነትን ኰይኑ ኣይፈልጥን'ዩ፣ ክኸውን ከኣ ይክእልን'ዩ፡" ድማ ይብል።

ምልካዊ ኣካይዳ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ነታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቓ ዝምጕት ዘርኣስላሰ ብወገኑ፡ "ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብኸመይ ድዩ ዝምራሕ ዘሎ፡ ሰለስተ ጨናፍር መንግስቲ [ሓጋጊ፡ ፈራዲን ፈጻሚን ኣካላት] እንተ ዘይሰሪሖም፡ እታ ሰልፊ [ህግደፍ] ሃለዋት እንተ ዘይብላ፡ ቀጻልነቱ ብኸመይ ከረጋግጽ ይኽእል?" ክብል ነቲ ኵነታት ይገልጾ።

"እታ ሃገር ንኽትወድቕ እታ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምውዳቕ ጥራሕ'ዩ ተሪፉዋ ዘሎ፡" ብምባል እቶም ናይ ጸጥታ ሓይልታት'ውን ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ'ቲ ፕረዚደንት ምእታዎም ከም ትካላት ይዳኸሙ ከም ዘለዉ'ዩ ዘርኣስላሰ ዝገልጽ።

ነቶም ብዕድመ ዝሽምሉ ዘለዉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ቀንዲ መራሕቲ ዝትክእ 'ሓድሽ ደም' መሪሕነት ይፍጠር ስለ ዘየሎ ድማ'ዩ ስክፍታ ብዙሓት እናዓበየ ዝመጽእ ኣሎ።

ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ነዚ ናብ ሓደጋ ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ብኣጋኡ ንምምዕርራይ ርእይቶኡ ክገልጽን መዋጽኦ ክፈጥርን ኣለዎ ድማ ይብሉ።

እቲ መሰረታዊ ፍታሕ እቲ በዂሩ ዘሎ ስርዓተ-ሕጊ ክረጋገጽ፡ ቅዋም ክትግበር፡ ርእይቶን መሰላትን ህዝቢ ክኽበርን ብምጥላብ፡ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ሕልሞም ናብ ስደት ሃጽ ምባል ዝኸውን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ሃገሮም ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ከመሓድሩን ከማዕብሉን እዩ ይብሉ።

"መንግስቲ ጠንቂ ሃገራዊ ስግኣት ይኸውን ኣሎ፡" ዝብል ዘርኣስላሰ፡ ምልካዊ ስርዓት ምህላዉ ኣብ ልዕሊ ቍጠባን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ግደ ቍጠባዊ ውሕስነት ኣብ ሃገራዊ ድሕነት

ሓደ ካብ ጥንታውያን ጐደናታት ናይታ ትዓኑ ዘላ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣብ 2023

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ሓደ ካብ ጥንታውያን ጐደናታት ናይታ ትዓኑ ዘላ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣብ 2023

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ዝተራእየ ዘየቋርጽ ኲናትን ኵነተ-ኲናትን ኣብ ልዕሊ ቍጠባ ኤርትራ ከቢድ ስንብራት ከም ዝገደፈ'ዩ ዝንገር።

እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን።

ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።

ቍጠባዊ ፍሽለት ኤርትራ ምስ ናይ ወጻኢ ስግኣታት ወይ "ተጻብኦታት" ከም ዝተሓሓዝ'ዮም ሰብመዝን ካድረታትን መንግስቲ ዝምጕቱ። እንተዀነ፡ ቀንዲ ብድሆ ፖሊሲ ናይቲ መንግስቲ ምዃኑ ዝምጕቱ ነጋዶን ክኢላታትን'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ሰላም ዘይብላ ሃገር ሓያል ቍጠባ ሃኒጻ ልምዓት ከተረጋግጽ ስለ ዘይትኽእል፡ ፖሊሲ ሃገራዊ ድሕነት ምርግጋእ ንምስፋን ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት፡ ዋላ ሓንቲ ሃገር ተገዲዳ ናብ ኲናት እንተ ኣተወት፡ ቀልጢፋ ካብኡ ክትወጽእን ዳግማይ ከይትምለስን ዝከኣል ኵሉ ክትገብር ከም ዘለዋ እቶም ክኢላታት የብርሁ።

"ሓንቲ ሃገር ክትህሉ እንተዀይና ቍጠባ ክህሉዋ ኣለዎ፣ ንዜጋታታ ስራሕ ትፈጥር ክትከውን ኣለዋ፣ ሰሪሖም ክኣትዉ'ውን ባይታ ክትፈጥር ኣለዋ፡" ይብል እቲ ናይ ፒ-ኤች-ዲ መጽናዕቱ ዘካይድ ዘሎ ዘርኣስላሰ።

"ቍጠባ ዘይብሉ ሃገር ህይወት የብሉን ማለት'ዩ፤ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኣሎ ማለት'ዩ። ስለዚ፡ እቲ ሃገራዊ ድሕነትሲ ምስ ቍጠባዊ ጥዕና ናይታ ሃገር ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ።"

ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ክግበር ዝጸንሐ እገዳታት ምዕራባውያን ሃገራት፡ "ኣብ ልምዓታዊ ፕሮግራማት እታ ሃገር ዘለዎም ጽልዋ ዘይተኣደነ፡" ምዃኑ'ዮም ሰብመዚ ኤርትራ ክዛረቡ ዝስምዑ። እንተዀነ፡ እቲ ሓሓሊፉ ዝተወስደ እገዳታት ንውሱን፡ ብፍላይ ንትካላት ህግደፍ፡ ትካላት ጸጥታን ውሑዳት ሰበስልጣንን ዒላማ ዝገበረ ብምዃኑ መግለጺ ቍጠባዊ ፍሽለት እታ ሃገር ክኸውን ከም ዘይክእል ክኢላታት ቍጠባ ይምጕቱ።

ብሕታዊ ወፍሪ ዜጋታታ ብሰንኪ ዘይንጹርን ተጻባኢን ፖሊሲ ካብ ሃገር ክወጽእ ምጽንሑ ንባዕሉ መርኣያ ናይቲ ውሽጣዊ ቅልውላው ምዃኑ ድማ የረድኡ። ሎሚ ብብልዮናት ዝግመት ገንዘብ ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ወፊሩ ኣብ ቍጠባ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኣንጎላን ደቡብ ኣፍሪቃን ኪኖኡን ዓቢይ ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቲ መንግስቲ ከይተረፉ ኣብ ሃገሮም ወፍሪ ክገብሩ ከቕርቡዎ ዝጸንሑ ጠለባት፡ 'ውጥን ይወጽእ ኣሎ' ወይ 'ወረቐት ይዳሎ ኣሎ' ብዝብል ንጹር መልሲ ከይረኸበ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉዎ። ኢንዱስትሪ ህንጻ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓዲ-ውዒል ምዃኑ'ውን መንበሪ ገዛ ንምስራሕ'ኳ ንጋዳ ዝዀነሉ ኵነታት'ዩ ተፈጢሩ ዘሎ።

ንዳያስፖራ ኤርትራውያን መብጻዓታት ዝኣቱ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ታሕሳስ 2024 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት "ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታት ድማ ብርዱእ ምኽንያት ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ዝወሃቦም እዮም። ሃንደራእ ኢልካ ዝእቶ ዘይኰነ ግን ኣብ ዝተጸንዐ መርሓ ጐደና ኣትዮም እዮም ክሰርሑ ዘለዎም፡" ኢሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ እቲ "መርሓ ጐዳና" መዓስን ብኸመይን ከም ዝትግበር ክሳዕ ሎሚ ብወግዒ ኣይፍለጥን።

"ሓደ ካብቲ ተጻብኦታት እውን ኣብ ደገ ዘሎ ዜጋ ከም ዝለምስ ምግባር'ዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ዜጋታት ኣብ ቍጠባ ሃገር ኣድማዕን ንጡፍን ተሳትፎ ከም ዝህሉዎም ንምግባር ቅድም ቀዳድም ምቹእ ሃዋሁው ክዋደድ ክኽእል ኣለዎ። ብሕጊ፡ ብኣዋጃት፡ ብግብሪ ንዕኡ ዝኸውን ምቹእ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ፡" ክብል'ውን ንሓድሕዱ ዝገራጮ መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

"ልክዕ እዩ ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታት ዘለዎም ተገዳስነትን ንቕሓትን መዳርግቲ የብሉን። ሕጂ ግን መሊኡ ኣብ ዘይተዋደደ ሃዋህው፡ ኣብ ዘይተዳለወ ከባቢታት፡ ንዑ ከምዚ ግበሩ ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና፡" ምባሉ'ውን ንብዙሓት ተስፋ ከም ዝቘርጹ ገይሩ'ዩ።

ትካላውን ባጀታውን ስርዓት ዘይምህላዉ'ውን ዓቢይ ዘይምትእምማን ፈጢሩ ይርከብ። ንኣብነት፡ እቲ ዝርካቡ ካብቲ ብትካላት ቻይና ዝምራሕ ዕደና ማዕድናት ዝርከብ ኣታዊ'ውን ብሰንኪ ተሓታታትነት ዘይብሉ ምሕደራ ኣበይ ከም ዝኣቱ ብወግዒ ዝፍለጥ የሎን።

ከም ሳዕቤኑ እቲ "ናይ ዕንጋሎ ቍጠባ" ተረሚሱ፡ ጥምየትን ድኽነትን ሳዕሪሩ፡ ትሕተ-ቅርጺ ዓንዩን፡ ኣብ ከተማታት መንበሪ ኣባይቲ ተሳኢኑ፡ ከምኡ'ውን ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ንሂሩን ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እታ ሃገር በቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንቤተሰቦም ዝሰዱዎ ገንዘብ (ረሚታንስ) እያ ክትከይድ ጸኒሓ።

ንማሕበራውን ሃገራውን ሓድነት ዝፈታተን ሓደጋ

ዕዳጋ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እቲ ዝፈሸለ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምዕባለ እታ ሃገር'ውን ኣሉታዊ ማሕበራውን ድሕነታውን ሓደጋታት ኣስዒቡ'ዩ።

ኣብቲ ንሓርነት ዝተኻየደ ነዊሕ ቃልሲ ኣዛዚ ሰራዊት ኰይኑ ከቢድ ኣካላዊ ስንክልና ዘጋጠሞ ክፍለዮሃንስ ከም ዝብሎ፡ ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ከምኡ'ውን ናብ ቍጠባዊን ማሕበራውን ምዕባለ ከምርሕ ምዃኑ ንሱን ብጾቱን ጽኑዕ እምነት ከም ዝነበሮም'ዩ ዝዛረብ።

ድሕሪ ናጽነት'ውን ከምቲ ናይ ቃልሲ፡ "ስጋይ ስጋኻ ምብህሃል እምበር፡ ከምዚ ዓይነት ምጭፍላቕ፡ ከምዚ ዓይነት ውርደት፡ ከምዚ ዓይነት ስስዐ ናይ ስልጣን፡ ከምዚ ዓይነት ጭካነን ምግባትን ክመጽእ'ዩ ኢልካ ኣይትሓስብን፡" ይብል እቲ ሎሚ ብሰንኪ'ቲ ኵነታት ከም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ዘሎ ክፍለዮሃንስ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ ይዅኑ ደገፍቲ መንግስቲ ብዛዕባ ሃገሮም ብዘለዎም ልዑል ተገዳስነት'ዮም ዝለለዩ። ስለዚ ድማ'ዩ ንብዙሓት እዚ ጋጢምዎም ዘሎ ኵነታት ዘሰንብድ ሕልሚ ኰይኑ ዝስምዖም።

እቲ ክፉእ ገጽ ኲናት ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ተጋዳላይ ነበር፡ ንሱን ብጾቱን ኣብ እዋን ቃልሲ ብዛዕባ ሃገሮም ዝነበሮም ትጽቢት ክዛረብ እንከሎ፡ "ፍጹም ሰላም ኰይኑሲ፡ እቲ ህዝቢ ብራህዋ ዝነብር፡ እቲ ሽዑ ዝፍጠር መንእሰይ ከኣ ናብ ትምህርትን ምዕባለን ዝኸይድ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ጫፍ ክትበጽሕ ኤርትራ ከኣ ብዙሕ ግዜ ዘይወስደላ ገይርካ ኢኻ ኣብ ኣእምሮኻ ትቐርጻ'ምበር ብድሕሪኡ እዚ ክመጽእ'ዩ ኢልካ ኣይትሓስብን ኢኻ፡" ይብል።

"ኲናት ግን ንዝተሃንጸ ጥራሕ ኣይኰነን ዘዕኑ፡ ድሕሪ ዕንወት ንኸይትሃጽ'ውን ይኽልክል'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ሃናጺ ሓይሊ ጕልበት፡ ሓንጎል ከምኡ'ውን ቍጠባ ኣብቲ ኲናት ስለ ዝዓኑ ማለት'ዩ።" ስለዚ፡ ናይ ኲናት በሰላ ኣብ ሓደ እዋን ዝሓዊ ኣይኰነን ንነዊሕ'ዩ ዝኸይድ'ዩ።"

ሎሚ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ዝበዝሕ ህዝቢ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ሕክምና፡ ማይ፡ ጸዓት፡ መግቢን ካልኦት መሰራታውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይሳቐ ከም ዘሎ'ዮም ጸብጻባት ዝገልጹ።

እቲ 'ቅድም ሃገር ትሃሉ' ብዝብል ጭርሖ ዝተፈጥረ ዘየቋርጽ ቅልውላዋት'ውን ምብሕጓግ ሓያሎ ማሕበራዊ ክብርታት ከም ዝፈጠረ'ውን እቶም ኤርትራውያን የረድኡ።

ሓደ ካብቲ ክፍለዮሃንስ ተፈጢሩ ኣሎ ዝብሎ ምድኻም ክብርታት እቲ 'ርእስኻ ምኽኣል' ዝብል ማሕበረሰባውን ፖለቲካውን መትከል'ዩ።

እቲ ኵነታት ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ተጸባይነት ባህሊ ኣስሪጹ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታታት ዓቢይ ጾር ኰይኑ ይርከብ ይብል።

"ዘይናትካ ምድላይ ነውሪ'ዩ። ርእስኻ ክኢልካ እንተ ዘይኰይኑ፡ ጽግዕተኛ ናይ ሓውኻ ናይ ሓፍትኻ ወይ ኣብ ደገ ዘሎ ኣይኰነን። ኣብ ገጠር ይዅን ኣብ ከተማ ሰብ በብዓቕሙ'ዩ ዝነብር ነይሩ።"

ካልእ'ውን ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዝነበረ ክብሪ ዓቢይ ምንባሩ ብምጥቃስ ከኣ፡ "ሎሚ ግን ናብ ሕጊ ዘኽይድ የብሉን፣ ብዓል ስልጣን ዘመዱ እንተሃልዩዎ ናብኡ ከይዱ፡ ገለ ወቲፉ [ጉቦ ሂቡ) ነቲ በዲሉኒ ዝብሎ ሰብ የእስሮ ወይ ብሓይሊ ዝደልዮ ብሓይሊ ይረክብ፡" ይብል እቲ ኣኽባር ሕጊን ዳኛን ኰይኑ ዘገልገለ ክፍለዮሃንስ።

ካብቲ ምንጪ ሕግታት ዝዀነ ቅዋም ጀሚሩ ግዝኣተ-ሕጊ ምፍራሱ፡ ፍትሒን ርትዒን ብብልሽውናን ሓይሊን ምፍርራሕን ተተኪኡ ከም ዘሎ'ዮም እዞም ኤርትራውያን ዝዛረቡ።

ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ'ውን ንሓለፍቲ ጸጥታን ካልኦትን ምንጪ እቶት ኰይኑ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ።

ፖለቲካዊ ስልጣን ብፕረዚደንት ጥራሕ ተባሒቱ፡ ፖለቲካዊ ተጻዋርነት ጠፊኡ ኣብታ ሃገር ምልኪ ምስፋኑ ንጥምረት ህዝቢ ከም ዝተፈታተኖ የረድእ።

ኣብ ዳያስፖራ ዝርአ ዘሎ ናይ ከባብን ሃይማኖትን ቅኒት ዘለዎ ምጕጅጃላት ኣብ ውሽጢ ከይስስን'ውን ስክፍታ ኣለዎ። ሓደ ካብኡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝተራእየ ንኸተማታት ምዕራባውያን ሃገራትን እስራኤልን ዘናወጸ ናዕቢን ጐነጽን ኤርትራውያን እዩ።

"እቲ ብስም ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ'ውን ልክዕ ከምቲ ጕንዳ ዝበዅቦኸ ገረብ ግዜኡ ሓልዩ ወዳቒ'ዩ። ብኸምኡ ድማ እየን ብዙሓት ሃገራት ብናይ ውሽጣዊ ጸጋማተን ዝወድቃ። እቲ ናይ ደገ ንእሽቶ ወሰኸ'ዩ ዝዀኖ'ምበር እቲ ቀንዲ ጸገም ውሽጣዊ'ዩ ዝኸውን። ንብዙሓት ሃገራት ዝረመሰን፡ ንዝመጽአን ሓደጋ ከይገጥማ ዝኽልክለን ከኣ ንሱ እዩ፡" ክብል ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ።

እቲ ዘሎ ኵነታት ዘላቒ ከም ዘይኰነ ብምጥንቃቕ ድማ፡ "እታ ሃገር ብኸምዚ ዘሎ ኵነታት ክትነብር ትኽእል እንተዀይናሲ ንምንታይ ደኣ ተሓጒስና ዘይንነብር፡ ስለምንታይ ደኣ ኵልና ኣይጠዓመናን ንብል?" ክብል ይምጕት።

"እታ ሃገር ኣብ ክንዲ ንረብሓ ህዝቢ ተግልግል፡ ጸጥታዊ ድሕነትን ቀጻልነት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ንምዕቃብ እንተ ተሰሪሓ፡ ነቲ ዜጋ ጸላኢቱ'ያ ትኸውን እቲ ዜጋ ድማ ይሃድማ።"

እዚ መዕገቲ ተሳኢኑዎ ዘሎ ስደት ኤርትራውያን ድማ ካብዚ'ዩ ዝብገስ። ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክወጽእ ከም ዘይክእል ዝፈለጠ መንእሰይ ሕልሙ ንስደት ክወጽእ'ዩ፣ እዚ ድማ ንመጻኢ እታ ሃገር ሓደጋ እዩ ይብሉ።

ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስድራቤታት ናይ ምጥዋርን ምክያድን ድርብ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊአን ወዲቑ፡ ዝተደራረበ ጾር ተሰኪመን ይኸዳ ምህላወን ርኡይ ኰይኑ ከም ዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

'ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስ ዝስለፍ ዲፕሎማሲ የድሊ ኣሎ'

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝተቐበለሉ

ምንጪ ስእሊ,Shabait

"ኲናት ፍሽለት ዲፕሎማሲ'ዩ፡" ዝብል ኣበሃህላ ክኢላታት ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ዝደጋግምዎ ዓሚቚ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለጺ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ርብዒ ክፍለ-ዘመን ብሰንኪ እትኽተሎ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኤርትራ ኣብ ባዕላውን ዓለምለኻውን ተነጽሎ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ምስ ኵለን ጐረባብታ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምሉእ ብምሉእ ብምብታኽ ናብ ረጽሚ ክትኣቱ ተራእያ'ያ። ሕጂ'ውን እንተዀነ ምስ ጂቡቲ ርክብ የብላን።

ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ምውጽኣ'ውን ንዲፕሎማስያዊ ረብሓታታ ዘረጋግጽ ከም ዘይነበረ'ዮም ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ዝነበሩ ተንተንቲ ዝገልጹ። ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ክልቲኡ ውድባት'ኳ ተመሊሳ እንተሃለወት ብትሑት ደረጃ ክትዋሳእ'ያ ትርአ።

ብሰንኪ እቲ ካብ ቃልሲ ንሓርነት ዝተወርሰ ወተሃደራዊ ባህሊ፡ ዲፕሎማሲ ኤርትራ ክምዕብል ከም ዘይከኣለ'ዩ እቲ ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ናይጀርያ ዝሰርሕ ዝነበረ ዘርኣስላሰ ረድኢ ሽከር ዘብርህ። ንሱ፡ ምክትል ናይቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ገዲም ተጋዳላይን ዲፕሎማሰኛን ኣምባሳደር ዓሊ ዑማሮ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ'ዩ።

"ዲፕሎማሲ ኣብ ኤርትራ ክሰርሕ ጸኒሑ ክበሃል ኣይከኣልን'ዩ፡ ትካላት ዲፕሎማሲ ከይህነጽ ክዕገት ጸኒሑ'ዩ፡" ብምባል ብፍላይ ድሕሪ 1998 እናተዳኸመ ከም ዝኸደን ብሰንኩ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ዝነበራ ምስሊ እናተደወነ ከም ዝመጽአን የረድእ።

ብሰንኪ'ዚ መብዛሕትኦም ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ንጥፈታትን ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ተጸሚዶም ምስ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ከምቲ ዝድለ ቀጻልነትን ዘለዎን ርጉእን ኰይኑ ከይምዕብል ብድሆ ከም ዝዀነ ድማ የነጽር።

"እቲ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ቆፎ ኣሎ'ዩ፣ ሰባት'ውን ይምዘዝሉ'ዮም። ይብዝሑ ይውሓዱ፡ ዓቕምታት ናቶም ኣይኰናን ንገልጽ ዘለና፡ ዋላ'ኳ ዕድል ተዋሂቡዎም ፍልጠቶም ከደንፍዑ ዝኽእሉ እንተዀኑ፡" ዝብል ዘርኣስላሰ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ብሓቂ ዲፕሎማስያዊ ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ናጽነት ከም ዘይወሃቦም ተመኵሮኡ መሰረት ብምግባር ይዛረብ።

"ንኣብነት ዝምድናታት ኣብ ምብታኽ ይዅን ኣብ ምህናጽ ኣብ ክንዲ ንረብሓ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው ሃዲእካ ውሳነታት ዝወሃቦ፡ ሃንደበት ፕረዚደንት ብዝወስዶ በይናዊ ስጕምቲ'ዩ ዝምራሕ።"

ሰለስተ ኣብ በበይኑ እዋናት ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣባላት ካቢነን ሃገራዊ ባይቶን ካብ 2001 ጀሚሮም ኣብ ማሕዩር ተሰዊሮም ይርከቡ። ምኒስተራት ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ ጴጥሮስ ሰሎሞንን ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎን ንዲፕሎማሲን ኲናትን፡ ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ተሓታትነትን ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነቐፌታ ብምቕራቦም'ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ንኤርትራ ከጋጥሙዋ ዝኽሉ ክልተ ዓበይቲ ናይ ወጻኢ ስግኣታት ከም ዘለዉ ዝጠቅስ እቲ ዲፕሎማት፡ ብወገን ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘሎ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝዳፈር "ተጻባኢ" መግለጺታት ቅሳነት ዝኸልእ ምዃኑ ይምጕት።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሃገሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ክትውንን 'ባህርያዊ መሰል' ከም ዘለዋ ክገልጽ ምጽንሑ፡ ንኣስመራ ስግኣት ኰይኑ ከም ዘሎ'ዮም ሰብመዚ ኤርትራ ዝገልጹ። ኣቢይ ኣሕመድ ብዘይ ኲናት ድሌቱ ክሰምረሉ ከም ዝደሊ ምግላጹ'ውን ንስክፍታ ኤርትራ ዘጕደሎ ኣይመስልን።

"ኢትዮጵያ ንኤርትራ ገዚኣታ ነይራ'ያ። ነቲ ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይተቐበሉዎ ሓይልታት ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት'ውን ስልጣን መንግስቲ ይሕዙ'ዮም፡" ይብል ዘርኣስለሰ።

"ንልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘይቅበሉ፡ ንመግዛእታዊ ዶባት ከም ዘይቅበሉ፡" ብምግላጽ ድማ፡ "ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ባህርያት ካብ ኢትዮጵያ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ።"

ክፍለዮሃንስ ግን እቶም ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ዘይተቐበሉ ኢትዮጵያውያን ከይተረፈ ንልኡላውነት ኤርትራ ርዒሞሞ ይኸዱ ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ 2018 ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያ ክልተ ህዝቢ'ዩ ኢሉ ዝዛረብ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራሕ'ዩ፡" ብምባል ነቲ ድልየታት ከም ዘበራበሮ'ዩ ዝምጕት።

ነዚ ምስ ኣዲስ ኣበባ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን'ውን እንተዀነ፡ ካልእ ኣዕናዊ ኲናትን ኵነተ-ኲናትን ንምውጋድ፡ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ብምግባር ክግታእ ከም ዝኽእል'ዩ ዘርኣስላሰ ዝገልጽ።

"ኵሉ ግዜ ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስ ፈለማ ኣብ ግንባር ዝስለፍ ዲፕሎማስን ዲፕሎማሰኛታትን እዮም።"

እቲ ዘርኣስላሰ ካልኣይ ስግኣት ኤርትራ ዝብሎ፡ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዝምንጩ'ዩ። ጸጥታ ናይዚ ስትራተጅያዊ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንረብሓታት ዓበይቲ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ዞባውያንን ሃገራት ዘገድስ ምዃኑ ዘቕስን ኣይኰነን።

ሃብታማት ሃገራት ወሽመጥ ዝዀና ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለወን "ተቐያያሪ ዝምድናታት" ኣቓልቦ ዘድልዮ እዩ ድማ ይብል።

ንኸምዚ ዝበለ ስትራተጅያዊ ስግኣታት ብግቡእ ንምእላይ ኣብ ክንዲ "ታክቲካዊ" ዝምድናታት ምግባር ንነዊሕ ዝጠመተ ፖሊሲ ክሕንጸጽ ከም ዘለዎን፡ እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ብውልቀሰባት ዝውሰን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተኸተለ ክኸውን ከም ዘድሊ እቶም ክእሊታት ይዛረቡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ እዚ ዝፍራሕ ዘሎ ደበና ኲናትን ኵነተ-ኲናትን ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ተቐንጢጡ፡ ናይ ክሳራ መዋእል ኣብቂዑ፡ ከም ዓለሞም ብሰላም፡ ራህዋ፡ ቅሳነትን ኣብ ጐደና ሓቀኛ ምዕባለ ዝምርሽሉ ሓድሽ ምዕራፍ ክኽፈተሎም'ዮም ሃረር ዝብሉ።

ሕጂኸ ይሰምረሎምዶ ይኸውን? ንዝብል ዓቢይ ሕቶ ግን እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ዝምልሱዎ ጥራሕ'ዩ ክኸውን።