ፈላሚ ምብጻሕ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣል-ሲሲ ናብ ኤርትራ

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸክ ማሕሙድ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን እዩ ንኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግብጺ ንሶማልያ ወተሃደራዊ ደገፍ ክትገብረላ ምጅማራ ንኢትዮጵያ ኣቖጢዕዋ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ግብጽን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ፈለግ ኣባይ (ሰማያዊ ናይል) ዝነቐለ ነዊሕ ምስሕሓብ ከምዘለወን ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ሓዲሽ ዝምድናታት ክምዕብል ስለዝተራእየ፡ ስሉሳዊ ስምምዕ ክገብራ ይኽእላ እየን ዝብል ግምታት ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ጸኒሑ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ምብጻሕ ምርግጋእን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ንምድልዳል" ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብቲ ርክብ ብወግዒ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ዓብደል-ፋታሕ ኣል-ሲሲን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድን ኣብ ምድልዳል ርክብ ሰለስቲአን ሃገራት ከምኡ’ውን ጉዳያት ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ዝምልከት ስሉሳዊ ዋዕላ ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ድሕሪ ዝገበረቶ ስምምዕን፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሃገሩ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንክትረክብ ብተደጋጋሚ ክህቦ ብዝጸንሐ ዘረባ ምስ ሶማልያን ኤርትራን ዝጸንሐ ዝምድናታት ከምዝተዳኸመ ርኡይ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ እየን ከኣ እዘን ሰለስተ ሃገራት ሶማል፡ ግብጽን ኤርትራን ነቲ ዝጸንሐን ዝምድና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘበርኸኦ ዘለዋ ዝብል ርእይቶ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣሎ።

እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ግብጺ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ኣብ ምሕያል ትርከብ።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዝተራእየ ዘደንቕ ዝመስል ዝነበረ ዝምድናን ርክብን በብቑሩብ ክዝሕል ክሃጉግን ተራእዩ።

እቲ ዝዓበየ ስግኣት ግን ኣብ መንጐ ሓይልታት ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ሶማልያ ግጭት ክፍጠር ይስጋእ።

ኣል-ሲሲ ኣብ "ስሉሳዊ ዋዕላ" መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ብምስታፍ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሑ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ዝምድና ኤርትራን ግብጽን

ፕረዚደንት ግብጺ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉኡ

ምንጪ ስእሊ,@hawelti

ኤርትራን ግብጽን፡ ብቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝዳወባ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኰይነን ናይ ነዊሕ እዋን ዝምድናን ርክብን ኣለወን።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ ነይሩ።

እቲ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ዝግበር፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያት፡ ጉዳይ ሱዳን፡ ሶማልያን ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ዝግበር ርክባት ምምኽኻር ከምዝዀነን ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ኣብዚ ጉዳያት’ዚ “ብዕምቈት ዘትዮም” ክብል መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኤርትራ ሻባይት ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር በድርን ዝተገብረ ርክብ፡ እቲ ሚኒስተር፡ ግብጺ ኣብዚ ዞባ፡ ናይ ምትእትታው ኰነ ጸጥታ ናይ ምዝራግ ኣጀንዳ ከምዘይብላ ብምግላጽ፡ “ብገለ ወገናት ዝወሃብ መግለጺታትን ዝቐርብ ክስታትን” ነጺጕ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጽሒፉ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት’ውን ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ግብጺ ምስ ምስ መዘናኡ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ተራኺቡ ነይሩ። ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምምዕባልን ምዕማቚን ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ከምኡውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ከምዝተዘራረቡ ይዝከር።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ