ብህዝቢ ኤርትራ ላግጺ ያኣክል

ጅንጅብል መን እንተበሉኻስ መን ትብል’’ኤርትራዊ ተመሲልካ(ምድንጋራት ያኣክል) ኣብ ባይታ ምስ ወረድና» ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ሃገርና’’ምስ ህዝብና ኮና’’ጸረ ጉጅለ ህግደፍ ክነዕውቶ ንዕላማና’’ርእሲ ከተማ ሃገርና’’ኤርትራ ኣስመራ’’ብግዜ ጥልያን ኮንቪሽታቶ’’ ቪኮሎ ሮማ’’ብጎባጢ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ’’ጎደና ቀዳማዊ መለሊክ::

 

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቃ ምስ ኮነት ሐራ’’ኣብ ጎደና ሐርነት ዶ ኣብ ጎደና ባርነት’’ካብ ዋጋ ዝኸፈለ ወደባት’’ቪቫ ወዲ ኣፎም ዝበለ’’ንሐደ ዕላማ በበይንኻ ቱታ’’ ግብሪ ኣልቦ ሰልፍታት በዚሔን’’ን33 ዓመታት’’ኣብ ትሕቲ ፋሽሽታዊ’’ጉጅለ ህግደፍ ባርነት’’መድያታት ሃብቲ ከካዕብታ’’ናይ ሐርነት ቃልሲና’’ብመሳርሒ ክልተ ጎራሐት’’ ኣንፈቱ ሲሒቱ::

 

ንሕና ግብሪ ኣልቦ ዘረባ ጥራይ፣ ብጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ይባታተን፣ብሐቂ ጸረ  ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ እንተ ኮይኑ እቲ ነካይዶ ቃልሲ ዝቀደምና ዝደሐርና፣ ሐደ ይኹን ቃልና ብህዝቢ ኤርትራ ሸቐጥ ይብቅዕ።

 

ከንዲ ስኒት ዘዝመጸ’’ብተልእኾ በበይኑ ስለ ዝሃውተተ’’ስለዚዩ ናይ ሐርነት ቃልስና’’ ክሳብ ሕጂ ዘይተ ዓወተ’’ሕጂ ኸ ካብ ጌጋና ተማሂርና ዶ’’ብቋንቋና ዝዛረቡ ኤርትራ ንኤርትራውያን’’ እባ ደቀባት ኢና’’ኣይትበሉ ዝበሃለሉ ግዜ በጺሕና’’ሕጂ ውን ኤርትራ ንኤርትራዊያንዩ ጭርሖና’’ብዘረባ ዝተዓወተ’’ህዝባዊ ቃልሲ የለን እሞ’’ኣጆኹም ኣጆና’’ መኻን ኣይኮነትን ኤርትራ ሃገርና’’ዉሽጡ ሑሩር።

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ኣገልገልቶምን፣ንከደምቲ መረብ ምላሽ ኤርትራዊያን ኢና በሃልትን’’ገጣሚ ብባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 2024።