ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ኰይኑ

ቢንያም፡ ኣብ ሳልሳይ፡ ሻሙናይን ፡ ዓሰርተ ክልተን መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ሃትሪክ ክሰርሕ እንከሎ፡ ኣብ ሻዱሻይን ዓስራይን መድረኻት ካልኣይ፡ ኣብ መድረኽ ዓሰርተ ሰለስተ ራብዓይ ኣብ ሓሙሻይን ታሽዓይን መድረኽ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ’ዩ ነዚ ድሙቕ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ።

ቢንያም፡ ንቀጠልያ ማልያ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ካብ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኡኖ ኤክስ ሞቢሊቲ ኖርወጃዊ ጆናስ ኣብርሃምሰን ምስ ተረከባ ክሳብ መወዳእታ ክዕቅባ ብምኽኣሉ ካብቲ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ቤልጂማዊ ጃስፐር ፍሊፕሰን ብ33 ጸብለልታ ነጥቢ’ዩ ተዓዋቲ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ።

ቢንያም ግርማይ ካብ 387 ነጥቢ፡ እቲ 148 ነጥቢ ኣብ ሞንጐ ኣብ ዝካየድ ቅጽበታዊ ውድድር ዘዋህለሎ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ፡ ክልተ ግዜ ካልኣይ፡ ሓንሳብ ራብዓይ ክልተ ግዜ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ ዘዋህለሎ’ዩ።

እቲ ኤርትራዊ ኮኾብ፡ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ’ዩ፤ ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነ ኸኣ ሰለስተ ግዜ ።

ከምኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ብነጥቢ ንዝመርሑ ተቐዳደምቲ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያ ቅድሚ እዚ ዓመት ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ዝተኸደና ኣይነበረን።

ቢንያም ግን ን16 መዓልታት ኣብ ዝባኑ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ብውህሉል ነጥቢ ክውንና ምኽኣሉ ሓድሽ ክብረ ወሰን’ዩ ኣመዝጊቡ።

ንሱ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሓንቲ መድረኽ፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብሓፈሻ ኣብ ግራንድ ቱር ኣርባዕተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ በጺሕዎ ዘይፈልጥ ብራኸ ደይቡ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ሮበርት ሃንት ዝተበሃለ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ 1999 ከምኡ ከኣ ኣብ 2001 ኣብ ቮልታ ስጳኛ፡ ኣብ 2007 ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ ነይሩ’ዩ፤ ቢንያም ከኣ ነዚ በጺሑ ሓሊፉ ምናልባት ብቐሊል ኣብ ሓጺር ግዜ ዝብጻሕ ዘይመስል ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣጽሒፉ ኣሎ።

ኤርትራ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ስማ ክልዓል እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

እቲ ምስ ኣውስትራልያዊት ጋንታ ግሪን ጀርሲ ብምዃን ኣብ 2012 ኣብ ግራንት ቱር ቮልታ ስጳኛ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ 2015 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተሳተፉ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ብምዃን ስም ኤርትራ ኣብ ተሳተፍቲ ቱር ዲ ፍራንስ ከምዝሰፍር ገይሮም’ዮም።

ብዘይካ'ዚ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015 ኣብ ሓሙሻይ ክሳብ ዓስራይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ንኣንበሳ ዓቐበት ንእትውሃብ ማልያ ክለብሳ ዝኸኣለ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ።

ዳኒኤል ኣብ 2016’ውን ደጊሙ ምስ ናትናኤል ብርሃነ ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ እንከሎ፡ ናትናኤል ብርሃነ’ውን ኣብ 2019 ኣብቲ ውድድር ተሳቲፉ።

ኤርትራ ኣብቲ ውድድር ካብ 2019 ክሳብ 2022 በዂራ ድሕሪ ምጽናሕ ቢንያም ግርማይ ኣብ 2023 ኣብቲ ውድድር ብምስታፍ ምልሶት ኤርትራ ኣበሲሩ።

ሎሚ ዓመት ከኣ ደጊሙ ኣብቲ ውድድር ብምስታፍ፡ ንውልቁ፡ ንሃገሩ፡ ንኣፍሪቃን ንጋንታኡን በዅሪ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወታት ኣግዚሙ።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015 ኣብ ሓሙሻይ ክሳብ ዓስራይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ንኣንበሳ ዓቐበት ንእትውሃብ ማልያ ክለብሳ ዝኸኣለ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015 ኣብ ሓሙሻይ ክሳብ ዓስራይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ክለብስ ዝኸኣለ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ እዩ 

ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ንዝተዓወቱ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሽልማት ክንደይ’ዩ?

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተዓወተ ናይ መጀመርታ ኰኾብ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ብጫ ማልያ እቲ ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2021 ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ስሎቬንያዊ ታደይ ፖጋቻ’ዩ።

ፖጋቻ፡ ብዘይካ'ዚ ኣብ ሓሙሽተ መድረኻት እቲ ዓመት ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ብምዝዛም’ውን ዝያዳ ኵሎም ተቐዳደምቲ ክደምቕ ክኢሉ’ዩ።

ቀጠልያ ማልያ ቢንያም ክዕወተላ እንከሎ፡ ነጠብጣብ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ኢኳዶርያዊ ሪቻርድ ካራፓዝ ብ127 ወኒንዋ።

ንመንእሰይ ኣብ እትወሃብ ጻዕዳ ማልያ ከኣ ቤልጂማዊ ሬምኮ ኤቨንፖል ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ወዲኡ።

ቅድድም ብሽክለታ ምስ ከም ኩዕሶ እንርእዮ ካልእ ዓይነት ስፖርትን ውድድርን ብምዝማድ ሃልኩ ከቢድ ክንሱ እቲ ዝወሃብ ሽልማት ግን ውሑድ’ዩ ኢልካ ክግለጽ ይከኣል።

ኣብዚ ውድድር ብሓፈሻ 2.3 ሚልዮን ዩሮ’ዩ ንሽልማት ተዳልዩ፡ ካብዚ እቲ 20 ሚእታዊት ማለት እቲ ፍርቂ ሚልዮን ዩሮ ንተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዝወሃብ እዩ።

ኣብ ብጫ ማልያ ብሓፈሻ ንቀዳማይ ፍርቂ ሚልዮን ዩሮ፡ ንካልኣይ 200 ሽሕ፡ ንሳልሳይ 100 ሽሕ፡ ንራብዓይ 70 ሽሕ፡ ንሓምሻይ 50 ሽሕ፡ ንሻዱሻይ 23 ሽሕ፡ ንሻውዓይ 11500 ፡ ንሻሙናይ 7600፡ ንታሽዓይ 4500 ንዓስራይ 3800 ዩሮ ከምኡ እናበለ መበል 20 ኰይኑ ውድድሩ ንዝዛዘመ 1000 ዩሮ ይወሃብ።

ኵሎም ነዚ 21 መድረኻት ዝዛዘሙ ተጻወትቲ ከኣ ነፍሲ ወከፎም 1000 ዩሮ ሽልማት ኣለዎም።

ናይ መድረኽ ዝተዓወቱ ከኣ ንቀዳማይ 11 ሽሕ ዩሮ፡ ካልኣይ 5500፡ ሳልሳይ 2800፡ ራብዓይ 1500፡ ሓሙሻይ 830 ዩሮ እናበለ ካብ 15 ክሳብ 20 ደረጃ ንዝወጽኡ’ውን ነፍሲ ወከፎም 300 ዩሮ ሽልማት ይወሃቦም።

ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ኣብ ቀጠልያ ማልያን ንኣንበሳ ዓቐበትን ዝተዓወቱ፣ ነዚ 21 መድረኻት ዝዛዘሙ ተቐዳደምቲ ነፍሲ ወከፎም 25 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ኣለዎም።

ኣብ ክልቲኡ ማልያታት ንኻልኣይ 15 ሽሕ፡ ሳልሳይ 10 ሽሕ፡ ራብዓይ 4000 ሽሕ፡ ሓሙሻይ 3500፡ ሻዱሻይ 3000፡ ሻውዓይ 2500፡ ሻሙናይ ከኣ 2000 ዩሮ ሽልማት ይወስዱ።

ኣብ ናይ መንእሰያት ተዓዋቲ ጻዕዳ ማልያ ከኣ እቲ ብገፊሕ ፍልልይ ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ቤልጂማዊ ሬምኮ ኤቨንፖል 20 ሽሕ ዩሮ ክሽለም እንከሎ፡ ካልኣይ 15 ሽሕ ዩሮ፡ ሳልሳይ 10 ሽሕ ዩሮ ራብዓይ ከኣ 5000 ዩሮ ሽልማት ይወስዱ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝበለጸ ጸወታ ዘርኣየ ተጻዋታይ 2000 ዩሮ ይሽለም፤ ኣብ ምሉእ ውድድር ዝበለጸ ተሃላላኻይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ተቐዳዳማይ ከኣ 20 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ይወስድ።

ብጋንታ ቀዳመይቲ ዝዀነት ክለብ 50 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ይወሃባ። እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ተቐዳደምቲ ናይታ ጋንታ ዝምቀል’ዩ።

እቲ ከም ሽልማት ዝወሃብ ማልያታት ብጫ ማልያ፡ ን21 መድረኻት ብዝሓጸረ ግዜ ንዝወደኦ ተጻዋታይ እትውሃብ ማልያ’ያ፤ ቀጠልያ ማልያ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድርን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ [ብዘይካ ኣብቲ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር] ኣብቲ ኣብ መንጐ ውድድር ዝህሉ ነጥቢ ዘውህብ ሕንጻጽን ዝበዝሐ ነጥቢ ንዘዋህለለ ተጻዋታይ ትውሃብ።

ነጥብጣብ ማልያ ንኣንበሳ ዓቐብ ትወሃብ ኮይና፡ ኣብ ተረርቲ ዓቐበታት ንዝተዳለወ ንሓኾርቲ ዝወሃብ ነጥቢ ዝበዝሐ ንዘዋህለለ ትወሃብ ማልያ’ያ፤ ጻዕዳ ማልያ ከኣ ን21 መድረኻት ብዝውሓደ ግዜ ንዝወድኦ መንእሰይ ተጻዋታይ ትወሃብ ማልያ ምዃና ይፍለጥ።